|
target_sentence |
|
13 መሸም፡ ቀደም ሰዓቢ ኣይሁድነት ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡+ ንጉባኤ ኣምላኽ ኣመና ኸም ዝሰጐጕክዋን ከም ዘዕኖኽዋን ሰሚዕኩም ኣለኹም።+ |
|
14 ንስርዓት ኣቦታተይ ዝያዳ ቕንኣት ስለ ዝነበረኒ፡ ብኣይሁድነት ካብ ብዙሓት መሳቶይ ዝዀኑ ደቂ ዓደይ ዝያዳ ዕቤት እገብር ነይረ።+ |
|
15 እቲ ኻብ ከርሲ ኣደይ ዝፈለየንን ብጸጋኡ+ ዝጸውዓንን ኣምላኽ ግና፡ |
|
16 ብዛዕባ ወዱ ንኣህዛብ ምእንቲ ኸበስር ኢሉ፡+ ንወዱ ብኣይ ኣቢሉ ኺገልጽ ምስ ፈተወ፡ ብኡብኡ ምስ ሰብ* ኣይተማኸርኩን። |
|
17 ናብቶም ቅድመይ ዝነበሩ ሃዋርያት እውን፡ ናብ የሩሳሌም ኣይደየብኩን፣ የግዳስ፡ ናብ ምድሪ ዓረብ እየ ኸይደ፣ ካብኡ ድማ ናብ ደማስቆ ተመሊሰ።+ |
|
18 ድሕሪኡ፡ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት፡ ንኬፋ*+ ምእንቲ ኽበጽሖ ኢለ፡ ናብ የሩሳሌም ደዪበ፣+ ን15 መዓልቲ ድማ ምስኡ ቐንየ። |
|
19 ካብ ካልኦት ሃዋርያት ግና፡ ብዘይካ ያእቆብ+ ሓው ጐይታና፡ ካልእ ኣይረኣኹን። |
|
20 ብዛዕባ እዚ ዝጽሕፈልኩም ዘለኹ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እየ ዝብለኩም፡ ኣይሕሱን እየ ዘለኹ። |
|
21 ድሕሪኡ፡ ናብ ዞባታት ሶርያን ቂልቅያን ከይደ።+ |
|
22 እተን ኣብ ይሁዳ ዝነበራ ጉባኤታት ክርስቶስ ግና፡ ብገጽ ኣይፈልጣንን እየን ነይረን፣ |
|
23 “እቲ ቐደም ዚሰጕጐና ዝነበረ፡+ ብዛዕባ እታ ኼዕንዋ ዚፍትን ዝነበረ እምነት የበስር ኣሎ” ኺብሃል ከሎ ጥራይ ይሰምዓ ነይረን።+ |
|
24 ስለዚ፡ ብዛዕባይ ንኣምላኽ ኣሞጊሰናኦ። |
|
2 ድሕሪኡ፡ ድሕሪ 14 ዓመት፡ ንቲቶስ ተማሊአ፡ ምስ በርናባስ+ ከም ብሓድሽ ናብ የሩሳሌም ደዪበ።+ |
|
2 ብምኽንያት ሓደ ራእይ እየ ደዪበ። ምናልባት ንኸንቱ እጐዪ ኸይህሉ ወይ ጐይየ ኸይከውን ንምርግጋጽ ግና፡ ነቶም ምርኡያት በይኖም ገይረ፡ ነቲ ኣብ ኣህዛብ ዝሰብኮ ዘለኹ ብስራት ነጊረዮም እየ። |
|
3 ኰይኑ ግና፡ እቲ ምሳይ ዝነበረ ቲቶስ+ እኳ፡ ግሪኻዊ ኽነሱ፡ ኪግዘር ኣይተገደደን።+ |
|
4 እቲ ጕዳይ እቲ እተላዕለ፡ ብሰሪ እቶም ጠሪሶም ባሮት ኪገብሩና+ ኢሎም ነታ ብክርስቶስ የሱስ ዘላትና ሓርነት+ ኪስልዩ ሰላሕ ኢሎም ዝኣተዉ ናይ ሓሶት ኣሕዋት እዩ።+ |
|
5 ሓቂ እቲ ብስራት ምሳኻትኩም ምእንቲ ኺጸንዕ፡ ነዚኣቶም ሓንሳእ* እኳ ኣይተገዛእናዮምን።+ |
|
6 ብዛዕባ እቶም ከም ኣገደስቲ ዚመስሉ ግና፡+—ንምዃኑ እኳ ኣምላኽ ደጋዊ ትርኢት ሰብ ርእዩ ስለ ዘይፈርድ፡ ቀደም እንታይ ዓይነት ሰብ ምንባሮም ኣይግድሰንን እዩ፡—ንዓይ እቶም ምርኡያት ዋላ ሓንቲ ሓድሽ ነገር ኣይወሰኹለይን። |
|
7 ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ከምቲ ጴጥሮስ ንእተገዝሩ ኼበስር ሕድሪ እተዋህቦ፡ ንዘይተገዝሩ ኸበስሮም+ ሕድሪ ኸም እተዋህበኒ ምስ ፈለጡ፡— |
|
8 ከመይሲ፡ እቲ ንጴጥሮስ ኣብቶም ግዙራት ሃዋርያ ኪኸውን ስልጣን ዝሃቦ፡ ንዓይ እውን ኣብቶም ካብ ኣህዛብ ዝዀኑ ስልጣን ሂቡኒ እዩ፡+— |
|
9 ነቲ እተዋህበኒ ጸጋ+ እውን ምስ ፈለጡ፡ እቶም ከም ኣዕኑድ ጌርካ ዚርኣዩ ያእቆብን+ ኬፋን* ዮሃንስን፡ ንዓይን ንበርናባስን+ ናብ ኣህዛብ ክንከይድ፡ ንሳቶም ከኣ ናብ ግዙራት ኪኸዱ፡ ስምረቶም* ንምግላጽ የማናይ ኢዶም ሂቦምና። |
|
10 ንድኻታት ክንዝክሮም ጥራይ ሓቲቶምና፣ ነዚ እውን ክገብሮ ተጋዲለ እየ።+ |
|
11 ይኹን እምበር፡ ኬፋ*+ ናብ ኣንጾክያ+ ምስ መጸ፡ ብንጹር በዳሊ ዀይኑ ስለ እተረኽበ፡ ገጽ ንገጽ ተቓወምክዎ። |
|
12 ከመይሲ፡ ገለ ሰባት ካብ ያእቆብ+ ቅድሚ ምምጻኦም፡ ምስ ኣህዛብ ይበልዕ ነይሩ፣+ ንሳቶም ምስ መጹ ግና፡ ነቶም ሰብ ግዝረት ስለ ዝፈርሀ፡ ከምኡ ምግባር ሓዲጉ፡ ርእሱ ፈልዩ።+ |
|
13 እቶም ዝተረፉ ኣይሁድ እውን ምስኡ ተገቢዞም፣* በርናባስ እኳ ብግብዝናኦም* ተለኪሙ። |
|
14 ምስ ሓቂ እቲ ብስራት ተሰማሚዖም ይመላለሱ ኸም ዘየለዉ ምስ ረኣኹ፡+ ንኬፋ* ኣብ ቅድሚ ዅላቶም፡ “ንስኻ ኣይሁዳዊ ኽነስኻ፡ ከም ኣይሁድ ዘይኰነስ፡ ከም ኣህዛብ ትነብር ካብ ኰንካ፡ ንኣህዛብ ብመሰረት ልምዲ ኣይሁድ ኪነብሩ ስለምንታይ ትግድዶም ኣለኻ፧” ኢለዮ።+ |
|
15 ንሕና ብትውልዲ ኣይሁድ ዘበልና፡ ካብቶም ሓጥኣን ኣህዛብ እውን ዘይኰንና፡ |
|
16 ሰብ ብግብሪ ሕጊ ዘይኰነስ፡ ብየሱስ ክርስቶስ ብምእማን+ ከም ዚጸድቕ* ንፈልጥ ኢና።+ እምበኣር፡ ብግብሪ ሕጊ ዚጸድቕ ዋላ ሓደ* ስለ ዘየልቦ፡ ብግብሪ ሕጊ ዘይኰነስ፡ በቲ ኣብ ክርስቶስ ዘሎና እምነት ምእንቲ ኽንጸድቕ፡ ብክርስቶስ የሱስ ኣሚንና ኣለና።+ |
|
17 ብክርስቶስ ክንጸድቕ እናደለና ኸለና፡ ሓጥኣን ኴንና እንተ ተረኺብና፡ ክርስቶስዶ ኣገልጋሊ ሓጢኣት እዩ፧ ያእ ኣይፋሉን! |
|
18 ነቲ ዘፍረስክዎ ኸም ብሓድሽ ዝሃንጾ እንተ ዀይነ፡ ኣባሲ ምዃነይ እየ ዘርኢ። |
|
19 ኣነስ፡ ንኣምላኽ ህያው ምእንቲ ክኸውን፡ በቲ ሕጊ ኣቢለ፡ ነቲ ሕጊ ምዉት ኰይነ እየ።+ |
|
20 ምስ ክርስቶስ ተሰቒለ እየ።+ እቲ ምሳይ ብሓድነት ዚነብር ክርስቶስ ደኣ እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝነብር ዘለኹ።+ እወ፡ እዚ ሕጂ ብስጋ ዝነብሮ ዘለኹ ህይወት፡ በቲ ዘፍቀረንን ምእንታይ ርእሱ ዘሕለፈን+ ወዲ ኣምላኽ ብምእማን እየ ዝነብሮ ዘለኹ።+ |
|
21 ንጸጋ ኣምላኽ+ ኣይነጽጎን እየ፣ ከመይሲ፡ ጽድቂ ብሕጊ እንተ ዚኸውን፡ ክርስቶስ ንኸንቱ ሞይቱ ማለት እዩ።+ |
|
4 ኣነ እብል ኣለኹ፦ ወራሲ ብግዜ ሕጻንነቱ፡ ዋላ እኳ ጐይታ ዅሉ እንተ ዀነ፡ ካብ ባርያ ፈሊኻ ኣይርአን እዩ፣ |
|
2 የግዳስ፡ ክሳዕ እታ ኣቦኡ ዝመደባ መዓልቲ እትኣክል፡ ኣብ ትሕቲ ኣለይትን ኣመሓደርቲ ቤትን እዩ። |
|
3 ከምኡ ድማ፡ ንሕና ሕጻናት ኣብ ዝነበርናሉ እዋን፡ ብመባእታዊ ነገራት ዓለም ባሮት ኴንና ኔርና።+ |
|
4 ኰይኑ ግና፡ እቲ ተወሲኑ ዝነበረ እዋን ምስ ኣብቅዐ፡ ኣምላኽ ነቲ ኻብ ሰበይቲ እተወልደን+ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዝዀነን+ ወዱ ልኢኽዎ እዩ፣ |
|
5 ከምኡ ዝገበረ ኸኣ፡ ነቶም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ ዓዲጉ ሓራ ምእንቲ ኼውጽኦም እሞ፡+ ንሕና ውሉድነት ምእንቲ ኽንረክብ እዩ።+ |
|
6 ውሉዳት ስለ ዝዀንኩም፡ ኣምላኽ ነቲ፡ “ኣባ፡* ኣቦ!”+ ኢሉ ዚጽውዕ መንፈስ ወዱ ናብ ልብና+ ልኢኽዎ እዩ።+ |
|
7 ስለዚ፡ ደጊም ውሉድ ደኣ እምበር፡ ባርያ ኣይኰንካን፣ ውሉድ ካብ ኰንካ ኸኣ፡ ኣምላኽ እውን ወራሲ ገይሩካ እዩ።+ |
|
8 ይኹን እምበር፡ ንኣምላኽ ከይፈለጥኩምዎ ኸለኹም፡ ባሮት እቶም ናይ ሓቂ ኣማልኽቲ ዘይኰኑ ኢኹም ኔርኩም። |
|
9 ሕጂ ንኣምላኽ ምስ ፈለጥኩምዎ፡ ምናዳ እውን ኣምላኽ ምስ ፈለጠኩም፡ ከመይ ጌርኩም ናብቲ ድኹምን+ ድርባይን መባእታዊ ነገራት ትምለሱን ከም ብሓድሽ ባሮቱ ኽትኰኑ ትደልዩን ኣለኹም፧+ |
|
10 መዓልትታትን ኣዋርሕን+ ወቕትታትን ዓመታትን ተጠንቂቕኩም ትሕልዉ ኣለኹም። |
|
11 ምናልባት ንኸንቱ ጽዒረልኩም ከይከውን፡ እፈርሃልኩም ኣለኹ። |
|
12 ኣሕዋተየ፡ ኣነ ኸማኻትኩም ስለ ዝነበርኩ፡ ከማይ ክትኰኑ እልምነኩም ኣለኹ።+ ሓንቲ እኳ ኣይበደልኩምንን። |
|
13 ግናኸ፡ ብስጋ ብምሕማመይ እየ ነቲ ብስራት ክነግረኩም ንፈለማ ግዜ ኣጋጣሚ ዝረኸብኩ። |
|
14 ሽዑ፡ ሕማመይ ፈተና እኳ እንተ ዀነኩም፡ ኣይነዓቕኩምንን ወይ ኣይተጸየፍኩምንን፣* የግዳስ፡ ከም መልኣኽ ኣምላኽ፡ ከም ክርስቶስ የሱስ ጌርኩም ኢኹም ተቐቢልኩምኒ። |
|
15 እቲ ዝነበረኩም ሓጐስ ደኣ ኣበይ ኣሎ፧ ዚከኣል እንተ ዚኸውን ነይሩስ፡ ኣዒንትኹም ኣውጺእኩም ከም እትህቡኒ እምስክረልኩም እየ።+ |
|
16 እሞ ደኣ፡ ሓቂ ስለ ዝነገርኩኹምዶ ጸላኢኹም ኰይነ እየ፧ |
|
17 ንጽቡቕኩም ዘይኰነስ፡ ካባይ ኪፈልዩኹም እሞ፡ ተሃንጢኹም ምእንቲ ኽትስዕብዎም ኢሎም እዮም ብወገኖም ኪገብሩኹም ብቕንኣት ዚጽዕሩ ዘለዉ። |
|
18 ኰይኑ ግና፡ ኣነ ምሳኻትኩም ከለኹ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኵሉ ሳዕ ንጽቡቕ ኢሉ ብቕንኣት ዚደልየኩም እንተሎ ሰናይ እዩ፣ |
|
19 ደቀየ፡+ ክርስቶስ ክሳዕ ዚቕረጸልኩም፡ ከም ብሓድሽ ብቕልውላው ተታሒዘልኩም ኣለኹ። |
|
20 ብኣኻትኩም ዝገብሮ ጠፊኡኒ ስለ ዘሎ፡ ሕጂ ምሳኻትኩም ክህሉን ብእተፈልየ መገዲ ኽዛረበኩምን ምደለኹ። |
|
21 ኣቱም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ኽትኰኑ እትደልዩ፡ እስከ ንገሩኒ፡ ነቲ ሕጊዶ ኣይትሰምዕዎን ኢኹም፧ |
|
22 ንኣብነት፡ ኣብርሃም ክልተ ኣወዳት ከም ዝወለደ፡ እቲ ሓደ ኻብታ ገረድ፡+ እቲ ሓደ ኸኣ ካብታ ጭዋ+ ኸም ዝነበረ ጽሑፍ እዩ። |
|
23 ኰይኑ ግና፡ እቲ ኻብታ ገረድ እተወልደ፡ ብንቡር* እዩ ተወሊዱ፣+ እቲ ኻብታ ጭዋ እተወልደ ግና፡ ብእተተስፈወ ተስፋ እዩ ተወሊዱ።+ |
|
24 እዚ ኸም ምሳልያዊ ዛንታ ጌርካ ኺውሰድ ይከኣል እዩ፣ ከመይሲ፡ እዘን ኣንስቲ እዚአን ንኽልተ ኺዳን እየን ዜመልክታ፣ እታ ንባርነት እትወልድ ካብ ከረን ሲና+ ዝዀነት፡ ንሳ ኣጋር እያ። |
|
25 ኣጋር ነቲ ኣብ ምድሪ ዓረብ ዘሎ ኸረን ሲና+ እያ እተመልክት፣ ንሳ ኣምሳል እታ ሎሚ ምስ ደቃ ኣብ ትሕቲ ባርነት ዘላ የሩሳሌም እያ። |
|
26 እታ ናይ ላዕሊ የሩሳሌም ግና፡ ጭዋ እያ፣ ንሳ ኸኣ ኣዴና እያ። |
|
27 ከመይሲ፡ “ደቂ እታ በይና ዘላ፡ ካብ ደቂ እታ ሰብኣይ ዘለዋ በዚሖም እዮም እሞ፡ ኣቲ ዘይትወልዲ መኻን፡ ተሓጐሲ፣ ኣቲ ቕልውላው ዘይብልኪ እልል በሊ” ዚብል ጽሑፍ እዩ።+ |
|
28 ኣሕዋተየ፡ ንስኻትኩም ከም ይስሃቅ፡ ደቂ ተስፋ ኢኹም።+ |
|
29 ግናኸ፡ ከምቲ እቲ ብንቡር* እተወልደ ነቲ ብመንፈስ እተወልደ ዝሰጐጎ፡+ ሕጂ እውን ከምኡ እዩ።+ |
|
30 ይኹን እምበር፡ ቅዱስ ጽሑፍ እንታይ ድዩ ዚብል፧ “ወዲ እታ ገረድ ምስ ወዲ እታ ጭዋ ኸቶ ኣይኪወርስን እዩ እሞ፡ ነታ ገረድን ንወዳን ስጐጎም።”+ |
|
31 ስለዚ፡ ኣሕዋተየ፡ ደቂ እታ ገረድ ዘይኰንናስ፡ ደቂ እታ ጭዋ ኢና። |
|
6 ኣሕዋተየ፡ ሰብ ብዘይ ፍላጥ እንተ ስሒቱ፡ ንስኻትኩም መንፈሳዊ ብቕዓታት ዘማላእኩም፡ ንኸምዚ ዝበለ ሰብ ብልኡም መንፈስ ኣቕንዕዎ።+ ኰይኑ ግና፡ ንስኻ እውን ምእንቲ ኸይትፍተን፡+ ንርእስኻ ተጠንቀቕ።+ |
|
2 ከቢድ ጾር ሓድሕድ ጹሩ፣+ በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ሕጊ ክርስቶስ ክትፍጽሙ ኢኹም።+ |
|
3 ሓደ ሰብ ማንም ክነሱ፡ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ እንተ መሲልዎ፡+ ንርእሱ እዩ ዜታልል ዘሎ። |
|
4 ግናኸ፡ ነፍሲ ወከፍ ገግብሩ ይመርምር እሞ፡+ ምስ ካልእ ከይተነጻጸረ፡ ብርእሱ ዜሐጕሶ ነገር ኪህልዎ እዩ።+ |
|
5 ከመይሲ፡ ነፍሲ ወከፍ ጸጾሩ* ኺጸውር እዩ።+ |
|
6 ብተወሳኺ፡ ነቲ ቓል ዚምሃር* ዘበለ፡ ነቲ ዚምህሮ፡* ኵሉ ጽቡቕ ዘበለ የማቕሎ።+ |
|
7 ኣይትታለሉ፦ ኣምላኽ ኣይዕሾን እዩ። ሰብ ዘዝዘርኦ እዩ ዚዓጽድ።+ |
|
8 እቲ ንስጋኡ ኢሉ ዚዘርእሲ፡ ካብ ስጋኡ ጥፍኣት ኪዓጽድ እዩ፣ እቲ ንመንፈስ ኢሉ ዚዘርእ ግና፡ ካብቲ መንፈስ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪዓጽድ እዩ።+ |
|
9 እንተ ዘይተሓሊልና፡ ብግዜኡ ኽንዓጽድ ኢና እሞ፡ ሰናይ ንምግባር ኣይንሰልኪ።+ |
|
10 እምበኣር፡ ኣጋጣሚ* ኽሳዕ ዘሎና፡ ንዅሉ፡ ምናዳ ኸኣ ነቶም ብእምነት ቤተ ሰብና ዝዀኑ፡ ሰናይ ንግበር። |
|
11 ብኸመይ ዝበለ ፍሩይ ፊደላት ብኢደይ ከም ዝጸሓፍኩልኩም ርኣዩ። |
|
12 ኵሎም እቶም ብስጋ ኺፍተዉ* ዚደልዩ ዘበሉ እዮም ብሰንኪ ጕንዲ ስቅያት* ክርስቶስ ምእንቲ ኸይስጐጉ ኢሎም፡ ክትግዘሩ ኼገድዱኹም ዚፍትኑ ዘለዉ። |
|
13 ብስጋኹም ምእንቲ ኺምክሑ ኢሎም እዮም ክትግዘሩ ዚደልዩኹም ዘለዉ እምበር፡ እቶም ዚግዘሩ ዘለዉ እኳ ባዕላቶም ንሕጊ ኣይሕልውዎን እዮም።+ |
|
14 በቲ ዓለም ንዓይ ከም ምዉትቲ ዝዀነትሉ፡ ኣነ እውን ንዓለም ከም ምዉት ዝዀንኩሉ* ጕንዲ ስቅያት* ጐይታና የሱስ ክርስቶስ እንተ ዘይኰይኑ፡+ ብኻልእ ምምካሕ ከቶ ኻባይ ይርሓቕ። |
|
15 ከመይሲ፡ ሓድሽ ፍጥረት+ ደኣ እምበር፡ ግዝረት ኰነ ዘይግዝረት ረብሓ የብሉን።+ |
|
16 ኣብ ኵሎም እቶም በዚ ሕጊ እዚ ብስርዓት ዚመላለሱ፡ እወ፡ ኣብቶም ናይ ኣምላኽ እስራኤል፡ ሰላምን ምሕረትን ይውረድ።+ |
|
17 ኣነ ባርያ የሱስ ምዃነይ ዚሕብር ዕላመት ኣብ ሰብነተይ እጸውር ስለ ዘለኹ፡ ድሕሪ ሕጂ ሓደ እኳ ኣየሸግረኒ።+ |
|
18 ኣሕዋተየ፡ ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ መንፈስኩም ይኹን። ኣሜን። |
|
5 ክርስቶስ ነዚ ሓርነት እዚ ምእንቲ ኽንረክብ ኢሉ እዩ ሓራ ኣውጺኡና። ስለዚ፡ ጽንዑ፣+ ከም ብሓድሽ እውን ኣብ ኣርዑት ባርነት ኣይትቈረኑ።+ |
|
2 እንሆ፡ ኣነ ጳውሎስ፡ እንተ ተገዚርኩም፡ ክርስቶስ ገለ እኳ ኣይኪጠቕመኩምን እዩ እብለኩም ኣለኹ።+ |
|
3 ዚግዘር ዘበለ ሰብ እውን፡ ንብዘሎ እቲ ሕጊ ኺሕሉ ግዴታ ኸም ዘለዎ ደጊመ እምስክረሉ ኣለኹ።+ |
|
4 ኣቱም ብሕጊ ኽትጸድቁ እትፍትኑ ዘለኹም፡+ መን ምዃንኩም ብዘየገድስ፡ ካብ ክርስቶስ ተፈሊኹም ኢኹም፣ ካብ ጸጋኡ ወዲቕኩም ኢኹም። |
|
5 ንሕናስ ነቲ ሳላ እምነት ዚብጻሕ ተስፋ ዚግበረሉ ጽድቂ ብመንፈስ ክንረኽቦ ተሃንጢና ንጽበ ኣለና። |
|
6 ከመይሲ፡ ነቶም ምስ ክርስቶስ የሱስ ዚሓብሩ፡ እታ ብፍቕሪ እትዓዪ እምነት ደኣ እምበር፡ ግዝረት ኰነ ዘይግዝረት ዋጋ የብሉን።+ |
|
7 ጽቡቕ ትጐይዩ ኔርኩም።+ ንሓቂ ኸይትእዘዝዋ ደኣ መን ዓጊቱኩም፧ |
|
8 እዚ ሕብለት እዚ፡ ካብቲ ዝጸውዓኩም ዝመጸ ኣይኰነን። |
|
9 ሒደት ማይ ብሑቝ ንብዘሎ ብሑቝ የብኵዖ እዩ።+ |
|
10 እቶም ምስ ጐይታ ሓድነት ዘሎኩም፡+ ካልእ ከም ዘይትሓስቡ እተኣማመን እየ፣ እቲ ዚርብሸኩም ግና፡+ መን ምዃኑ ብዘየገድስ፡ ዚግብኦ ፍርዲ ኪቕበል እዩ። |
|
11 ኣሕዋተየ፡ ኣነ ግና ግዝረት እሰብኽ እንተ ዝህሉ፡ ስለምንታይ ደኣ እስጐጕ ኣለኹ፧ ከምኡ እንተ ዚኸውንሲ፡ እቲ መዐንቀፊ ጕንዲ ስቅያት*+ ኣልጊሱ ኣሎ። |
|
12 እቶም ዜዕገርግሩኹም፡ እንተ ዚስለቡ እባ ደኣ!* |
|
13 ኣሕዋተየ፡ ንሓርነት ኢኹም እተጸዋዕኩም፣ ሓንትስ፡ በዚ ሓርነት እዚ ተጠቒምኩም ደድሕሪ ስጋዊ ትምኒት ኣይትስዓቡ፣+ የግዳስ፡ ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ ተገዛዝኡ።+ |
|
14 ከመይሲ፡ ኵሉ እቲ ሕጊ፡ “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ” ኣብ እትብል ሓንቲ ትእዛዝ ተፈጺሙ* እዩ።+ |
|
15 ንሓድሕድኩም ትናኸሱን ትባልዑን እንተ ዄንኩም ግና፡+ ንሓድሕድኩም ከይትጣፍኡ ተጠንቀቑ።+ |
|
16 ኣነ ግና፡ ብመንፈስ ተመላለሱ፡+ ትምኒት ስጋ ድማ ከቶ ኣይክትፍጽሙን ኢኹም፡ እብለኩም ኣለኹ።+ |
|
17 ከመይሲ፡ ስጋ ነቲ ምስ መንፈስ ዚጻረር እዩ ዚምነ፣ መንፈስ እውን ነቲ ምስ ስጋ ዚጻረር እዩ ዚምነ። ነቲ ኽትገብርዎ እትደልዩ ነገራት ምእንቲ ኸይትገብሩ፡ እዚ ኽልቲኡ ንሓድሕዱ ይጻረር እዩ።+ |
|
18 ብተወሳኺ፡ ብመንፈስ ትምርሑ እንተ ኣሊኹም፡ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ኣይኰንኩምን። |
|
19 እቲ ግብሪ ስጋ ግሁድ እዩ፣ ንሱ ኸኣ፡ ምንዝርና፡*+ ርኽሰት፡ ንውርምና፡*+ |
|
20 ኣምልኾ ጣኦት፡ መናፍስትነት፡*+ ጽልኢ፡ ባእሲ፡ ቅንኢ፡ ቍጥዓ፡ ግርጭት፡ ፍልልይ፡ ኑፋቐ፡ |
|
21 ምንቀኝነት፡ ስኽራን፡+ ፈንጠዝያ፡* ከምዚ ዝኣመሰለ ኻልእ እውን እዩ።+ ከምቲ ቐደም ዘጠንቀቕኩኹም፡ እቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ዚገብሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ፡ ኣቐዲመ አጠንቅቐኩም ኣለኹ።+ |
|
22 እቲ ፍረ መንፈስ ግና፡ ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ሰላም፡ ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡*+ እምነት፡ |
|
23 ልእመት፡ ርእሰ ግትኣት እዩ።+ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዚጻረሮ ሕጊ የልቦን። |
|
24 እቶም ናይ ክርስቶስ የሱስ ዘበሉ ድማ፡ ነቲ ስጋ ምስ ፍትወቱን ትምኒቱን ሰቒሎምዎ እዮም።+ |
|
25 ብመንፈስ ንነብር እንተ ኣሊና፡ ብመንፈስ ብስርዓት ንመላለስ።+ |
|
26 ንሓድሕድና ብምትህልላኽን+ ብምቅንናእን፡ ርእሰ ውዳሰ+ ኣይንድለ። |
|
3 ስለዚ፡ ኣነ ጳውሎስ፡ ምእንታኹም ኣህዛብ እሱር+ ክርስቶስ የሱስ ዝዀንኩ፡— |
|
2 ብዛዕባ እቲ ስሌኹም እተዋህበኒ ጸጋ ኣምላኽ ናይ ምምሕዳር ሓላፍነትሲ+ ሰሚዕኩም ኣለኹም፣ |
|
3 ማለት ከምቲ ኣቐዲመ ኣሕጺረ ዝጸሓፍክዎ፡ ነቲ ቕዱስ ምስጢር ብራእይ ኣፍሊጡኒ እዩ። |
|
4 ስለዚ፡ ነዚኣ ምስ ኣንበብኩምዋ፡ ነቲ ብዛዕባ ቕዱስ ምስጢር+ ክርስቶስ ዘሎኒ ግንዛበ ኸተስተውዕልዎ ትኽእሉ ኢኹም። |
|
5 እዚ ምስጢር እዚ ንቕዱሳት ሃዋርያትን ንነብያትን ብመንፈስ እተገልጸሎም ሕጂ ስለ ዝዀነ፡+ ብኻልኦት ወለዶታት ደቂ ሰብ ኣይተፈልጠን፣ |
|
6 ማለት ኣህዛብ ምስ ክርስቶስ የሱስ ብዚህልዎም ሓድነትን በቲ ብስራትን፡ መዋርስትን ኣካል ሓደ ሰብነትን+ መኻፍልቲ እቲ ተስፋን ኪዀኑ ኣለዎም። |
|
7 ኣነ ኸኣ ከምቲ ብግብሪ ሓይሉ እተዋህበኒ ናጻ ውህበት ጸጋ ኣምላኽ፡ ኣገልጋሊ እዚ ዀይነ እየ።+ |
|
8 ንዓይ ካብ ኵሎም ቅዱሳት ንዝነኣስኩ፡+ እዚ ጸጋ እዚ ተዋሂቡኒ እዩ፣+ እዚ እተዋህበኒ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ዘይምርመር ሃብቲ ክርስቶስ ንኣህዛብ ምእንቲ ኸበስር፡ |
|
9 እቲ ኣብቲ ዅሉ ዝፈጠረ ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ተሰዊሩ ዝነበረ ምምሕዳር ቅዱስ ምስጢር+ ድማ ንዅሎም ምእንቲ ኸርእዮም እዩ። |
|
10 እዚ ኸኣ ሕጂ እታ ብዙሕ ዝዓይነታ ጥበብ ኣምላኽ በታ ጉባኤ ኣቢላ+ ኣብቶም ኣብ ሰማያት ዘለዉ መንግስትታትን ስልጣናትን ምእንቲ ኽትፍለጥ እዩ።+ |
|
11 እዚ እውን ከምቲ ምስ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ብዘሎና ሓድነት ዝገበሮ ናይ ዘለኣለም ዕላማ እዩ፣+ |
|
12 ብእኡን በቲ ኣብኡ ዘሎና እምነትን፡ እዚ ንምዝራብ ዜኽእል ትብዓትን ዜተኣማምን ናጻ መእተውን+ ኣሎና። |
|
13 ስለዚ፡ እዚ ንዓኻትኩም ክብሪ እዩ እሞ፡ ስለቲ ምእንታኹም ዝበጽሓኒ ጸበባ ኸይትሕለሉ እልምነኩም ኣለኹ።+ |
|
14 ስለዚ፡ ንኣቦ ብብርከይ እምብርከኽ ኣለኹ፣ |
|
15 ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘሎ ዅሉ ዓሌት፡ ካብኡ እዩ ዚስመ። |
|
16 ኣብቲ ናይ ውሽጢ ሰብ በቲ ብመንፈሱ ዚውሃብ ሓይሊ ምእንቲ ኽትብርትዑ፡+ ከም ሃብቲ ኽብሩ ምእንቲ ኺህበኩም፡ |
|
17 ብእምነትኩም ክርስቶስ ኣብ ልብኹም ብፍቕሪ ምእንቲ ኺሓድር እጽሊ ኣለኹ።+ ኣብቲ መሰረት ሱር ስደዱን+ ተሰረቱን፣+ |
|
18 በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ምስ ኵሎም ቅዱሳት ግፍሑን ንውሓቱን ቍመቱን ዕምቈቱን እንታይ ምዃኑ ምሉእ ብምሉእ ምስትውዓል ክትክእሉ፡ |
|
19 ነታ ንፍልጠት ሓለፍ እትብላ ፍቕሪ ክርስቶስ ድማ ክትፈልጥዋ ኢኹም፣+ ስለዚ ኸኣ፡ ብዅሉ እቲ ኣምላኽ ዚህበና ምልኣት ክትመልኡ ኢኹም። |
|
20 ነቲ ኸምቲ ኣባና ዚዓዪ ዘሎ ሓይሉ ገይሩ፡+ ካብቲ እንልምኖን እንሓስቦን ዘበለ እምብዛ ኣዕዚዙ ኺገብር ዚኽእል ድማ፡+ |
|
21 ንዕኡ በታ ጉባኤን ብክርስቶስ የሱስን ንዅሉ ውሉድ ወለዶ ንዘለኣለመ ኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን። |
|
1 ካብቲ ብፍቓድ ኣምላኽ ሃዋርያ ክርስቶስ የሱስ ዝዀነ ጳውሎስ፡ ናብቶም ኣብ ኤፌሶን ዘለዉ ቕዱሳትን+ ምስ ክርስቶስ የሱስ ብዘለዎም ሓድነት እሙናትን፦ |
|
3 እቲ ብመንፈሳዊ በረኸት ዘበለ ኣብ ሰማያት ምስ ክርስቶስ ብዘሎና ሓድነት+ ዝባረኸና ኣምላኽን ኣቦን ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ይወደስ፣ |
|
4 ምኽንያቱ፡ ብፍቕሪ ኣብ ቅድሚኡ ቕዱሳትን ብዘይ ኣበርን+ ምእንቲ ኽንከውን፡ ቅድሚ ምስራት ዓለም ምስኡ* ሓድነት ኪህልወና ሓርዩና እዩ። |
|
5 ከመይሲ፡ ከም ፍታዉን ከም ፍቓዱን+ ብየሱስ ክርስቶስ ውሉድነት ረኺብና ኸም ውሉዳቱ ኽንከውን+ ኣቐዲሙ መዲቡና እዩ፣+ |
|
6 እዚ ኸኣ ንውዳሰ እቲ በቲ ፍቑር ወዱ+ ብለውሃት ዝሃበና ኽቡር ጸጋኡ እዩ።+ |
|
7 ብእኡ፡ ብደሙ በጃ ተኸፊሉልና፡+ ማለት ከም ሃብቲ ጸጋኡ ኣበሳና ተሓዲጉልና ኣሎ።+ |
|
8 ነዚ ጸጋ እዚ ብዅሉ ጥበብን ኣእምሮን ኣባና ኣዕዚዝዎ እዩ፣ |
|
9 ማለት ቅዱስ ምስጢር ፍቓዱ ኣፍሊጡና እዩ።+ ከምቲ ብፍታዉ ንሱ ባዕሉ ዝዓለሞ፡ |
|
10 እቲ ምዱብ ግዜያት ምስ ኣኸለ ንምምሕዳር፡* ማለት ኣብ ሰማያት ዘሎን ኣብ ምድሪ ዘሎን ኵሉ ኣብ ክርስቶስ ምእንቲ ኺጥቕልል እዩ።+ እወ፡ ብእኡ፡ |
|
11 እቶም ከም ዕላማ እቲ ንዅሉ ኸም ፍቓዱ ዚውስኖ ኣቐዲምና ስለ እተመደብና፡+ ምስኡ ብዘሎና ሓድነት ከም ወረስቲ እተመደብና፡ |
|
12 ብቐዳምነት እውን ብክርስቶስ ተስፋ ዝገበርና፡ ንውዳሰ ኽብሩ ምእንቲ ኸነገልግል እዩ። |
|
13 ንስኻትኩም እውን ቃል ሓቂ፡ ማለት ብስራት ድሕነትኩም፡ ምስ ሰማዕኩም፡ ብእኡ ተስፋ ጌርኩም ኢኹም። ምስ ኣመንኩም ከኣ፡ በቲ እተተስፈወ መንፈስ ቅዱስ ተሓቲምኩም ኢኹም፣+ |
|
14 እዚ ኸኣ ጥሪት ኣምላኽ በጃ+ ምእንቲ ኪኽፈለሉ፡+ ንውዳሰ ኽብሩ ዚኸውን ዕርቡን ርስትና እዩ።+ |
|
15 በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣነ ድማ ብዛዕባ እታ ብጐይታና የሱስ ዘላትኩም፡ ንዅሎም ቅዱሳት እውን ዘርኣኹምዋ እምነት ምስ ሰማዕኩ፡ |
|
16 ብዛዕባኹም ካብ ምምስጋን ኣየቋረጽኩን። ኣብ ጸሎተይ እውን እጠቕሰኩም እየ፣ |
|
17 እቲ ኣቦ ኽብሪ ዝዀነ ኣምላኽ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ በቲ ልክዕ ፍልጠቱ መንፈስ ጥበብን ግልጸትን ምእንቲ ኺህበኩም እየ ኸምኡ ዝገብር።+ |
|
18 ኣዒንቲ ልብኹም ዝበርሀ፡ እቲ እተጸዋዕኩምሉ ተስፋ እንታይ ከም ዝዀነ፡ ነቶም ቅዱሳት እንታይ ክቡር ሃብቲ ኸም ርስቲ ኸም ዚህቦም ምእንቲ ኽትፈልጡ፡+ |
|
19 ዕቤት ሓይሉ ንዓና ንኣመንቲ ኽሳዕ ክንደይ ሓለፍ ዝበለ ምዃኑ እውን ምእንቲ ኽትግንዘቡ እዩ።+ እዚ ኸኣ በቲ ብርቱዕ ሓይሉ ገይሩ |
|
20 ንክርስቶስ ካብ ምዉታት ኣተንሲኡ፡ ኣብ ሰማያት ኣብ የማኑ ምስ ኣቐመጦ፡+ ተራእዩ እዩ፣ |
|
21 ኣብ ርእሲ እዚ፡ ኣብዚ ስርዓት* እዚ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ዚመጽእ እውን፡ ኣብ ልዕሊ ዅሉ መንግስትን ስልጣንን ሓይልን ጕይትነትን ዚስመ ዘበለ ስምን ልዕል ኣቢልዎ እዩ።+ |
|
22 ንዅሉ ኸኣ ኣብ ትሕቲ እግሩ ኣግዚእዎ እዩ፣+ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እቲ ንጉባኤ ዚምልከት ድማ ርእሲ ገይርዎ እዩ፣+ |
|
23 ንሳ ኸኣ ሰብነቱ፡+ ናይቲ ንዅሉ ኣብ ኵሉ ዚመልእ እውን ምልኣቱ እያ። |
|
2 ኣምላኽ ድማ፡ ንዓኻትኩም ብኣበሳኹምን ብሓጢኣትኩምን ምዉታት ንዝነበርኩም ህያዋን ገይሩኩም እዩ፣+ |
|
2 ንስኻትኩም ሓደ እዋን ከም ስርዓት* እዛ ዓለም እዚኣ፡+ ከምቲ ሓለቓ ስልጣን ኣየር፡+ ማለት ኣብቶም ደቂ ዘይተኣዛዝነት ዚዓዪ ዘሎ መንፈስ፡+ ትመላለሱ ኔርኩም። |
|
3 ንሕና ዅላትና ኸኣ ሓደ እዋን፡ ናይ ስጋን ናይ ሓሳባትናን ፍቓድ እናፈጸምና፡+ ምስ ትምኒት ስጋና ተሰማሚዕና ኣብ መንጎኦም ንነብር ኔርና፣+ ከምቶም ካልኦት እውን ብባህርይና ደቂ ቝጥዓ ኢና ኔርና።+ |
|
4 እቲ ብምሕረት ሃብታም ዝዀነ ኣምላኽ+ ግና ሳላ እታ ብእኣ ዘፍቀረና ዓባይ ፍቕሩ፡+ |
|
5 ብኣበሳና ምዉታት እኳ እንተ ነበርና፡ ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገይሩና እዩ፡+—ብጸጋ ኢኹም ዝደሓንኩም። |
|
6 ምስ ክርስቶስ የሱስ ብዘሎና ሓድነት ድማ፡+ ኣተንሲኡናን ኣብ ሰማያት ኣቐሚጡናን እዩ፣ |
|
7 ኣብቲ ዚመጽእ ስርዓታት፡* እቲ ሓለፍ ዝበለ ሃብቲ ጸጋኡ ነቶም ምስ ክርስቶስ የሱስ ሓድነት ዘሎና ብሕያውነቱ* ምእንቲ ኼርኢ ኸኣ እዩ ኸምኡ ዝገበረ። |
|
8 በዚ ጸጋ እዚ ድማ፡ ብእምነት ድሒንኩም ኣለኹም፣+ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካባኻትኩም ኣይኰነን። |
|
9 ሓደ እኳ መመክሒ ምእንቲ ኸይረክብሲ፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን።+ |
|
10 ንሕና ስርሓት ኢድ ኣምላኽ ኢና፣* ነቲ ኣምላኽ ክንመላለሰሉ ኢሉ ኣቐዲሙ ዘዳለዎ ሰናይ ግብሪ ኽንከውን ከኣ ኢና ምስ ክርስቶስ የሱስ ብዘሎና ሓድነት+ ተፈጢርና።+ |
|
11 ስለዚ፡ ኣቱም ብስጋ ኣህዛብ፡ በቶም ብኢድ ኣብ ስጋ ብዚገብርዎ ነገር “ግዙራት” ዚብሃሉ፡ ሓደ እዋን “ዘይግዙራት” ከም እተብሃልኩም ዘክሩ፣ |
|
12 በቲ ግዜ እቲ፡ ብዘይ ክርስቶስ፡ ካብ ህዝቢ እስራኤል ዝረሓቕኩም፡ ንኺዳናት ተስፋ እውን ኣጋይሽ ኢኹም ኔርኩም፣+ ተስፋ ኣይነበረኩምን፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኸኣ ብዘይ ኣምላኽ ኢኹም ኔርኩም።+ |
|
13 ሕጂ ግና፡ ኣቱም ሓደ እዋን ርሑቓት ዝነበርኩም፡ ምስ ክርስቶስ የሱስ ብዘሎኩም ሓድነት፡ ብደም ክርስቶስ ቀሪብኩም ኣለኹም። |
|
14 ከመይሲ፡ ንሱ ነቶም ክልተ ጕጅለ ሓደ ዝገበረ፡+ ነቲ ኣብ መንጎ ዝነበረ ኸልካሊ መንደቕ ዘፍረሰ፡+ ሰላምና እዩ።+ |
|
15 ነቶም ክልተ ጕጅለ ምስኡ ብዘለዎም ሓድነት ሓደ ሓድሽ ሰብ ምእንቲ ኺገብርን+ ሰላም ምእንቲ ኺገብርን፡ ብስጋኡ ነቲ ጽልኢ፡ ማለት ነቲ ትእዛዛትን ስርዓታትን ዝሓዘ ሕጊ ስዒርዎ እዩ፣ |
|
16 ከምኡ ዝገበረ ኸኣ፡ ብርእሱ ነቲ ጽልኢ ስለ ዝቐተለ፡+ ንኽልቲኦም ኣብ ሓደ ሰብነት ገይሩ ምስ ኣምላኽ ብጕንዲ ስቅያት* ምእንቲ ኼተዓርቖም እዩ።+ |
|
17 መጺኡ ኸኣ ንዓኻትኩም ርሑቓት ንዝነበርኩም፡ ሰላም ኣበሲሩኩም እዩ፣ ነቶም ቀረባ ዝነበሩ እውን ሰላም ኣበሲርዎም እዩ፣ |
|
18 ምኽንያቱ፡ ክልቴና ብእኡ ብሓደ መንፈስ ናብ ኣቦ ናጻ መእተዊ ኣሎና። |
|
19 እምበኣርሲ፡ ደጊም ንስኻትኩም ንቕዱሳት ደቂ ዓዶምን+ ኣባላት ቤተ ሰብ ኣምላኽን ኢኹም እምበር፡+ ኣጋይሽን ጓኖትን ኣይኰንኩምን፣+ |
|
20 ክርስቶስ የሱስ ባዕሉ እምኒ መኣዝን መሰረት ኪኸውን ከሎ፡+ ንስኻትኩም ከኣ ኣብ መሰረት ሃዋርያትን ነብያትን ተነዲቕኩም ኣለኹም።+ |
|
21 ምስኡ ብሓደ ድማ ብዘሎ እቲ ህንጻ እናተገጣጠመ+ ንየሆዋ* ዚኸውን ቤተ መቕደስ ንምዃን ይዓቢ ኣሎ።+ |
|
22 ንስኻትኩም እውን ምስኡ ብዘሎኩም ሓድነት፡ ብመንፈስ ማሕደር ኣምላኽ ክትኰኑ ሓቢርኩም ትህነጹ ኣለኹም።+ |
|
4 እምበኣር፡ ኣነ ብጐይታ እሱር+ ዝዀንኩ፡ ነቲ እተጸዋዕኩምሉ ጽውዓ ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱ+ እልምነኩም ኣለኹ፣ |
|
2 ብዅሉ ትሕትናን+ ብልእመትን ብዓቕልን+ ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ እናተዓጋገስኩምን፡+ |
|
3 ንሓድነት መንፈስ ብማእሰር ሰላም ክትሕልውዎ ተጋደሉ።+ |
|
4 ከምቲ ብሓንቲ ተስፋ+ ጽውዓኹም እተጸዋዕኩም፡ ሓደ ሰብነትን+ ሓደ መንፈስን ኣሎ፣+ |
|
5 ሓደ ጐይታ፡+ ሓንቲ እምነት፡ ሓንቲ ጥምቀት፡ |
|
6 ኣብ ልዕሊ ዅሉን ብዅሉን ኣብ ኵሉን ዘሎ ሓደ ኣምላኽን ኣቦ ዅሉን ኣሎ። |
|
7 ከምቲ ክርስቶስ ዝሰፈረልና ናጻ ውህበት ከኣ፡+ ንነፍሲ ወከፍና ጸጋ ተዋሂቡና እዩ። |
|
8 ከመይሲ፡ “ናብ ላዕሊ ምስ ደየበ፡ ምርኮ ማሪኹ፣ ውህበት ሰባት ሂቡ” ይብል እዩ።+ |
|
9 እቲ “ደየበ” ዚብልሲ፡ ናብቲ ታሕተዋይ ክፍሊ፡ ማለት ናብ ምድሪ ኸም ዝወረደ እውን እንተ ዘይኰይኑስ፡ እንታይ ማለት እዩ፧ |
|
10 እቲ ዝወረደ፡ ንዅሉ ምእንቲ ኺመልእ፡ ልዕሊ ዅሉ ሰማያት+ ዝደየበ እውን ንሱ እዩ።+ |
|
11 ገሊኦም ሃዋርያት፡+ ገሊኦም ነብያት፡+ ገሊኦም ወንጌላውያን፡*+ ገሊኦም ጓሶትን መምህራንን+ ኪዀኑ ድማ ሂቡ እዩ። |
|
12 እዚ ኸኣ እቶም ቅዱሳት ንግብሪ ኣገልግሎት፡ ንምህናጽ ሰብነት ክርስቶስ ምእንቲ ኪቐንዑ* እዩ፣+ |
|
13 እዚ እውን ኵላትና ናብ ሓድነት እምነትን ናብ ልክዕ ፍልጠት ወዲ ኣምላኽን፡ ናብ እኹል* ሰብኣይ፡+ ናብ ልክዕ ምልኣት ብጽሕና ክርስቶስ ክሳዕ እንበጽሕ እዩ። |
|
14 ደጊም ብጥበራ ሰብን ንምፍሓስ ስሕተት ብዚኸውን ጕርሕን ብዅሉ ንፋስ ትምህርቲ+ ኸም ብማዕበል እንድፋእን ንየው ነጀው እንኽብከብን ቈልዑ ኣይንኹን። |
|
15 ሓቂ እናተዛረብና ግና፡ ብዅሉ ናብቲ ርእሲ ዝዀነ ክርስቶስ ብፍቕሪ ንዕበ።+ |
|
16 ካብኡ ድማ ኵሉ እቲ ሰብነት+ ብደገፍ መላግቦ ዘበለ ይገጣጠምን ይዋደድን እዩ። ኵሉ ኣካል ብግቡእ ምስ ዚዓዪ፡ ንርእሱ ብፍቕሪ ስለ ዚሃንጽ፡ እዚ ንዕቤት እቲ ሰብነት ኣበርክቶ ይገብር እዩ።+ |
|
17 እምበኣር፡ ከምቲ ኣህዛብ በቲ ኸንቱ ሓሳቦም ዚመላለሱ+ ምእንቲ ኸይትመላለሱ፡+ እዚ እብልን ብጐይታ እምስክርን ኣለኹ። |
|
18 ንሳቶም፡ ብሰሪ ድንቍርናኦምን ብሰሪ ትሪ ልቦምን፡ ኣእምሮኦም ጸልሚቱ፡ ካብቲ ኻብ ኣምላኽ ዝዀነ ህይወት ከኣ ርሒቖም እዮም። |
|
19 ሕልናኦም ደንዚዙ፡ ብስስዐ ርኽሰት ዘበለ ንምግባር ድማ ንንውርምና*+ ርእሶም ኣሕሊፎም ሂቦም እዮም። |
|
20 ንስኻትኩም ግና ንክርስቶስ ከምዚ ጌርኩም ኣይተመሃርኩምዎን፣ |
|
21 እወ፡ ከምታ ኣብ የሱስ ዘላ ሓቂ ጌርኩም፡ ብርግጽ ሰሚዕኩምዎን ብእኡ ተማሂርኩምን እንተ ትዀኑ ኔርኩምሲ፡ ከምኡ ኣይተመሃርኩምዎን። |
|
22 እምበኣር፡ ነቲ ኸምቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ኣነባብራኹም ዝዀነ ብዜታልል ትምኒቱ ዚበላሾ+ ኣረጊት ስብእና+ ኽትቅንጥጡ ተማሂርኩም ኢኹም። |
|
23 ብኣተሓሳስባኹም* ከኣ ብቐጻሊ ተሓደሱ፣+ |
|
24 ብናይ ሓቂ ጽድቅን ተኣማንነትን ከም ፍቓድ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ስብእና ድማ ልበሱ።+ |
|
25 ስለዚ፡ ምትላል ካብ ኣርሓቕኩም፡ ኣካላት ሓድሕድ ስለ ዝዀንና፡+ ነፍሲ ወከፍ ምስ ብጻዩ ሓቂ ተዛረቡ።+ |
|
26 ተቘጥዑ፡ ግናኸ ኣይትሕጥኡ፣+ ተቘጢዕኩም ከለኹም፡ ጸሓይ ኣይትዕረብኩም፣+ |
|
27 ንድያብሎስ እውን ኣጋጣሚ* ኣይትሃብዎ።+ |
|
28 እቲ ዚሰርቕ፡ ነቲ ስኡን ዜማቕሎ ምእንቲ ኺህልዎስ፡+ ሰናይ እናገበረ ደኣ ብኣእዳዉ ይጽዓር እምበር፡+ ደጊምሲ ኣይስረቕ። |
|
29 ንሰማዕቱ ምእንቲ ኺጠቅምሲ፡ ንምህናጽ ዜድሊ ዘበለ ጽቡቕ ቃል እምበር፡+ ሕማቕ ቃልሲ ኻብ ኣፍኩም ኣይውጻእ።+ |
|
30 ነቲ ንእትብጀዉላ+ መዓልቲ እተሓተምኩምሉ+ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣይተጕህይዎ።+ |
|
31 ኵሉ ምረትን+ ቍጥዓን ነድርን ታዕታዕን ጸርፍን+ ኵሉ ኽፍኣትን+ ካባኻትኩም ይርሓቕ። |
|
32 ግናኸ፡ ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ብናጻ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ብናጻ ይቕረ እናተባሃሃልኩም፡+ ንሓድሕድኩም ለዋሃትን ርሕሩሓትን ኩኑ።+ |
|
6 ኣቱም ውሉዳት፡ እዚ ቕኑዕ እዩ እሞ፡ ንወለድኹም ከም ፍቓድ ጐይታ ተኣዘዝዎም።+ |
|
2 ኣብታ፡ “ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር”+ እትብል ተስፋ ዘለዋ ቐዳመይቲ ትእዛዝሲ፡ |
|
3 “ጽቡቕ ምእንቲ ኪዀነልካ፡ ኣብ ምድሪ እውን ዕድሜኻ ምእንቲ ኺነውሕ” ይብል እዩ። |
|
4 ኣቱም ኣቦታት ድማ፡ ንውሉዳትኩም ብተግሳጽን+ ብምዕዶን የሆዋ*+ ደኣ ኣዕብይዎም እምበር፡ ኣይተሕርቕዎም።+ |
|
5 ኣቱም ባሮት፡ ነቶም ሰብኣውያን* ጐይተትኩም፡ ብፍርሃትን ብምንቅጥቃጥን ከም ንክርስቶስ ጌርኩም ብግርህነት ልብኹም ተኣዘዝዎም፣+ |
|
6 ከም ባሮት ክርስቶስ ኴንኩም ፍቓድ ኣምላኽ ብምሉእ ነፍስኹም* እናገበርኩም እምበር፡+ ንሰብ ባህ ከም እተብሉ ዄንኩም ንገጽ ርአ ኣይትግበርዎ።+ |
|
7 ንሰብ ዘይኰነስ፡ ከም ንየሆዋ*+ ጌርኩም ብፍታው ተገዝኡ፣ |
|
8 ባርያ ዀነ ወይስ ጭዋ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰናይ ዘበለ ዚገብርሲ፡ ካብ የሆዋ* ውሬታ ኸም ዚቕበል ትፈልጡ ኢኹም።+ |
|
9 ኣቱም ጐይተት እውን፡ ጐይታኦምን ጐይታኹምን ኣብ ሰማያት ከም ዘሎ፡+ ኣብኡ ድማ ኣድልዎ ኸም ዘየልቦ ትፈልጡ ኢኹም እሞ፡ ምፍርራህ ሓዲግኩም፡ ከምኡ ግበሩሎም። |
|
10 ብዝተረፈስ፡ ብጐይታን ብብርታዐ ሓይሉን በርትዑ።+ |
|
11 ንፍሕሶ* ድያብሎስ ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉ፡ ካብ ኣምላኽ ምሉእ ኣጽዋር ልበሱ፣+ |
|
12 ምኽንያቱ፡ ቅልስና+ ምስ መንግስትታትን ምስ ስልጣናትን ምስ ናይዚ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ኣብ ሰማያት ምስ ዘለዉ እኩያት መናፍስትን+ እዩ እምበር፡ ምስ ደምን ስጋን ኣይኰነን። |
|
13 ስለዚ፡ በታ ኽፍእቲ መዓልቲ ምቅዋም ምእንቲ ኽትክእሉ፡ ኵሉ ምስ ኣስለጥኩም እውን ጸኒዕኩም ምእንቲ ኽትቈሙስ፡ ካብ ኣምላኽ ምሉእ ኣጽዋር ኣልዕሉ።+ |
|
14 እምበኣር፡ ሕቘኹም ብዕጣቕ ሓቂ ተዓጢቕኩም፡+ ድርዒ ጽድቂ እውን ተኸዲንኩም+ ጸኒዕኩም ቁሙ፣ |
|
15 ኣብ ኣእጋርኩም ከኣ ነቲ ብስራት ሰላም ንምብሳር ዘሎኩም ድሉውነት ከም ኣሳእን ውደዩ።+ |
|
16 ኣብ ርእሲ እዚ ዅሉ፡ ነቲ ሃልሃል ዚብል ፍላጻታት* እቲ እኩይ ከተጥፍኡሉ+ እትኽእሉ ዓብዪ ዋልታ እምነት ኣልዕሉ።+ |
|
17 ናይ ድሕነት ቍራዕ ርእሲ ድማ ኣእትዉ፣+ ናይ መንፈስ ሰይፊ፡ ማለት ቃል ኣምላኽ፡ እውን ሓዙ፣+ |
|
18 ብዅሉ ጸሎትን+ ምህለላን ከኣ ኵሉ ሳዕ ብመንፈስ ጸልዩ።+ ነዚ ንምግባር ከኣ፡ ምእንቲ ዅሎም ቅዱሳት እናተማህለልኩም፡ ወትሩ ንቕሑ። |
|
19 ኣነ ኣፈይ ምስ ከፈትኩ፡ ነቲ ቕዱስ ምስጢር እቲ ብስራት ከፍልጥ ከለኹ ብትብዓት ክዛረብ ቃል ምእንቲ ኺውሃበኒ፡ ምእንታይ እውን ጸልዩ።+ |
|
20 ምእንቲ እዚ ኸኣ ብሰንሰለት እተኣሰርኩ ኣምባሳደር+ ኰይነ እዓዪ ኣለኹ እሞ፡ ብዛዕባኡ ኸምቲ ኽዛረቦ ዚግብኣኒ ዀይነ ኽተብዕሲ ጸልዩለይ። |
|
21 ሃለዋተይን እንታይ እገብር ከም ዘለኹን ምእንቲ ኽትፈልጡ ኸኣ፡ ትኪቆስ+ እቲ ፍቑር ሓውን ብጐይታ እሙን ኣገልጋልን፡ ኵሉ ኼፍልጠኩም እዩ።+ |
|
22 ብዛዕባና ምእንቲ ኽትፈልጡን ንልብኹም ምእንቲ ኼጸናንዖን እየ ናባኻትኩም ዝሰድዶ ዘለኹ። |
|
23 ሰላምን ፍቕርን ምስ እምነት ካብ ኣቦና ኣምላኽን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ንኣሕዋት ይኹን። |
|
24 ምስ ኵሎም እቶም ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ብዘይሓልፍ ዜፍቅርዎ ጸጋ ይኹን። |
|
5 እምበኣር፡ ከም ፍቑራት ውሉዳት፡ ንኣምላኽ ምሰልዎ፣+ |
|
2 ከምቲ ክርስቶስ እውን ዘፍቀረና፡*+ ርእሱ ኸኣ ንኣምላኽ ከም ምዑዝ ዝሽታኡ መባእን መስዋእትን ገይሩ ምእንታና* ዘሕለፈ፡+ ብፍቕሪ ተመላለሱ።+ |
|
3 ምንዝርናን* ኵሉ ርኽሰትን ወይስ ስስዐ ንቕዱሳት ዚግባእ ስለ ዘይኰነ፡+ ኣባኻትኩም ከቶ ኣይሰማዕ፣+ |
|
4 ምስጋና እምበር፡+ ዜሕፍር ተግባር ኰነ፡ ዘረባ ዕሽነት ኰነ፡ ወይስ ጽዩፍ ዋዛ፡ ማለት ዘይግባእ ነገራት ኣባኻትኩም ኣይሰማዕ።+ |
|
5 ከመይሲ፡ ኣመንዝራ* ዘበለ፡+ ወይ ርኹስ፡ ወይ ስሱዕ፡+ ንሱ ድማ ኣምላኺ ጣኦት፡ ኣብ መንግስቲ ክርስቶስን ኣምላኽን ርስቲ ኸም ዘይብሉ ትፈልጡን ተስተውዕሉን ኢኹም።+ |
|
6 ብሰሪ እዚ ኣብቶም ደቂ ዘይተኣዛዝነት ቍጥዓ ኣምላኽ ይወርድ እዩ እሞ፡ ሓደ እኳ ብኸንቱ ቓላት ኣየታልልኩም። |
|
7 እምበኣር፡ መኻፍልቶም ኣይትኹኑ፣ |
|
8 ከመይሲ፡ ሓደ እዋን ጸልማት ኔርኩም ኢኹም፡ ሕጂ ግና ምስ ጐይታ ብዘሎኩም ሓድነት+ ብርሃን ኢኹም።+ ከም ደቂ ብርሃን ኴንኩም ተመላለሱ፣ |
|
9 ፍረ ብርሃንሲ፡ ኵሉ ሰናይን* ጽድቅን ሓቅን እዩ።+ |
|
10 ብጐይታ ተቐባልነት ዘለዎ እንታይ ምዃኑ ብቐጻሊ መርምሩ፣+ |
|
11 እንታይነቶም ኣቃልዕዎም ደኣ እምበር፡ ደጊም ኣብቲ ፍረ ዘይብሉ ግብሪ ጸልማትሲ ኣይትካፈሉ።+ |
|
12 እቲ ብሕቡእ ዚገብርዎ ነገርሲ ንምዝራቡ እኳ ዜሕፍር እዩ። |
|
13 እቲ ዚግሃድ ዘበለ ብርሃን እዩ እሞ፡ ኵሉ እቲ ዚቕላዕ* በቲ ብርሃን ይግሃድ እዩ። |
|
14 ስለዚ እዩ፡ “ኣታ ደቃሲ፡ ንቓሕ እሞ ኻብ ምዉታት ተንስእ፡+ ክርስቶስ ከኣ ኬብርሃልካ እዩ”+ ዚብሃል። |
|
15 እምበኣር፡ ከም ዓያሹ ዘይኰነስ፡ ከም ለባማት* ከመይ ከም እትመላለሱ ኣጸቢቕኩም ተጠንቀቑ፣ |
|
16 ቅንያቱ ኽፉእ ስለ ዝዀነ፡ ንግዜኹም ብዝበለጸ ተጠቐሙሉ።*+ |
|
17 ስለዚ፡ ፍቓድ የሆዋ* እንታይ ምዃኑ ብቐጻሊ ኣስተውዕሉ እምበር፡+ ደጊም ዓያሹ ኣይትኹኑ። |
|
18 ብዘይካዚ፡ ብመንፈስ ተመልኡ እምበር፡ ናብ ዝርጋን* ስለ ዜብጽሕ፡ ብወይኒ ኣይትስከሩ።+ |
|
19 ብልብኹም ንየሆዋ*+ እናዘመርኩምሉን+ እናኣዜምኩምሉን፡+ ብመዝሙርን ብውዳሰ ኣምላኽን ብመንፈሳዊ ዜማን ንሓድሕድኩም ተዛራረቡ።* |
|
20 ኵሉ ሳዕ ድማ ንኣምላኽናን ኣቦናን ስለ ዅሉ ነገር ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣመስግንዎ።+ |
|
21 ንሓድሕድኩም ብፍርሃት ክርስቶስ ተገዛዝኡ።+ |
|
22 ኣንስቲ ንሰብኡተን ከም ንጐይታ ገይረን ይገዝኣኦም፣+ |
|
23 ስለምንታይሲ፡ ከምቲ ክርስቶስ ርእሲ ጉባኤኡ ዝዀነ፡+ ነዚ ሰብነቱ እዚ እውን ዘድሓኖ፡ ሰብኣይ ርእሲ ሰበይቱ እዩ።+ |
|
24 ከምቲ እታ ጉባኤ ንክርስቶስ እትግዝኦ፡ ከምኡ ድማ ኣንስቲ ንሰብኡተን ብዅሉ ይገዝኣኦም። |
|
25 ኣቱም ሰብኡት፡ ከምቲ ክርስቶስ ነታ ጉባኤ ዘፍቀራን ርእሱ ምእንታኣ ኣሕሊፉ ዝሃበን፡+ ኣንስትኹም ኣፍቅሩ፣+ |
|
26 ንሱ በቲ ቓል ገይሩ ብማይ ብምሕጻብ ኣጽርዩ ምእንቲ ኪቕድሳ፡+ |
|
27 ርስሓት ወይስ ዕጣር ወይስ ገለ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዘይብላ፡+ ቅድስትን ብዘይ ኣበርን ክብርቲ ጉባኤ ገይሩ ንርእሱ ምእንቲ ኬቕርባ እዩ ኸምኡ ዝገበረ።+ |
|
28 ሰብኡት እውን ከምኡ፡ ንኣንስቶም ከም ሰብነቶም ገይሮም ኬፍቅርወን ይግብኦም እዩ። እቲ ንሰበይቱ ዜፍቅር፡ ንርእሱ የፍቅር፣ |
|
29 ከመይሲ፡ ሰብ ንሰብነቱ* ይምግቦን ይሕብሕቦን እምበር፡ ዚጸልኦስ ሓደ እኳ የልቦን፣ ክርስቶስ እውን ነታ ጉባኤኡ ኸምኡ እዩ ዚገብረላ፣ |
|
30 ምኽንያቱ፡ ኣካላት ሰብነቱ ኢና።+ |
|
31 “ስለዚ፡ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሓድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ፡* ክልቲኦም ድማ ሓደ ስጋ ይዀኑ።”+ |
|
32 እዚ ቕዱስ ምስጢር+ እዚ ዓብዪ እዩ። ኣነ ኸኣ ብዛዕባ ክርስቶስን እታ ጉባኤን እዛረብ ኣለኹ።+ |
|
33 ዝዀነ ዀይኑ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ንሰበይቱ ኸም ርእሱ ገይሩ የፍቅራ፣+ እታ ሰበይቲ እውን ንሰብኣያ ብዙሕ ተኽብሮ።+ |
|
3 ብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተየ፡ ብጐይታ ተሓጐሱ።+ እዚ መሊሰ ምጽሓፈይ ንዓይ ዜሸግረኒ ኣይኰነን፡ ንዓኻትኩም ከኣ ንድሕንነትኩም እዩ። |
|
2 ካብ ኣኽላባት ተጠንቀቑ፡ ካብ ሃሰይቲ ተጠንቀቑ፡ ስጋ ኻብ ዚቘርጹ ተጠንቀቑ።+ |
|
3 ንሕና ብመንፈስ ኣምላኽ እነገልግልን* ብክርስቶስ የሱስ እንምካሕን+ ብስጋ ዘይንተኣማመንን፡ ብናይ ሓቂ ግዝረት እተገዘርና ኢና።+ |
|
4 ብስጋ መተኣማመኒ ዘለዎ እንተሎ፡ ኣነ እውን ኣሎኒ። ብስጋ መተኣማመኒ ዘለዎ ዚመስሎ እንተሎ፡ ኣነ ዝያዳ ኣሎኒ፦ |
|
5 ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ እተገዘርኩ፡+ ካብ ህዝቢ እስራኤል፡ ካብ ነገድ ብንያም፡ እብራዊ ኻብ እብራውያን፡+ ንሕጊ ብዚምልከት ፈሪሳዊ እየ፣+ |
|
6 ንቕንኣት ብዚምልከት ንጉባኤ ዝሰጐጕኩ፡+ ብሕጊ ንዚርከብ ጽድቂ ብዚምልከት መንቅብ ዘይብለይ እየ። |
|
7 እዚ ንዓይ ረብሓ ዝነበረ ግና፡ ስለ ክርስቶስ ኢለ ኸም ክሳራ ቘጺረዮ እየ።*+ |
|
8 ኣብ ልዕሊኡ እውን፡ ስለቲ ብሉጽ ፍልጠት ክርስቶስ የሱስ ጐይታይ ኢለ፡ ኵሉ ኸም ክሳራ ቘጺረዮ እየ። ስሊኡ ዅሉ ኸሲረ እየ፡ ከም ጐሓፍ ድማ ቈጺረዮ እየ፣ እዚ ዝገበርኩ ኸኣ፡ ንክርስቶስ ምእንቲ ኽረብሕ፡ |
|
9 ሳላ እቲ ሕጊ ብምስዓብ ዚህልወኒ ናይ ርእሰይ ጽድቂ ዘይኰነስ፡ ሳላ እቲ ብክርስቶስ ብምእማን ዚርከብ ጽድቂ፡+—ኣብ እምነት እተመስረተ ኻብ ኣምላኽ ዚርከብ ጽድቂ፡+—ምስኡ ሓድነት ዘሎኒ ዀይነ እውን ምእንቲ ኽርከብ እየ። |
|
10 ሸቶይ ንዕኡን ንሓይሊ ትንሳኤኡን ምፍላጥ፡+ ንኸም ናቱ ዝኣመሰለ ሞት ርእሰይ እናኣግዛእኩ+ ድማ ኣብ መከራኡ ምክፋል እዩ፣+ |
|
11 ብገለ እውን ናብቲ ዝቐደመ ትንሳኤ ምዉታት እንተ በጻሕኩ እዩ።+ |
|
12 ነቲ ብክርስቶስ የሱስ እተሓረኹሉ እንተ ረኸብክዎ ኢለ+ እግስግስ ኣለኹ እምበር፡+ ድሮ ኣይረኸብክዎን፡ ወይስ ድሮ ፍጹም ኣይኰንኩን። |
|
13 ኣሕዋተየ፡ ከም ዝረኸብክዎ ገይረ ንርእሰይ ገና ኣይቈጽራን እየ፣ ሓደ ነገር ግና፡ ነቲ ብድሕረይ ዘሎ እናረሳዕኩ፡+ ናብቲ ብቕድመይ ዘሎ ድማ እናተመጣጠርኩ፡+ |
|
14 ናብቲ ሸቶ ኣቢለ፡ ናብቲ ብክርስቶስ የሱስ ዝዀነ ሽልማት+ ናይ ላዕሊ ጽውዓ+ ኣምላኽ እግስግስ ኣለኹ። |
|
15 እምበኣር፡ እቶም ብሱላት ዘበልና፡+ እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ይሃልወና፣ ብገለ ሓሳብኩም ንበይኑ እንተ ዀይኑ ድማ፡ ኣምላኽ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣረኣእያ ኺገልጸልኩም እዩ። |
|
16 ዝዀነ ዀይኑ፡ በቲ በጺሕናዮ ዘለና መጠን፡ ብሓደ መገዲ ብስርዓት ንመላለስ። |
|
17 ኣሕዋተየ፡ ብሓባር ንዓይ ምሰሉ፡+ ናብቶም ንሕና ምስ ዝሓደግናልኩም ኣርኣያ ተሰማሚዖም ዚመላለሱ ጠምቱ። |
|
18 ከመይሲ፡ ብዙሕ ሳዕ ዝጠቕሶም ዝነበርኩ፡ ሕጂ እውን እናበኸኹ ዝጠቕሶም፡ ብዙሓት ጸላእቲ ጕንዲ ስቅያት* ክርስቶስ ኰይኖም ይመላለሱ ኣለዉ። |
|
19 መወዳእታኦም ጥፍኣት እዩ፣ ኣምላኾም ከብዶም እዩ፣ ክብሮም ኣብ ዜሕፍር ተግባሮም እዩ፣ ሓሳቦም ከኣ ናይ ምድሪ እዩ።+ |
|
20 ንሕና ግና ዜጋታት+ ሰማይ ኢና፣+ ካብኣ ድማ መድሓኒ፡ ንሱ ኸኣ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ተሃንጢና ንጽበ ኣለና።+ |
|
21 ንሱ በቲ ንዅሉ ዚገዝኣሉ ዓብዪ ሓይሉ ገይሩ ነዚ እተዋረደ ሰብነትና ለዊጡ፡+ ነቲ ኽቡር ሰብነቱ ኼምስሎ እዩ።+ |
|
1 ካብቶም ባሮት ክርስቶስ የሱስ ዝዀኑ ጳውሎስን ጢሞቴዎስን፡ ናብ ኵሎም እቶም ኣብ ፊልጲ+ ዘለዉ ምስ ክርስቶስ የሱስ ሓድነት ዘለዎም ቅዱሳት፡ ምስ ኵሎም ሓለውትን ኣገልገልቲ ጉባኤን፦+ |
|
3 ክዝክረኩም ከለኹ፡ ኵሉ ሳዕ ንኣምላኸይ አመስግኖ እየ፣ |
|
4 ምእንቲ ዅላትኩም ክምህለል ከለኹ፡ ምህለላይ ብሓጐስ እየ ዘቕርቦ።+ |
|
5 ስለምንታይሲ፡ ካብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኽሳዕ ሕጂ ነቲ ብስራት ኣበርክቶ* ጌርኩም ኢኹም። |
|
6 እቲ ኣባኻትኩም ሰናይ ግብሪ ዝጀመረ፡ ክሳዕ መዓልቲ ክርስቶስ የሱስ+ ከም ዚፍጽሞ እተኣማመን እየ።+ |
|
7 ኣቱም ተኣሲረ ኸለኹ+ ዀነ ነቲ ብስራት ክማጐተሉን ብሕጊ ኽስርቶን ከለኹ+ ኣብቲ ጸጋ መኻፍልተይ ዝዀንኩም፡ ኣብ ልበይ ስለ ዘለኹም፡ ብዛዕባ ዅላትኩም እዚ ምሕሳበይ ቅኑዕ እዩ። |
|
8 ከም ናይ ክርስቶስ የሱስ ብዝዓይነቱ ልባዊ ፍቕሪ ንዅላትኩም ከመይ ገይረ ኸም ዝናፍቐኩም፡ ኣምላኽ ምስክረይ እዩ። |
|
9 ፍቕርኹም ብልክዕ ፍልጠትን+ ብምሉእ ምስትውዓልን+ ገና እናበዝሐ ኪኸይድ፡ እዚ እጽሊ ኣለኹ፣+ |
|
10 እንታ ዘይብልኩምን ክሳዕ መዓልቲ ክርስቶስ ንኻልእ ዘይትዕንቅፉን+ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እቲ ዚሓይሽ ክትምርምሩ፡+ |
|
11 ንኽብርን ውዳሰን ኣምላኽ ከኣ በቲ ብየሱስ ክርስቶስ ዚርከብ ፍረ ጽድቂ ኽትምልኡ እየ እዚ ዝገብር ዘለኹ።+ |
|
12 ኣሕዋተየ፡ እቲ ዝበጽሓኒ ነገር ንምስፋሕ እቲ ብስራት ኰይኑ ኸም ዘሎ፡ ክትፈልጡ እደሊ ኣለኹ፣ |
|
13 ስለዚ፡ እቲ ምእንቲ ክርስቶስ እተኣሰርኩሉ ማእሰርተይ፡+ ኣብ ኵሎም እቶም ዘብዐኛታት ሃጸይን ኣብ ኵሎም ካልኦትን ተፈሊጡ ኣሎ።+ |
|
14 መብዛሕትኦም ብጐይታ ኣሕዋት፡ ብምኽንያት ማእሰርተይ እምንቶ ኣሕዲሮም፡ ከይፈርሁ ቓል ኣምላኽ ንምዝራብ ብዝያዳ ተቢዖም ኣለዉ። |
|
15 ገሊኦም ንክርስቶስ ብቕንእን ብባእስን፡ ገሊኦም ግና ብጽቡቕ ፍቓድ ይሰብክዎ ኣለዉ። |
|
16 እዞም ዳሕሮት ነቲ ብስራት ክማጐተሉ+ ኸም እተመደብኩ ይፈልጡ እዮም እሞ፡ ንክርስቶስ ብፍቕሪ ይሰብክዎ ኣለዉ፣ |
|
17 እቶም ቀዳሞት ግና ኣብቲ ማእሰርተይ ጸበባ ኼምጽኡለይ ይሓስቡ ኣለዉ እሞ፡ ብቕንዕና ዘይኰነስ፡ ብንግርምና ይሰብክዎ ኣለዉ። |
|
18 እዚኸ እንታይ ኣፍርዩ፧ እንተ ብምስሉይነት እንተ ብሓቂ፡ ብዝዀነ ዀይኑ ክርስቶስ ይስበኽ ኣሎ፡ ኣነ ኸኣ በዚ እሕጐስ እየ፡ ክሕጐስ እውን እየ፣ |
|
19 ከመይሲ፡ እዚ ነገር እዚ ብምህለላኹምን+ ብደገፍ መንፈስ የሱስ ክርስቶስን+ ንድሕነተይ ከም ዚኸውን እፈልጥ ኣለኹ። |
|
20 ብገለ እኳ ምእንቲ ኸይሓፍር፡ የግዳስ ከም ኵሉ ሳዕ ሕጂ እውን ብትብዓት ብምዝራብ፡ እንተ ብህይወት ወይስ ብሞት፡+ ክርስቶስ ብሰብነተይ ምእንቲ ኪኸብር፡ ሃረርታይን ተስፋይን እዩ። |
|
21 ንዓይሲ፡ ብህይወት ምንባር ክርስቶስ እዩ፡+ ሙማት ድማ ረብሓ እዩ።+ |
|
22 ብስጋ እንተ ነቢረ ኸኣ፡ እዚ ፍረ ዕዮይ እዩ፣ ግናኸ፡ ኣየናይ ከም ዝሓሪ ኣይመፍለጥኩን። |
|
23 በዘን ክልተ እዚአን እጭነቕ ኣለኹ፣ ናጻ ምዃንን ምስ ክርስቶስ ምዃንን+ ትምኒት ኣሎኒ፣ እዝስ ዝሓሸ እዩ።+ |
|
24 ምእንታኹም ግና፡ ብስጋ ምጽናሐይ ብዝያዳ የድሊ እዩ። |
|
25 በዚ ተኣማሚነ ኸኣ፡ ምእንቲ ዕቤትኩምን ሓጐስ እምነትኩምን፡ ምስ ኵላትኩም ከም ዝጸንሕን ከም ዝቕጽልን እፈልጥ እየ፣ |
|
26 እዚ ድማ፡ ከም ብሓድሽ ምሳኻትኩም ብምህላወይ፡ ብክርስቶስ የሱስ ዘሎኩም ፍስሃ ምእንቲ ኺዓዝዝ እዩ። |
|
27 መጺአ ዝርእየኩም እንተ ዀይነ ወይስ ኣብኡ እንተ ዘየለኹ፡ ስለ እምነት እቲ ብስራት ብሓንቲ ነፍሲ* ብሓባር እናጸዓርኩም፡ ብሓደ መንፈስ ጸኒዕኩም+ ከም ዝቘምኩም ምእንቲ ኽሰምዕ፡ ሓንትስ ነቲ ብስራት ክርስቶስ ከም እትበቕዑ ዄንኩም ንበሩ፣*+ |
|
28 ብተጻረርትኹም ብገለ እኳ ኸም ዘይትፈርሁ እውን፡ ክሰምዕ እደሊ እየ። እዚ ንዓታቶም ንጥፍኣት፡+ ንዓኻትኩም ግና ንድሕነት ዚኸውን መርትዖ እዩ፣+ እዚ እውን ካብ ኣምላኽ እዩ። |
|
29 ምእንቲ ክርስቶስ ሓለፋ እተዋህበስ፡ ንዓኻትኩም እዩ፣ እዚ ድማ ምእንታኡ መከራ ኽትጸግቡ እውን እምበር፡ ብእኡ ኽትኣምኑ ጥራይ ኣይኰነን።+ |
|
30 ከመይሲ፡ ከምቲ ኣባይ ዝረኣኹምዎ፡+ ሕጂ እውን ኣባይ ከም ዘሎ እትሰምዕዎ ዘለኹም ዓይነት ገድሊ ኣሎኩም። |
|
2 እምበኣር፡ ብክርስቶስ ገለ መተባብዒ፡ ወይስ ገለ መጸናንዒ ፍቕሪ፡ ወይስ ገለ መንፈሳዊ ሕብረት፡* ወይስ ገለ ልባዊ ፍቕርን ርሕራሐን እንተሎ፡ |
|
2 ብሓንቲ ሓሳብ ብምዃንኩም፡ ብሓንቲ ፍቕሪ ብምህላውኩም፡ ምሉእ ብምሉእ ሓድነት ኣልዩኩም፡* ሓደ ሓሳብ ብምሕሳብኩም፡ ሓጐሰይ ምሉእ ግበርዎ።+ |
|
3 ካብ ንግርምና+ ተላዒልኩም ወይ ንርእሰ ውዳሰ+ ኢልኩም ሓንቲ እኳ ኣይትግበሩ፣ ብትሕትና ግና ንኻልኦት ካብ ርእስኹም ኣብሊጽኩም ርኣዩ።+ |
|
4 ንጥቕሚ ኻልኦት እውን እምበር፡+ ንጥቕሚ ርእስኹም ጥራይ ኣይትጠምቱ።+ |
|
5 እቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዝነበረ ኣተሓሳስባ፡+ ኣባኻትኩም እውን ይሃሉ። |
|
6 ንሱ ብመልክዕ ኣምላኽ ክነሱ፡+ ማዕረ ኣምላኽ ኪኸውን ኢሉ ኺምንዝዕ ኣይሓሰበን።+ |
|
7 የግዳስ፡ ገዛእ ርእሱ ባዶ ገይሩ፡ መልክዕ ባርያ ወሲዱ፡+ ሰብ እውን ኰይኑ እዩ።*+ |
|
8 ከም ሰብ ኰይኑ ምስ መጸ* ድማ፡ ርእሱ ኣትሒቱ እዩ፣ ክሳዕ ሞት፡+ አረ ኣብ ጕንዲ ስቅያት* ክሳዕ ሙማት እኳ ተኣዚዙ እዩ።+ |
|
9 ስለዚ፡ ኣምላኽ ናብ ዝለዓለ ቦታ ልዕል ኣቢልዎ፡+ ካብ ኵሉ ስም ልዕል ዝበለ ስም እውን ብለውሃት ሂብዎ።+ |
|
10 ከምኡ ዝገበረ፡ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ዅሉ ብርኪ ብስም የሱስ ምእንቲ ኺምብርከኽ፡+ |
|
11 ኵሉ ልሳን እውን ንኽብሪ ኣቦና ኣምላኽ ኢሉ የሱስ ክርስቶስ ጐይታ ምዃኑ ምእንቲ ኺእመን እዩ።+ |
|
12 ስለዚ፡ ፍቑራተየ፡ ከምቲ ምሳኻትኩም ከለኹ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሕጂ ምሳኻትኩም ከየለኹ እውን ብዝያዳ ዅሉ ሳዕ እተኣዘዝኩም፡ ብፍርሃትን ብምንቅጥቃጥን ድሕነትኩም ፈጽሙ። |
|
13 እቲ ምእንቲ ፍታዉ ኢሉ ንዓኻትኩም ድሌትን ንምግባር ዓቕምን ብምሃብ ዜበርትዓኩምሲ ኣምላኽ እዩ። |
|
14 ንዅሉ ብዘይ ምጕርምራምን+ ብዘይ ክርክርን+ ግበርዎ። |
|
15 ከምኡ እትገብሩ ኸኣ፡ ኣብ ማእከል እዚ ቔናንን ጠዋይን ወለዶ እዚ፡+ መንቅብ ዘይብሎምን ገርህታትን ኣበር ዘይብሎም ውሉዳት ኣምላኽ ኴንኩም፡+ ከም ብርሃናት ኣብ ዓለም እትበርሁ ምእንቲ ኽትኰኑ፡+ |
|
16 ነቲ ቓል ህይወት እውን ኣጽኒዕኩም ምእንቲ ኽትሕዝዎ እዩ።+ ሽዑ፡ በታ መዓልቲ ክርስቶስ ንኸንቱ ኸም ዘይጐየኹ ወይስ ንኸንቱ ኸም ዘይጸዓርኩ ፈሊጠ መሐጐሲ ኽረክብ እየ። |
|
17 ግናኸ፡ ኣብቲ ብእምነትኩም ተደሪኽኩም እትገብርዎ መስዋእትን+ ቅዱስ ኣገልግሎትን* ከም መስዋእቲ መስተ+ እፈስስ እኳ እንተ ኣለኹ፡ ባህ ይብለንን ምስ ኵላትኩም እሕጐስን እየ። |
|
18 ንስኻትኩም ድማ ከምኡ ባህ ይበልኩምን ምሳይ ተሓጐሱን። |
|
19 ብዛዕባኹም ሰሚዐ ምእንቲ ኽተባባዕ ከኣ፡ ንጢሞቴዎስ ቀልጢፈ ኽልእከልኩም ብጐይታና የሱስ ተስፋ ገይረ ኣለኹ።+ |
|
20 ብዛዕባኹም ናይ ሓቂ ዚሓልስ፡ ካልእ ከምኡ የብለይን። |
|
21 ኵላቶምሲ ናይ ርእሶም ጥቕሚ እዮም ዚደልዩ እምበር፡ ናይ የሱስ ክርስቶስ ኣይኰነን። |
|
22 ግናኸ፡ ከምቲ ውሉድ+ ንኣቦኡ ዚዀኖ ዀይኑ፡ ነቲ ብስራት ምሳይ ኰይኑ ብምግልጋል፡ ብዛዕባ ርእሱ ዘቕረቦ መርትዖ ትፈልጡ ኢኹም። |
|
23 እምበኣር፡ ኵነታተይ ምስ ረኣኹ፡ ቀልጢፈ ንዕኡ ኽልእከልኩም ተስፋ እገብር ኣለኹ። |
|
24 ኣነ ባዕለይ እውን ቀልጢፈ ኸም ዝመጽእ፡ ብጐይታ እተኣማመን እየ።+ |
|
25 ንሕጂ ግና ነቲ ሓወይን መዓይይተይን ብጻየይ ወተሃደርን ዝዀነ፡ ብዜድልየኒ ዘበለ ኼገልግለኒ ኸኣ ዝለኣኽኩምዎ ኤጳፍሮዲጦስ ክልእከልኩም ኣድላዪ ዀይኑ ረኺበዮ ኣለኹ።+ |
|
26 ምኽንያቱ፡ ንሱ ንዅላትኩም ኪርእየኩም ናፊቑ ኣሎ፡ ምሕማሙ ብምስማዕኩም ከኣ ተጨኒቑ ኣሎ። |
|
27 አረ ሓሚሙስ ናብ ሞት ቀሪቡ ነይሩ እዩ፣ ኣምላኽ ግና ምሒርዎ፣ ሓዘን ኣብ ልዕሊ ሓዘን ምእንቲ ኸይውሰኸኒ፡ ንዓይ እውን እምበር፡ ንዕኡ ጥራይ ኣይኰነን ዝመሓሮ። |
|
28 ስለዚ፡ ምስ ረኣኹምዎ፡ ከም ብሓድሽ ምእንቲ ኽትሕጐሱ፡ ኣነ እውን ጭንቀተይ ምእንቲ ኪቐልለለይ፡ ተቐላጢፈ እልእኮ ኣለኹ። |
|
29 እምበኣር፡ ብዅሉ ሓጐስ ብጐይታ ተቐበልዎ፣ ነዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኸኣ ኣኽብርዎም፣+ |
|
30 ከመይሲ፡ ንሱ ነቲ ንስኻትኩም ኣብዚ ብዘይምህላውኩም ዝጐደለኒ ኣገልግሎት ምእንቲ ኺምልእ ኢሉ፡+ ስለ ዕዮ ክርስቶስ* ህይወቱ* ኣብ ሓደጋ ብምእታው፡ ናብ ሞት ቀሪቡ ነይሩ እዩ። |
|
4 ስለዚ፡ ኣቱም ዘፍቅረኩምን ዝናፍቐኩምን፡ ሓጐሰይን ኣኽሊለይን+ ዝዀንኩም ፍቑራት ኣሕዋተይ፡ በዚ ኸምዚ ብጐይታ ጽንዑ።+ |
|
2 ሓሳበን ብጐይታ ሓደ ኪኸውን፡ ንኤዎድያ እምሕጸና፡ ንስንጥኬ እውን እምሕጸና ኣለኹ።+ |
|
3 እወ፡ ንዓኻ ኣታ ናይ ሓቂ መዓይይተይ* እውን ክትድግፈን እልምነካ ኣለኹ፣ ንሳተን ምስ ቅሌምንጦስን ምስቶም ስማቶም ኣብ መጽሓፍ ህይወት+ እተጻሕፈ ኻልኦት መዓይይተይን ምእንቲ እቲ ብስራት ኣብ ጐድነይ ዝጸዓራ* እየን። |
|
4 ኵሉ ሳዕ ብጐይታ ተሓጐሱ። ደጊመ፡ ተሓጐሱ እብል ኣለኹ።+ |
|
5 ልዙባት*+ ምዃንኩም ኣብ ኵሉ ሰብ ይፈለጥ። ጐይታ ቐረባ እዩ። |
|
6 ብዛዕባ ዅሉ ነገር ደኣ ልማኖኹም ብጸሎትን ብምህለላን ምስ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር፡+ ብዛዕባ ገለ እኳ ኣይትጨነቑ፣+ |
|
7 እቲ ኻብ ኵሉ ሓሳብ ዚበልጽ ሰላም+ ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን+ ንኣእምሮኹምን* ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ። |
|
8 ብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተየ፡ ብዛዕባ ሓቂ ዘበለ፡ ርዝነት ዘለዎ ዘበለ፡ ጽድቂ ዘበለ፡ ንጹህ ዘበለ፡ ተፈታዊ ዘበለ፡ ጽቡቕ ዚዝረበሉ ዘበለ፡ ሕያውነት* ዘበለ፡ ዚንኣድ ዘበለ ብቐጻሊ ሕሰቡ።*+ |
|
9 እቲ ኻባይ እተመሃርኩምዎን እተቐበልኩምዎን ዝሰማዕኩምዎን ዝረኣኹምዎን፡ እዚ ግበርዎ እሞ፡+ ኣምላኽ ሰላም ምሳኻትኩም ኪኸውን እዩ። |
|
10 ሕጂ ኣብ መወዳእታ ኸም ብሓድሽ ትሓስቡለይ ብምህላውኩም፡ ብዙሕ እሕጐስ እየ።+ ብዛዕባይ ትሓስቡ እኳ እንተ ነበርኩም፡ ነዚ ኸተርእዩ ግና ኣጋጣሚ ኣይነበረኩምን። |
|
11 ኣነስ ኣብ ዝዀነ ይኹን ኵነታት፡ ብዘሎኒ ይኣኽለኒ ምባል* ተማሂረ እየ እሞ፡ ስኢነ ስለ ዘለኹ ኣይኰንኩን እዚ ዝብል ዘለኹ።+ |
|
12 ዋሕድን+ ብዝሕን እፈልጥ እየ። ኣብ ኵሉን ብዅሉ ዅነታትን ናይ ጽጋብን ጥሜትን፡ ናይ ርኽበትን ስእነትን ምስጢር እፈልጥ እየ። |
|
13 በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ።+ |
|
14 መኻፍልቲ ጸበባይ ብምዃንኩም ግና፡ ጽቡቕ ኢኹም ጌርኩም። |
|
15 ኣቱም ሰብ ፊልጲ፡ ኣብ መጀመርታ እቲ ብስራት ድሕሪ ምፍላጥኩም፡ ኣነ ኻብ መቄዶንያ ምስ ነቐልኩ፡ ኣብ ምሃብን ምቕባልን፡ ብዘይካ ንስኻትኩም በይንኹም፡ ሓንቲ ጉባኤ እኳ ምሳይ ከም ዘይሓበረት ትፈልጡ ኢኹም፣+ |
|
16 ምኽንያቱ፡ ኣብ ተሰሎንቄ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን እውን፡ ሓደ ሳዕ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ክልተ ሳዕ ዜድልየኒ ሰዲድኩምለይ ኢኹም። |
|
17 ኣነስ እቲ ፍረ ብዝያዳ ምእንቲ ኺጽብጸበልኩም ደልየ እምበር፡ ውህበትኩም ደልየ ኣይኰንኩን። |
|
18 ግናኸ፡ ዜድልየኒ ዘበለ ዅሉ ኣሎኒ፡ ምስ ትርፉ እውን ኣሎኒ። እቲ ዝለኣኽኩምለይ ምዑዝ ሽታ፡+ ንኣምላኽ ዜሐጕስ ቅቡል መስዋእቲ፡ ካብ ኤጳፍሮዲጦስ+ ብምቕባለይ፡ ዚጐድለኒ የብለይን። |
|
19 ኣምላኸይ ከኣ ከም መጠን እቲ ኽቡር ሃብቱ ብክርስቶስ የሱስ ገይሩ ዜድልየኩም ዘበለ ዅሉ ኺምልኣልኩም እዩ።+ |
|
20 ንኣምላኽናን ኣቦናን ድማ ንዘለኣለመ ኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን። |
|
21 ንዅሎም እቶም ምስ ክርስቶስ የሱስ ሓድነት ዘለዎም ቅዱሳት ሰላም በሉለይ። እቶም ምሳይ ዘለዉ ኣሕዋት እውን ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። |
|
22 ኵሎም እቶም ቅዱሳት፡ ምናዳ ኸኣ እቶም ካብ ቤተ ሰብ ቄሳር ዘበሉ፡+ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። |
|
23 ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ መንፈስኩም ይኹን። |
|
3 እምበኣር፡ ምስ ክርስቶስ ካብ ተንሳእኩም፡+ ነቲ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ድለዩ።+ |
|
2 ሓሳብኩም ኣብቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዘይኰነስ፡+ ኣብቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ የተኵር።+ |
|
3 ከመይሲ፡ ሞይትኩም ኢኹም፣ ህይወትኩም ድማ ምስ ክርስቶስ፡ ምስ ኣምላኽ ብዘለዎ ሓድነት ተሰዊራ ኣላ። |
|
4 እቲ ህይወትና ዝዀነ ክርስቶስ+ ምስ ተጋህደ፡ ሽዑ ንስኻትኩም እውን ምስኡ ብኽብሪ ኽትግሃዱ ኢኹም።+ |
|
5 እምበኣር፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላትኩም፡+ ማለት ምንዝርና፡* ርኽሰት፡ ፋሉል ፍትወተ ስጋ፡+ ክፉእ ትምኒት፡ ስስዐ፡ እዚ ድማ ኣምልኾ ጣኦት ቅተሉ። |
|
6 ብሰሪ እዚ፡ ቍጥዓ ኣምላኽ ይመጽእ ኣሎ። |
|
7 ንስኻትኩም እውን ኣብቲ ናይ ቀደም ኣነባብራኹም፡* ብኸምኡ ኢኹም እትመላለሱ ኔርኩም።+ |
|
8 ሕጂ ግና እዚ ዅሉ፡ ማለት ነድሪ፡ ቍጥዓ፡ ክፍኣት፡+ ጸርፊ፡+ ጽዩፍ ዘረባ+ ኻብ ኣፍኩም ኣርሕቑ። |
|
9 ንሓድሕድኩም ኣይትተሓሳሰዉ።+ ነቲ ኣረጊት ስብእና* ምስ ግብርታቱ ቐንጢጥኩም፡+ |
|
10 ነቲ ኸም ምስሊ እቲ ዝፈጠሮ ብልክዕ ፍልጠት ዚሕደስ ዘሎ+ ሓድሽ ስብእና ልበሱ።+ |
|
11 ኣብኡስ ግሪኻውን ኣይሁዳውን፡ ግዝረትን ዘይግዝረትን፡ ጓና፡ ስኪት፡* ባርያ፡ ጭዋ የልቦን፣ የግዳስ፡ ክርስቶስ ኵሉን ኣብ ኵሉን እዩ።+ |
|
12 እምበኣር፡ ከም ሕሩያት ኣምላኽ፡+ ቅዱሳትን ፍቑራትን ኴንኩም፡ ልባዊ ርሕራሐ፡+ ለውሃት፡ ትሕትና፡+ ልእመት፡+ ዓቕሊ+ ልበሱ። |
|
13 ሓደ ኣብቲ ሓደ ቕር ዜብል ነገር እንተ ኣልይዎ፡+ ንሓድሕድኩም ተዓጋገሱን ብናጻ ይቕረ ተባሃሃሉን።+ ከምቲ የሆዋ* ብናጻ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንስኻትኩም እውን ከምኡ ግበሩ።+ |
|
14 ኣብ ልዕሊ እዚ ዅሉ እውን፡ ፍቕሪ ፍጽምቲ ማእሰር ሓድነት እያ+ እሞ፡ ልበስዋ።+ |
|
15 እቲ ብሓደ ሰብነት እተጸዋዕኩምሉ ሰላም ክርስቶስ ከኣ ኣብ ልብኹም ይግዛእ።*+ ኣመስገንቲ እውን ኩኑ። |
|
16 ቃል ክርስቶስ ብዅሉ ጥበብ ብብዝሒ ይሕደርኩም። ብልብኹም ንየሆዋ* እናዘመርኩም፡ ብመዝሙርን+ ብውዳሰ ኣምላኽን ብምስጋና ብዚዝመር* መንፈሳዊ ዜማን ንሓድሕድኩም ተማሃሃሩን ተተባብዑን።*+ |
|
17 ብቓል ወይስ ብግብሪ እትገብርዎ ዘበለ ዅሉ ድማ፡ ብየሱስ ንኣቦና ኣምላኽ እናኣመስገንኩም፡ ኵሉ ብስም ጐይታና የሱስ ግበርዎ።+ |
|
18 ኣትን ኣንስቲ፡ ከምቲ ንጐይታ ዚግባእ ጌርክን ንሰብኡትክን ተገዝኣኦም።+ |
|
19 ኣቱም ሰብኡት፡ ንኣንስትኹም ኣፍቅርወን እምበር፡+ ኣይትነድሩለን።*+ |
|
20 ኣቱም ውሉዳት፡ እዚ ንጐይታ ባህ ዜብል እዩ እሞ፡ ንወለድኹም ብዅሉ ተኣዘዝዎም።+ |
|
21 ኣቱም ኣቦታት፡ ሕልናኦም ምእንቲ ኸይዓርቦም፡* ንውሉዳትኩም ኣይተሕርቕዎም።*+ |
|
22 ኣቱም ባሮት፡ ነቶም ሰብኣውያን* ጐይተትኩም፡+ ንሰብ ባህ ከም እተብሉ ዄንኩም ንገጽ ርአ ዘይኰነስ፡ ብግርህነት ልብን ብፍርሃት የሆዋን* ብዅሉ ተኣዘዝዎም። |
|
23 እትገብርዎ ዘበለ ንሰብ ዘይኰነስ፡ ንየሆዋ* ኸም እትገብርዎ ጌርኩም፡ ብምሉእ ነፍስኹም* ግበርዎ፣+ |
|
24 ከመይሲ፡ እቲ ርስቲ ኻብ የሆዋ* ኸም ዓስቢ ኸም እትቕበልዎ ትፈልጡ ኢኹም።+ ንጐይታና ክርስቶስ ተገዝእዎ። |
|
25 እቲ ዚዕምጽሲ ኸምቲ ዝዓመጾ ኺፍደ እዩ፣+ ኣድልዎ ድማ የልቦን።+ |
|
1 ካብቲ ብፍቓድ ኣምላኽ ሃዋርያ ክርስቶስ የሱስ ዝዀነ ጳውሎስን ካብ ጢሞቴዎስ+ ሓውናን፡ |
|
2 ናብቶም ኣብ ቈሎሴ ዘለዉ ቕዱሳትን ምስ ክርስቶስ ብዘለዎም ሓድነት እሙናትን፦ ካብ ኣቦና ኣምላኽ ጸጋን ሰላምን ይኹነልኩም። |
|
3 ምእንታኹም ክንጽሊ ኸለና፡ ነቲ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ዝዀነ ኣምላኽ ኵሉ ሳዕ ነመስግኖ ኢና፣ |
|
4 ከመይሲ፡ ብዛዕባ እታ ብክርስቶስ የሱስ ዘላትኩም እምነትን ንዅሎም ቅዱሳት ዘላትኩም ፍቕርን ሰሚዕና ኢና፣ |
|
5 እዚኣ ኸኣ ሳላ እታ ኣብ ሰማያት ተነቢራትልኩም ዘላ ተስፋ እያ።+ ብዛዕባ እዛ ተስፋ እዚኣ ብመልእኽቲ ሓቂ እቲ ብስራት ኣቐዲምኩም ሰሚዕኩም ኢኹም፣ |
|
6 እዚ ድማ ናባኻትኩም መጺኡ እዩ። ከምቲ እቲ ብስራት ኣብ ኵላ ዓለም ዚፈርን ዚዓብን ዘሎ፡+ ካብታ ንጸጋ ኣምላኽ ብሓቂ ዝሰማዕኩምላን ብልክዕ ዝፈለጥኩምላን መዓልቲ ጀሚሩ ኣባኻትኩም እውን ከምኡ ይኸውን ኣሎ። |
|
7 ካብቲ ፍቑር ብጻይና ባርያ፡ ኣብ ክንዳና እውን ዜገልግል እሙን ኣገልጋሊ ክርስቶስ ዝዀነ ኤጳፍራስ፡+ እዚ ኢኹም እተመሃርኩም። |
|
8 መንፈሳዊ ፍቕርኹም* ዘፍለጠና እውን ንሱ እዩ። |
|
9 ስለዚ ኸኣ፡ ካብታ ዝሰማዕናላ መዓልቲ ኣትሒዝና፡ በቲ ልክዕ ፍልጠት+ ፍቓዱ ብዅሉ ጥበብን ብመንፈሳዊ ግንዛበን+ ክትምልኡ ምእንታኹም ካብ ምጽላይን+ ካብ ምልማንን ኣየቋረጽናን። |
|
10 ብሰናይ ግብሪ ዘበለ እናፈረኹምን ብልክዕ ፍልጠት ኣምላኽ+ እናዓበኹምን ንየሆዋ* እትበቕዑ ዄንኩም ምእንቲ ኽትመላለሱን ብዅሉ ንዕኡ ምእንቲ ኸተሐጕስዎን ከኣ ኢና ኸምኡ ዝገበርና። |
|
11 ብዓቕልን ብሓጐስን ኵሉ ምእንቲ ኽትጻወሩ፡ ከምቲ ኽቡር ሓይሉ ብዅሉ ሓይሊ በርትዑ፣+ |
|
12 ነቲ ኻብ ርስቲ እቶም ኣብ ብርሃን ዘለዉ ቕዱሳት+ ክትካፈሉ ዘብቅዓኩም ኣቦ እውን ኣመስግንዎ። |
|
13 ንሱ ኻብ ስልጣን ጸልማት ኣናጊፉና እዩ፣+ ናብታ መንግስቲ ፍቑር ወዱ እውን ኣእትዩና እዩ። |
|
14 ብወዱ በጃ ተኸፊሉልና፡ ማለት ሓጢኣትና ተሓዲጉልና እዩ።+ |
|
15 ንሱ ምስሊ እቲ ዘይርአ ኣምላኽ፡+ በዅሪ ዅሉ ፍጥረት እዩ፣+ |
|
16 ከመይሲ፡ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ፡ ዚርአን ዘይርአን፡+ ዝፋናት ወይስ ጕይትነት ወይስ መንግስትታት ወይስ ስልጣናት፡ ኵሉ* ብእኡ እዩ ተፈጢሩ። ኵሉ ብእኡን+ ንዕኡን እዩ ተፈጢሩ። |
|
17 ንሱ ድማ ቅድሚ ዅሉ እዩ፣+ ኵሉ ኸኣ ብእኡ እዩ ቘይሙ፣ |
|
18 ንሱ ርእሲ ሰብነቱ፡ ማለት ርእሲ ጉባኤኡ፡ እውን እዩ።+ ብዅሉ ነገር ቀዳማይ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ንሱ መጀመርታ፡ ካብ ምዉታት እውን በዅሪ እዩ፣+ |
|
19 ምኽንያቱ፡ ኣምላኽ፡ ኵሉ ምልኣት ኣብኡ ኺሓድር ባህ ኢልዎ እዩ፣+ |
|
20 ብእኡ ድማ በቲ ኣብቲ ጕንዲ ስቅያት* ዝፈሰሰ ደሙ ገይሩ ሰላም ብምግባር፡+ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዀነ ወይስ ኣብ ሰማያት ዘሎ ዅሉ ምስ ርእሱ የተዓርቕ እዩ።+ |
|
21 ኣቱም ሓሳብኩም ኣብ እኩይ ግብሪ ብምንባሩ፡ ሓደ እዋን ርሑቓትን ጸላእትን ዝነበርኩም፡ |
|
22 ቅዱሳትን ብዘይ ኣበርን መንቀፊ ዘይብሎምን+ ገይሩ ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ኬቕርበኩም፡ ሕጂ ብስጋዊ ሰብነት እቲ ዝሞተ ገይሩ ተዓሪቕኩም እዩ። |
|
23 እዚ ዚኸውን ግና፡ ካብ ተስፋ እቲ ዝሰማዕኩምዎን ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጥረት እተሰብከን ብስራት+ ከይተነቓነቕኩም፡ ኣብታ መሰረት ተሰሪትኩምን+ ጸኒዕኩምን+ ብእምነት እንተ ቐጺልኩም እዩ።+ ኣነ ጳውሎስ ብዛዕባ እዚ ብስራት እዚ እየ ኣገልጋሊ ዀይነ።+ |
|
24 ሕጂ በቲ ምእንታኹም ዘጓነፈኒ መከራ እሕጐስ ኣለኹ፣+ ኣብ ስጋይ ድማ ነቲ ዚተርፈኒ ጸበባ ክርስቶስ፡ ምእንቲ ሰብነቱ፡+ ማለት ጉባኤኡ፡ አሕልፍ ኣለኹ።+ |
|
25 ኣነ ኣገልጋሊ እዛ ጉባኤ እዚኣ ዝዀንኩ፡ ብመጠን እቲ ቓል ኣምላኽ መሊአ ኽሰብኽ ምእንታኹም ካብ ኣምላኽ እተዋህበኒ ናይ ምምሕዳር ሓላፍነት እዩ፣+ |
|
26 እዚ ኸኣ ካብ ዝሓለፈ ስርዓታትን*+ ካብ ውሉድ ወለዶን ተሰዊሩ ዝነበረ ቕዱስ ምስጢር እዩ።+ ሕጂ ግና፡ ንቕዱሳት ተገሊጹ ኣሎ፣+ |
|
27 ኣምላኽ ንዓታቶም ነቲ ኽቡር ሃብቲ እዚ ቕዱስ ምስጢር+ እዚ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ኬፍልጦም ፈትዩ እዩ፣ እዚ ድማ እቲ ምሳኻትኩም ሓድነት ዘለዎ ክርስቶስ፡ ንኽብሩ እውን ዘሎኩም ተስፋ እዩ።+ |
|
28 ንዅሉ ሰብ ምስ ክርስቶስ ሓድነት ዘለዎ ምሉእ ጌርና ምእንቲ ኸነቕርቦ፡ ብዅሉ ጥበብ ንዅሉ ሰብ እናመዓድናን ንዅሉ ሰብ እናመሃርናን፡ ንዕኡ ኢና እንሰብኽ ዘለና።+ |
|
29 ነዚ ድማ፡ ኣነ በቲ ኣባይ ብሓይሊ ዚዓዪ ዘሎ ብርታዐኡ እናተጋደልኩ፡ እጽዕር ኣለኹ።+ |
|
2 ምእንታኹምን ምእንቲ እቶም ኣብ ሎዲቅያ+ ዘለዉን ምእንቲ እቶም ብኣካል ዘይረኣዩንን፡* ከመይ ዝበለ ዓብዪ ገድሊ ኸም ዘሎኒ ኽትፈልጡ ኸኣ እደሊ ኣለኹ። |
|
2 እዚ ድማ ልቦም ተጸናኒዑ+ ብፍቕሪ ኺሰምሩ እሞ፡+ ካብቲ ምሉእ ብምሉእ እተረጋገጸ ምስትውዓል ዚርከብ ኵሉ ሃብቲ ምእንቲ ኺህልዎም፡ ልክዕ ፍልጠት እቲ ቕዱስ ምስጢር ኣምላኽ ዝዀነ ክርስቶስ እውን ምእንቲ ኺረኽቡ ኢለ እየ።+ |
|
3 ኣብኡ ኸኣ ብዘሎ መዛግብቲ ጥበብን ፍልጠትን ተሰዊሩ ኣሎ።+ |
|
4 ሓደ እኳ ብዚሓብል ዘረባ ኸየታልለኩም ኢለ እየ እዚ ዝብል ዘለኹ። |
|
5 ብኣካል እኳ ምሳኻትኩም እንተ ዘየለኹ፡ ብመንፈስ ግና ምሳኻትኩም እየ፣ ስርዓትኩምን+ ጽንዓት እታ ብክርስቶስ ዘላትኩም እምነትን እናረኣኹ እውን እሕጐስ ኣለኹ።+ |
|
6 እምበኣር፡ ከምቲ ንጐይታና ክርስቶስ የሱስ እተቐበልኩምዎ፡ ምስኡ ብሓድነት ተመላለሱ፣ |
|
7 ከምቲ እተመሃርኩምዎ፡ ኣብኡ ሱር ስደዱን ተሃነጹን+ ብእምነት ጽንዑን፡+ ብምስጋና እውን ዕዙዛት ኩኑ።+ |
|
8 ኣብ ክርስቶስ ዘይኰነስ፡ በቲ ኣብ ስርዓት ሰብን ኣብ መባእታዊ ነገራት ዓለምን እተመስረተ ፍልስፍናን ከንቱ ጥበራን+ ሓደ እኳ ኸይማርኸኩምሲ፡* ተጠንቀቑ። |
|
9 ከመይሲ፡ ኵሉ ምልኣት መለኮታዊ ባህርይ ብጭቡጥ ኣብ ክርስቶስ እዩ ዚሓድር።+ |
|
10 ንስኻትኩም እውን ብእኡ፡ በቲ ርእሲ ዅሉ መንግስትን ስልጣንን፡ ምልኣት ረኺብኩም ኣለኹም።+ |
|
11 በቲ ምስኡ ዘሎኩም ርክብ ከኣ በታ ብዘይ ኢድ፡ ስጋዊ ሰብነት ብምቕንጣጥ እትግበር ግዝረት፡+ በታ ናይ ክርስቶስ ግዝረት ተገዚርኩም ኢኹም።+ |
|
12 ብጥምቀቱ ምስኡ ተቐቢርኩም ኢኹም፣+ በቲ ምስኡ ዘሎኩም ርክብ እውን በታ ኣብቲ ሓያል ግብሪ እቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣምላኽ+ ዘላትኩም እምነት ብሓባር ተንሲእኩም ኢኹም።+ |
|
13 ብኣበሳኹምን ብዘይ ግዝረት ስጋኹምን ምዉታት እኳ እንተ ነበርኩም፡ ኣምላኽ ምስኡ ህያዋን ገይሩኩም እዩ።+ ንሱ ንዅሉ ኣበሳና ብለውሃት ይቕረ ኢሉልና እዩ፣+ |
|
14 ነቲ ትእዛዛት ዝሓዘን+ ዚቃወመናን+ ብኢድ እተጻሕፈ ሰነድ+ ከኣ ደምሲስዎ እዩ። ንዕኡ ኣብ ጕንዲ ስቅያት* ሸንኪሩ ድማ ኣርሒቕዎ እዩ።+ |
|
15 ንመንግስትታትን ንስልጣናትን ቀንጢጡ፡ ኣብ ዓጀባ ዓወት ብእኡ* እናመርሖም፡ ብግህዶ ኸም እተሳዕሩ ኣርእዩ እዩ።+ |
|
16 እምበኣር፡ ብብልዕን ብመስተን፡+ ወይ ብምብዓል በዓላት፡ ወይ ብሰርቂ ወርሒ፡+ ወይ ብሰንበት+ ዝመጸ፡ ሓደ እኳ ኣይፍረድኩም። |
|
17 እዝስ ነቲ ዚመጽእ ጽላሎቱ እዩ፣+ እቲ ናይ ሓቂ ግና ክርስቶስ እዩ።+ |
|
18 ናይ ሓሶት ትሕትናን ኣምልኾ መላእኽትን ዚፈቱ ሓደ እኳ ኣብቲ ዝረኣዮ ነገር “መርገጹ ብምግባር”* ሽልማትኩም+ ኣይከልክልኩም። ንሱ ብስጋዊ ኣተሓሳስባኡ ብኸንቱ ይንፋሕ እዩ፣ |
|
19 ኣብቲ ርእሲ እውን ኣይጸንዕን እዩ።+ በቲ ርእሲ እቲ፡ ብዘሎ እቲ ሰብነት ይምገብ፡ ብመላግቦን ጅማትን ከኣ ይገጣጠም እዩ፣ ካብ ኣምላኽ ብእተዋህበ ዕቤት እውን ይዓቢ እዩ።+ |
|
20 ንመባእታዊ ነገራት ዓለም ብዚምልከት ምስ ክርስቶስ ካብ ሞትኩም፡+ ስለምንታይ ደኣ ገና ኻብዛ ዓለም እዚኣ ኸም ዝዀንኩም ኴንኩም እናነበርኩም፡ |
|
21 “ኣይትሓዝ፡ ኣይትጥዓም፡ ኣይትተንኪ” ዚብል ትእዛዛት እትግዝኡ፧+ |
|
22 እዚ ኸም ናይ ሰብ ዝበለ ትእዛዛትን ትምህርትታትን እዚ፡ ምስ ተገብረ፡ ኵሉ ይጠፍእ እዩ።+ |
|
23 እዚ ብፍቓድ ርእስኻ ዚግበር ኣምልኾን ናይ ሓሶት ትሕትናን ምሕሳም ሰብነትን+ መልክዕ ጥበብ እኳ እንተ ኣለዎ፡ ትምኒት ስጋ ንምቅላስ ግና ኣይጠቅምን እዩ። |
|
4 ኣቱም ጐይተት፡ ንስኻትኩም እውን ኣብ ሰማይ ጐይታ ኸም ዘሎኩም ፈሊጥኩም፡ ንባሮትኩም ቅኑዕን ግቡእን ግበሩሎም።+ |
|
2 ብጸሎት ጽንዑ፣+ ምስ ምስጋና እውን ብእኡ ንቕሑ።+ |
|
3 እቲ ተኣሲረሉ ዘለኹ ቕዱስ ምስጢር ክርስቶስ ምእንቲ ኽንሰብኽ፡+ ኣምላኽ ነቲ ቓሉ ኣፍ ደገ ኪኸፍተልናስ፡ ምእንታና ድማ ጸልዩ።+ |
|
4 ኣነ እውን ከምቲ ዚግብኣኒ ገይረ ብንጹር ክዛረብ፡ ጸልዩለይ። |
|
5 ንግዜኹም ብዝበለጸ እናተጠቐምኩም፡*+ ምስቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ብጥበብ ተመላለሱ። |
|
6 ንነፍሲ ወከፍ ከመይ ጌርኩም ክትምልሱ ኸም ዚግብኣኩም ምእንቲ ኽትፈልጡ፡+ ዘረባኹም ብጨው እተቓመመ፡+ ኵሉ ሳዕ ጥዑም ይኹን። |
|
7 ትኪቆስ+ እቲ ፍቑር ሓወይን እሙን ኣገልጋልን ብጐይታ ብጻየይ ባርያን፡ ኵሉ ሃለዋተይ ኬፍልጠኩም እዩ። |
|
8 ብዛዕባና ምእንቲ ኽትፈልጡን ንልብኹም ምእንቲ ኼጸናንዖን እየ ናባኻትኩም ዝሰድዶ ዘለኹ። |
|
9 ምስኡ እውን እቲ ኻባኻትኩም ዝዀነ እሙንን ፍቑርን ሓወይ ኦኔሲሞስ+ ይመጸኩም ኣሎ። ንሳቶም፡ ኵሉ እቲ ኣብዚ ዝዀነ ኺነግሩኹም እዮም። |
|
10 እቲ መተኣስርተይ ኣርስጣርኮስ+ ሰላም ይብለኩም ኣሎ፣ እቲ ናባኻትኩም እንተ መጺኡ ኽትቅበልዎ+ እተነግረኩም ማርቆስ+ ዘመድ በርናባስን |
|
11 እቲ ዮስጦስ ዚብሃል የሱስን ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ፣ እዚኣቶም ካብቶም እተገዝሩ እዮም። ንመንግስቲ ኣምላኽ መዓይይተይ ዝዀኑ እዚኣቶም ጥራይ እዮም፣ ምንጪ ዓብዪ ምጽንናዕ* እውን ኰይኖምኒ ኣለዉ። |
|
12 እቲ ኻባኻትኩም ባርያ ክርስቶስ የሱስ ዝዀነ ኤጳፍራስ+ ሰላም ይብለኩም ኣሎ። ኣብ መወዳእታ ምሉኣትን ንዅሉ ፍቓድ ኣምላኽ ኣጸቢቕኩም እትኣምኑሉን ኴንኩም ክትቈሙ፡ ኵሉ ሳዕ ብጸሎቱ ይጋደለልኩም ኣሎ። |
|
13 ንሱ ምእንታኹምን ምእንቲ እቶም ኣብ ሎዲቅያን ሂራጶሊስን ዘለዉን ብዙሕ ከም ዚጽዕር፡ ኣነ እምስክረሉ እየ። |
|
14 ሉቃስ+ እቲ ፍቑር ሓኪምን ዴማስን+ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። |
|
15 ነቶም ኣብ ሎዲቅያ ዘለዉ ኣሕዋትን ንኒምፋን ነታ ኣብ ቤታ ዘላ ጉባኤን+ ሰላም በሉለይ። |
|
16 እዛ ደብዳበ እዚኣ ኣባኻትኩም ምስ ተነብበት፡ ኣብ ጉባኤ ሰብ ሎዲቅያ ኸም እትንበብ ግበሩ፣+ ንስኻትኩም እውን ነታ ኻብ ሎዲቅያ እትመጽእ ኣንብብዋ። |
|
17 ንኣርኪጶስ+ ድማ፡ “ነታ ብጐይታ እተቐበልካያ ኣገልግሎት ምእንቲ ኽትፍጽማ፡ ተጠንቀቕ” በልዎ። |
|
18 እዛ ሰላምታ እዚኣ፡ ኣነ ጳውሎስ ባዕለይ ብኢደይ ዝጸሓፍክዋ እያ።+ ማእሰርተይ+ ዘክሩ። ጸጋ ምሳኻትኩም ይኹን። |
|
3 ስለዚ፡ ደጊም ምጻሩ ምስ ሰኣንና፡ ኣብ ኣቴና በይንና ኽንተርፍ ጽቡቕ ኰይኑ ተራእዩና እዩ፣+ |
|
2 ብዛዕባ እምነትኩም ምእንቲ ኼጽንዓኩምን* ኬጸናንዓኩምን ከኣ፡ ነቲ ሓውናን በቲ ብስራት ክርስቶስ ኣገልጋሊ ኣምላኽን* ዝዀነ ጢሞቴዎስ+ ልኢኽናዮ ኢና፣ |
|
3 ከምኡ ዝገበርና ድማ፡ በዚ ጸበባ እዚ ሓደ እኳ ምእንቲ ኸይናወጽ* ኢልና ኢና። ካብ ከምዚ ዝበለ ጸበባ ኸነምልጥ ከም ዘይንኽእል፡* ንስኻትኩም ባዕላትኩም ትፈልጡ ኢኹም።+ |
|
4 ምሳኻትኩም ከለና፡ ጸበባ ኸም ዚመጸና ኣቐዲምና ንነግረኩም ኔርና፣ ከምቲ እትፈልጥዎ ኸኣ፡ ከምኡ ዀይኑ።+ |
|
5 ስለዚ፡ ደጊም ምጻሩ ምስ ሰኣንኩ፡ ምናልባት እቲ ፈታኒ+ ፈቲኑኩም ከይህሉ እሞ፡ ጻዕርና ኸንቱ ኸይከውን ኢለ፡ ተኣማንነትኩም ምእንቲ ኽፈልጥ ልኢኸ እየ።+ |
|
6 ጢሞቴዎስ ግና ካባኻትኩም ሕጂ ናባና መጺኡ ኣሎ፣+ ብዛዕባ ተኣማንነትኩምን ፍቕርኹምን፡ ኵሉ ሳዕ ብጽቡቕ ከም እትዝክሩና፡ ከምቲ ንሕና እንናፍቐኩም ከኣ ክትርእዩና ትናፍቑ ኸም ዘለኹም ኣበሲሩና እዩ። |
|
7 ስለዚ ኸኣ ኢና፡ ኣሕዋተየ፡ ሳላኹምን ሳላ ተኣማንነትኩምን ኣብ ኵሉ ጭንቅናን* ጸበባናን እተጸናናዕና።+ |
|
8 ብጐይታ ስለ ዝጸናዕኩም፡ ህይወትና ተሓዲሳ ኣላ።* |
|
9 ስለቲ ብሳላኹም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽና ዝረኸብናዮ ሓጐስ፡ ብዛዕባኹም ንኣምላኽ ከመይ ጌርና ኢና እሞ ኸነመስግኖ፧ |
|
10 ገጽኩም ክንርእን ኣብ እምነትኩም ዝጐደለ ኽንምልእን፡ ለይትን መዓልትን ብእተኻእለና መጠን ብጽኑዕ ንምህለል ኣለና።+ |
|
11 ኣቦና ኣምላኽ ባዕሉን ጐይታና የሱስን መገድና ናባኻትኩም የቕንዑ። |
|
12 ጐይታ ድማ፡ ከምቲ ንሕና ንዓኻትኩም ዘላትና ፍቕሪ፡ ነታ ንሓድሕድኩምን ንዅሉን ዘላትኩም ፍቕሪ ይወስኸልኩምን የብዝሓያን፣+ |
|
13 እዚ ድማ ጐይታና የሱስ+ ምስ ኵሎም ቅዱሳቱ ኣብዚ ኣብ ዚህልወሉ እዋን፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ኣቦናን ብቕድስና መንቅብ ዘይብልኩም ኴንኩም ክትርከቡ፡ ልብኹም ምእንቲ ኼጽንዕ እዩ።+ |
|
1 ካብ ጳውሎስን ስልዋኖስን*+ ጢሞቴዎስን፡+ ናብታ ምስ ኣቦና ኣምላኽን ምስ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ሓድነት ዘለዋ ጉባኤ ተሰሎንቄ፦ ጸጋን ሰላምን ይኹነልኩም። |
|
2 ብዛዕባ ዅላትኩም ኣብ ጸሎትና ኽንጠቅስ ከለና፡ ኵሉ ሳዕ ንኣምላኽ ነመስግኖ ኢና፣+ |
|
3 ከመይሲ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ኣቦናን ነቲ ብእምነት ዝገበርኩምዎ ግብርን ብፍቕሪ ዝጸዓርኩምዎ ጻዕርን ሳላ እታ ኣብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ዘላትኩም ተስፋ+ ዘርኣኹምዎ ተጻዋርነትን ከየቋረጽና ንዝክሮ ኣለና። |
|
4 ኣቱም ብኣምላኽ እተፈቐርኩም ኣሕዋትና፡ ንሱ ኸም ዝሓረየኩም ፈሊጥና ኢና፣ |
|
5 ስለምንታይሲ፡ እቲ ዝሰበኽናልኩም ብስራት ብሓይልን ብመንፈስ ቅዱስን ብጽኑዕ እምነትን እውን እምበር፡ ብቓል ጥራይ ኣይመጸኩምን። ኣባኻትኩምን ምእንታኹምን ከመይ ዝበልና ኸም ዝዀንና እውን ትፈልጡ ኢኹም። |
|
6 ንስኻትኩም ከኣ ነቲ ቓል ኣብ ትሕቲ ብዙሕ ጸበባ+ ብናይ መንፈስ ቅዱስ ሓጐስ ብምቕባልኩም፡ ንዓናን+ ንጐይታን+ ትመስሉ ኣለኹም። |
|
7 ስለዚ፡ ንዅሎም እቶም ኣብ መቄዶንያን ኣካይያን ዘለዉ ኣመንቲ ኣርኣያ ዄንኩምዎም ኢኹም። |
|
8 ኣብ ኣምላኽ ዘላትኩም እምነት ኣብ ኵሉ ተዘርጊሓ+ ኣላ እምበር፡ ቃል የሆዋ* ኻባኻትኩም ኣብ መቄዶንያን ኣካይያን ጥራይ ኣይኰነን እተሰምዐ፣ ስለዚ፡ ሓንቲ እኳ ኽንብል ኣየድልየናን እዩ። |
|
9 ከመይሲ፡ ኣብ ፈለማ ኸመይ ጌርና ኸም ዝረኸብናኩምን ካብ ጣኦታትኩም+ ናብ ኣምላኽ ከመይ ጌርኩም ከም እተመለስኩምን፡ ንሳቶም ባዕላቶም የውርዩ ኣለዉ፣ እዚ ዝገበርኩም ከኣ፡ ነቲ ህያውን ናይ ሓቅን ኣምላኽ ክትግዝኡን |
|
10 ነቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ እሞ ኻብቲ ዚመጽእ ቍጥዓ ዜናግፈና+ ወዱ የሱስ ካብ ሰማያት ክትጽበዩን+ ኢልኩም ኢኹም። |
|
2 ኣሕዋተየ፡ እቲ ናባኻትኩም ዝገበርናዮ ምብጻሕ፡ ብዘይ ፍረ ኸም ዘይኰነ፡ ብርግጽ ባዕላትኩም ትፈልጡ ኢኹም።+ |
|
2 ከምቲ እትፈልጥዎ ግና፡ ቅድም ኣብ ፊልጲ+ መከራ እኳ እንተ ጸገብናን እንተ ተገፋዕናን፡ ኣብ መንጎ ኽንደይ ተቓውሞ* ብስራት ኣምላኽ+ ክንነግረኩም ብኣምላኽና ተቢዕና ኢና። |
|
3 እቲ እንምዕደኩም ምዕዶስ ካብ ስሕተት ወይስ ካብ ርኽሰት ወይስ ብተንኰል ኣይኰነን፣ |
|
4 የግዳስ፡ ከምቲ እቲ ብስራት ሕድሪ ምእንቲ ኺውሃበና ብኣምላኽ ተመርሚርና ብቑዓት ዝዀንና፡ ንሰብ ዘይኰነስ፡ ነቲ ንልብና ዚምርምር ኣምላኽ ከም እነሐጕስ ኴንና ኸምኡ ንዛረብ ኣለና።+ |
|
5 ከምቲ እትፈልጥዎ፡ ብናይ ሽሕጣን ዘረባ ወይ ብስስዐ ተደሪኽና ኣምሰሉታት ኴንና ኸም ዘይመጻእናኩም፡+ ኣምላኽ ምስክርና እዩ። |
|
6 ሃዋርያት ክርስቶስ ብምዃንና ጾር ክንከውን ንኽእል እኳ እንተ ነበርና፡ ካባኻትኩም ኰነ ወይስ ካብ ካልኦት፡ ኰታስ ካብ ሰብ ክብሪ ኣይደለናን።+ |
|
7 እኳ ደኣስ፡ ከምታ ንደቃ እትሕብሕብ እተጥቡ ኣደ ዄንና፡ ኣብ ማእከልኩም ልኡማት ኢና ኔርና። |
|
8 ንዓኻትኩም ልባዊ ፍቕሪ ስለ ዘሕደርና ኸኣ፡ ገዛእ ርእስና*+ እውን እምበር፡ ብስራት ኣምላኽ ጥራይ ኣይኰንናን ከነካፍለኩም ቈሪጽና* ዝነበርና፣ ምኽንያቱ፡ ኣፍቂርናኩም ኢና።+ |
|
9 ኣሕዋተየ፡ ነቲ ጻዕርናን ልፍዓትናንሲ ትዝክርዎ ኢኹም። ብስራት ኣምላኽ ክንሰብከልኩም ከለና፡ ንሓደ ኻባኻትኩም እኳ ጾር ከይንኸውን ኢልና፡+ ለይትን መዓልትን ንዓዪ ኔርና ኢና። |
|
10 ንዓኻትኩም ንኣመንቲ ኸመይ እሙናትን ጻድቃንን መንቅብ ዘይብሎምን ከም ዝነበርና፡ ንስኻትኩምን ኣምላኽን መሰኻኽር ኢኹም። |
|
11 ከምቲ ኣጸቢቕኩም እትፈልጥዎ፡ ንነፍሲ ወከፍኩም፡+ ከም ኣቦ ንውሉዱ፡+ ንምዕደኩምን ነጸናንዓኩምን ንምስክረልኩምን ኔርና ኢና፣ |
|
12 ከምኡ ዝገበርና ድማ፡ ነቲ ናብ መንግስቱን+ ክብሩን+ ዚጽውዓኩም ኣምላኽ ብቑዓት ኴንኩም ምእንቲ ኽትመላለሱ ኢና።+ |
|
13 ስለዚ ኸኣ ኢና ንሕና እውን ንኣምላኽ ከየቋረጽና እነመስግኖ ዘለና፣+ ስለምንታይሲ፡ ነቲ ኻባና ዝሰማዕኩምዎ፡ ኣባኻትኩም ኣብ ኣመንቲ እውን ዚዓዪ ዘሎ ቓል ኣምላኽ ክትቅበልዎ ኸለኹም፡ ከም ቃል ሰብ ዘይኰነስ፡ ከምቲ ብሓቂ ዝዀኖ፡ ከም ቃል ኣምላኽ ጌርኩም ኢኹም ተቐቢልኩምዎ። |
|
14 ኣሕዋተየ፡ ንስኻትኩምሲ ነተን ኣብ ይሁዳ ዘለዋ ምስ ክርስቶስ የሱስ ሓድነት ዘለወን ጉባኤታት ኣምላኽ መሲልኩምወን ኣለኹም፣ ምኽንያቱ፡ ከምቲ ንሳቶም ብኣይሁድ መከራ ዝጸገቡ፡ ንስኻትኩም እውን ከምኡ ብደቂ ዓድኹም መከራ ጸጊብኩም ኢኹም።+ |
|
15 ንሳቶም ንጐይታና የሱስን+ ንነብያትን እኳ ቐቲሎምዎም እዮም፡ ንዓና እውን ሰጒጎምና እዮም።+ ምስ ጥቕሚ ዅሉ ሰብ ደኣ ይጻረሩ ኣለዉ እምበር፡ ንኣምላኽሲ ኣየሐጕስዎን እዮም ዘለዉ፣ |
|
16 ከመይሲ፡ ኣህዛብ ምእንቲ ኺድሕኑ ኸይንነግሮም ኪኽልክሉና ይፍትኑ እዮም።+ በዚ ኸምዚ፡ ኵሉ ሳዕ ሓጢኣቶም ይምልኡ ኣለዉ። ኣብ መወዳእታ ግና ቍጥዓኡ መጾም።+ |
|
17 ኣሕዋተየ፡ ንሕና ግና ብልቢ ዘይኰነስ፡ ብኣካል ንቝሩብ ግዜ ኻባኻትኩም ምስ ተፈለና፡ ገጽኩም ክንርኢ ኣዚና ስለ እተመነና፡ ብዙሕ ኢና ጽዒርና። |
|
18 ስለዚ፡ ናባኻትኩም ክንመጽእ ድሌት ነይሩና እዩ፣ ኣነ ጳውሎስ እኳ ሓደ ሳዕ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ክልተ ሳዕ ፈቲነ ነይረ፣ ሰይጣን ግና ዓጊቱና። |
|
19 ኣብ ቅድሚ ጐይታና የሱስ፡ ንሱ ኣብዚ ኣብ ዚህልወሉ እዋንሲ፡ ተስፋና ወይ ሓጐስና ወይ ኣኽሊል ፍስሃና መን እዩ፧ ንስኻትኩም ደይኰንኩምን፧+ |
|
20 ንስኻትኩምሲ ኽብርናን ሓጐስናን ኢኹም። |
|
4 ብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተየ፡ ከምቲ ንኣምላኽ ንምሕጓስ ከመይ ጌርኩም ክትመላለሱ ኸም ዚግብኣኩም ካባና ትእዛዝ እተቐበልኩም፡+ ከምቲ እትመላለስዎ እውን ዘለኹም፡ ብዝያዳ ኸምኡ ኽትገብሩ ብጐይታና የሱስ ንልምነኩምን ንምሕጸነኩምን ኣለና። |
|
2 ብጐይታና የሱስ ዝሃብናኩም ትእዛዛትሲ ትፈልጥዎ ኢኹም። |
|
3 ፍቓድ ኣምላኽሲ ኽትቅደሱን+ ካብ ምንዝርና* ኽትርሕቁን እዩ።+ |
|
4 ነፍሲ ወከፍኩም ንሰብነቱ* ብቕድስናን+ ብኽብርን ብኸመይ ከም ዚቈጻጸሮ ይፍለጥ፣+ |
|
5 ከምቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጡ ኣህዛብ+ ብህርፋን ፋሉል ፍትወተ ስጋ+ ድማ ኣይትመርሑ። |
|
6 ሓደ እኳ በዚ ነገር እዚ ኻብ ግቡእ ደረት ኣይሕለፍ፡ ንሓዉ እውን ኣይበለጸሉ፣ ስለምንታይሲ፡ ከምቲ ኣቐዲምና ዝነገርናኩምን ኣጸቢቕና ዘጠንቀቕናኩምን፡ ነቶም ነዚ ነገራት እዚ ዚገብሩ ዘበሉ ዚቐጽዖም የሆዋ* እዩ። |
|
7 ኣምላኽሲ ንቕድስና እምበር፡ ንርኽሰት ኣይጸውዓናን።+ |
|
8 ስለዚ፡ እቲ ዚንዕቕ፡ ነቲ ንዓኻትኩም ቅዱስ መንፈሱ ዚህብ+ ኣምላኽ እምበር፡+ ንሰብ ኣይኰነን ዚንዕቕ ዘሎ። |
|
9 ብዛዕባ ሕውነታዊት ፍቕሪ ግና፡+ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ ኻብ ኣምላኽ ተማሂርኩም ኢኹም እሞ፡ ክንጽሕፈልኩም ኣየድልየናን እዩ።+ |
|
10 ነቶም ኣብ ብዘሎ መቄዶንያ ዘለዉ ዅሎም ኣሕዋት እውን ከምኡ ትገብሩሎም ኣለኹም። ግናኸ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ብዝያዳ ኸምኡ ኽትገብሩ ንምሕጸነኩም ኣለና። |
|
11 ከምቲ ዝኣዘዝናኩም፡ ብህድኣት ክትነብሩን+ ዕዮ ርእስኹም ክትገብሩን+ ብኣእዳውኩም ክትዓይዩን+ ጽዓቱ፣ |
|
12 በዚ ኸምዚ ድማ፡ ካብ ሓደ እኳ ገለ ኸይደለኹም፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ብኣደብ ትመላለሱ።+ |
|
13 ኣሕዋተየ፡ ከምቶም ተስፋ ዘይብሎም ካልኦት ምእንቲ ኸይትሓዝኑ፡+ ብዛዕባ እቶም ሞይቶም* ዘለዉ ዘይትፈልጡ ኽትኰኑ ኣይንደልን ኢና።+ |
|
14 የሱስ ከም ዝሞተን ከም ዝተንስአን ኣሚንና እንተ ዄንናስ፡+ እቶም ብየሱስ ዝሞቱ* እውን ከምኡ፡ ኣምላኽ ምስኡ ኼምጽኦም እዩ።+ |
|
15 ንሕና እቶም ጐይታ ኣብዚ ኽሳዕ ዚህልወሉ እዋን ብህይወት እንጸንሕ ዘበልና፡ ነቶም ዝሞቱ* ኸቶ ኸም ዘይንቕድሞም፡ እዚ ብቓል የሆዋ* ንነግረኩም ኣለና፣ |
|
16 ከመይሲ፡ ጐይታ ባዕሉ ብናይ ትእዛዝ ጻውዒት፡ ብድምጺ ሊቀ መላእኽትን+ ብመለኸት ኣምላኽን ካብ ሰማይ ኪወርድ እዩ፣ እቶም ምስ ክርስቶስ ሓድነት ከለዎም ዝሞቱ ኸኣ፡ ቅድም ኪትንስኡ እዮም።+ |
|
17 ድሕሪኡ፡ ንሕና ብህይወት ዝጸናሕና፡ ንጐይታ ኣብ ኣየር ክንቅበሎ፡+ ምሳታቶም ሓቢርና ብደበና ኽንምንዛዕ ኢና፣+ በዚ ኸምዚ፡ ንሓዋሩ ምስ ጐይታ ኽንከውን ኢና።+ |
|
18 ስለዚ፡ በዘን ቃላት እዚአን ንሓድሕድኩም ተጸናንዑ። |
|
5 ኣሕዋተየ፡ ብዛዕባ ግዜያትን እዋናትን ኪጽሓፈልኩም ኣየድልን እዩ። |
|
2 ከመይሲ፡ መዓልቲ የሆዋ*+ ኸምቲ ሰራቒ ብለይቲ ዚመጾ ዀይና ኸም እትመጽእ፡ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ኣጸቢቕኩም ትፈልጡ ኢኹም።+ |
|
3 “ሰላምን ደሓንን!” ኪብሉ ኸለዉ፡ ንጥንስቲ ቕልውላው ከም ዚሕዛ፡ ሽዑ ሃንደበታዊ ጥፍኣት ብድንገት ይመጾም፣+ ከቶ እውን ኣይኬምልጡን እዮም። |
|
4 ንስኻትኩም ግና፡ ኣሕዋተየ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ኸም ንሰረቕቲ ኸይትመጸኩምሲ፡ ኣብ ጸልማት ኣይኰንኩምን፣ |
|
5 ከመይሲ፡ ኵላትኩም ደቂ ብርሃንን ደቂ መዓልትን ኢኹም።+ ንሕናስ ናይ ለይትን ናይ ጸልማትን ኣይኰንናን።+ |
|
6 እምበኣር፡ ንንቃሕን+ ቀልብና ንሓሉን+ እምበር፡ ከም ካልኦት ኣይንደቅስ።+ |
|
7 እቶም ዚድቅሱስ ብለይቲ እዮም ዚድቅሱ፣ እቶም ዚሰኽሩ እውን ብለይቲ እዮም ዚሰኽሩ።+ |
|
8 ንሕና ግና ናይ መዓልቲ ኻብ ኰንናስ፡ ድርዒ እምነትን ፍቕርን ለቢስና፡ ተስፋ ድሕነት እውን ከም ቍራዕ ርእሲ ጌርና ቐልብና ንሓሉ፣+ |
|
9 ከመይሲ፡ ኣምላኽ፡ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ድሕነት ክንረክብ እምበር፡+ ንቝጥዓ ኣይመደበናን። |
|
10 የሱስ፡ እንተ ነቒሕና ወይስ እንተ ደቂስና፡* ምስኡ ሓቢርና ብህይወት ምእንቲ ኽንነብር ኢሉ፡+ ምእንታና ሞይቱ እዩ።+ |
|
11 ስለዚ፡ ከምቲ እትገብርዎ ዘለኹም፡ ንሓድሕድኩም ተተባብዑን* ተሃናነጹን።+ |
|
12 ኣቱም ኣሕዋትና፡ ነቶም ኣብ መንጎኹም ዚጽዕሩን ብጐይታ ዚመርሑኹምን ዚምዕዱኹምን ከተኽብርዎም ንልምነኩም ኣለና፣ |
|
13 ስለቲ ዕዮኦም፡ ብፍቕሪ ኣብሊጽኩም ኣኽብርዎም።+ ንሓድሕድኩም እውን ብሰላም ንበሩ።+ |
|
14 ኣቱም ኣሕዋትና፡ ብዘይ ስርዓት ንዚመላለሱ ኣጠንቅቕዎም፡*+ ንእተጨነቑ* ኣጸናንዕዎም፡ ንድኹማት ደግፍዎም፡ ንዅሎም ተዓገስዎም ኢልና ንምሕጸነኩም ኣለና።+ |
|
15 ሓደ እኳ ንኻልእ ክፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ከይፈድዮ ተጠንቀቑ፣+ ግናኸ፡ ኵሉ ሳዕ ንሓድሕድኩምን ንዅሉን ሰናይ ክትገብሩ ተጋደሉ።+ |
|
16 ኵሉ ሳዕ ተሓጐሱ።+ |
|
17 ከየቋረጽኩም ጸልዩ።+ |
|
18 ብዅሉ ኣመስግኑ።+ ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ ብዛዕባኹም ዘለዎ ፍቓድ እዚ እዩ። |
|
19 ሓዊ መንፈስ ኣይተጥፍኡ።+ |
|
20 ትንቢት ኣይትንዓቑ።+ |
|
21 ንዅሉ መርምርዎ፣+ ነቲ ሰናይ ኣጽኒዕኩም ሓዝዎ። |
|
22 ካብ እከይ ዘበለ ዅሉ ርሓቑ።+ |
|
23 ኣምላኽ ሰላም ባዕሉ ምሉእ ብምሉእ ይቐድስኩም። ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ኣብ ዚህልወሉ እዋን መንፈስኩምን ነፍስኹምን* ሰብነትኩምን ብምሉኡ ጥዑይ ኰይኑ ብዘይ መንቅብ ይተሓሎ።+ |
|
24 እቲ ዚጽውዓኩም ዘሎ እሙን እዩ፣ ንሱ እውን ኪገብሮ እዩ። |
|
25 ኣቱም ኣሕዋትና፡ ምእንታና ብቐጻሊ ጸልዩ።+ |
|
26 ንዅሎም ኣሕዋት ብቕዱስ ምስዓም ሰላም በልዎም። |
|
27 እዛ ደብዳበ እዚኣ ንዅሎም ኣሕዋት ክትንበብ፡ ብጐይታ እምሕጸነኩም ኣለኹ።+ |
|
28 ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምሳኻትኩም ይኹን። |
|
3 ብዝተረፈስ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ቃል የሆዋ* ኸምቲ ኣባኻትኩም ኰይንዎ ዘሎ ብፍጥነት ኪዝርጋሕን+ ኪኸብርንሲ ብቐጻሊ ጸልዩልና።+ |
|
2 እምነት ናይ ኵሉ ሰብ ኣይኰነትን እሞ፡+ ካብ ጐዳእትን እኩያትን ሰባት ምእንቲ ኽንናገፍ+ እውን ጸልዩልና። |
|
3 ጐይታ ግና እሙን እዩ፣ ንሱ እውን ኬበርትዓኩምን ካብቲ እኩይ ኪሕልወኩምን እዩ። |
|
4 ነቲ እንእዝዘኩም ከኣ ትገብርዎ ኸም ዘለኹምን ብሕጂ ኸም እትገብርዎን፡ ብዛዕባኹም ብጐይታ ንተኣማመን ኢና። |
|
5 ጐይታ ድማ ንልብኹም ናብ ፍቕሪ ኣምላኽን+ ናብ ተጻዋርነት+ ክርስቶስን የቕንዓዮ። |
|
6 ኣቱም ኣሕዋትና፡ በቲ ኻባና እተቐበልኩምዎ* ስርዓት* ዘይኰነስ፡+ ብዘይ ስርዓት ካብ ዚመላለስ+ ዘበለ ሓው ክትርሕቑ ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንእዝዘኩም ኣለና። |
|
7 ኣብ መንጎኹም ብዘይ ስርዓት ስለ ዘይተመላለስና፡ ከመይ ጌርኩም ክትመስሉና ኸም ዚግብኣኩም ትፈልጡ ኢኹም።+ |
|
8 ንሓደ ኻባኻትኩም እኳ ጾር ከይንኸውን ኢልና፡ ለይትን መዓልትን ብጻዕርን ብልፍዓትን ደኣ ኢና ዓዪና እምበር፡+ ካብ ሓደ እኳ ብናጻ* እንጌራ ኣይበላዕናን።+ |
|
9 ስልጣን ስለ ዘይብልና ዘይኰነስ፡+ ንዓና ምእንቲ ኽትመስሉ፡ ኣርኣያ ኽንኰነኩም ደሊና ኢና ኸምኡ ዝገበርና።+ |
|
10 ምሳኻትኩም ከለና እውን፡ “ገለ ሰብ ኪዓዪ ዘይደሊ እንተ ዀይኑ፡ ኣይብላዕ” ኢልና ንእዝዘኩም ኔርና ኢና።+ |
|
11 ከመይሲ፡ ገለ ኻባኻትኩም ብዘይ ስርዓት ከም ዚመላለሱ፡+ ኣብ ዘይምልከቶም ከም ዚኣትዉ እምበር፡ ከም ዘይዓይዩ፡ ንሰምዕ ኣለና።+ |
|
12 ነዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ፡ ብህድኣት እናዓየዩ እንጌራኦም ኪበልዑ፡ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንእዝዞምን ንምዕዶምን ኣለና።+ |
|
13 ኣቱም ኣሕዋትና፡ ንስኻትኩምሲ ሰናይ ንምግባር ኣይትሰልክዩ። |
|
14 ሓደ እኳ ነቲ በዛ ደብዳበ እዚኣ እንብሎ ቓልና ዘይእዘዝ እንተሎ፡ ምእንቲ ኺሓፍርሲ፡ ምልክት ግበሩሉ፡* ደጊም ምስኡ እውን ኣይትሕበሩ።+ |
|
15 ግናኸ፡ ከም ሓው ደኣ ምዓድዎ እምበር፡ ከም ጸላእስ ኣይትቝጸርዎ።+ |
|
16 ጐይታ ሰላም ባዕሉ ብዅሉ መገዲ ዅሉ ሳዕ ሰላም ይሃብኩም።+ ጐይታ ምስ ኵላትኩም ይኹን። |
|
17 እዛ ሰላምታ እዚኣ፡ ኣነ ጳውሎስ ባዕለይ ብኢደይ ዝጸሓፍክዋ እያ፣+ እዚኣ ኣብ ኵለን ደብዳበታተይ ምልክት እያ፣ ከምዚ እየ ዝጽሕፍ። |
|
18 ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ ኵላትኩም ይኹን። |
|
1 ካብ ጳውሎስን ስልዋኖስን* ጢሞቴዎስን፡+ ናብታ ምስ ኣቦና ኣምላኽን ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ሓድነት ዘለዋ ጉባኤ ተሰሎንቄ፦ |
|
2 ካብ ኣቦና ኣምላኽን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይኹነልኩም። |
|
3 ኣቱም ኣሕዋትና፡ እምነትኩም ኣዝያ ስለ ዝዓበየትን ፍቕሪ ነፍሲ ወከፍኩም ኣብ ንሓድሕድኩም ስለ ዝወሰኸትን፡ ብዛዕባኹም ኵሉ ሳዕ ንኣምላኽ ከነመስግኖ ይግብኣና እዩ።+ |
|
4 ስለዚ፡ ንሕና ባዕልና በቲ ኣብ ኵሉ ጾይርኩምዎ ዘለኹም መስጐጕትኹምን ጸበባኹምን+ ዘርኣኹምዎ ተጻዋርነትን እምነትን ኣብ መንጎ ጉባኤታት ኣምላኽ ብኣኻትኩም ንምካሕ ኣለና።+ |
|
5 እዚ ናይቲ ቕኑዕ ፍርዲ ኣምላኽ መርትዖ እዩ፣ ነታ መከራ እትጸግቡላ ዘለኹም መንግስቲ ኣምላኽ ብቑዓት ኴንኩም ከም እትቝጸሩ ድማ ይገብር።+ |
|
6 ነቶም ዜጽብቡልኩም ዘለዉ ጸበባ ኺፈድስ፡ ኣብ ኣምላኽ ቅኑዕ እዩ።+ |
|
7 ንዓኻትኩም ንዝጸበበኩም ግና፡ ጐይታና የሱስ ካብ ሰማይ ምስ ሓያላት መላእኽቲ+ ኺግለጽ ከሎ፡+ ምሳና ዕረፍቲ ኺውሃበኩም እዩ። |
|
8 ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ነቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጥዎን ንብስራት ጐይታና የሱስ ዘይእዘዝዎን ብሃልሃልታ ሓዊ ሕነ ኺፈድዮም እዩ።+ |
|
9 እዚኣቶም ካብ ቅድሚ ጐይታን ካብ ክብሪ ሓይሉን ርሒቖም፡ ብናይ ዘለኣለም ጥፍኣት ኪቕጽዑ እዮም፣+ |
|
10 እዚ ድማ ምስ ቅዱሳቱ ኪኸብርን በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ኵሎም እቶም ዝኣመኑ ኸም ግሩም ጌርካ ኺርአን ኣብ ዚመጸሉ ግዜ ኪኸውን እዩ። ከመይሲ፡ እቲ ዝመስከርናዮ፡ ኣባኻትኩም ተኣሚኑ እዩ። |
|
11 ምእንቲ እዚ ድማ፡ ኣምላኽና ንጽውዓኡ ብቑዓት ገይሩ ኪቘጽረኩም፡+ ኵሉ እቲ ዚደልዮ ሰናይን* ኵሉ ግብሪ እምነትን እውን ብሓይሉ ምሉእ ብምሉእ ኪፍጽም፡ ብዛዕባኹም ኵሉ ሳዕ ንጽሊ ኣለና። |
|
12 እዚ ኸኣ ከም መጠን ጸጋ ኣምላኽናን ጐይታና የሱስ ክርስቶስን፡ ስም ጐይታና የሱስ ኣባኻትኩም ምእንቲ ኪኽበር፡ ንስኻትኩም እውን ምስኡ ብዘሎኩም ሓድነት ምእንቲ ኽትከብሩ እዩ። |
|
2 ግናኸ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ብዛዕባ እቲ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ዚህልወሉን+ ንሕና ናብኡ እንእከበሉን እዋን፡+ እዚ ንልምነኩም ኣለና፦ |
|
2 መዓልቲ የሆዋ*+ መጺኣ ኣላ ኢልኩም፡ ብድራኸ መንፈስ ብዚዝረብ ዘረባ፡*+ ወይ ብቓል፡ ወይ ካባና ብእትመስል ደብዳበ፡ ካብ ሓሳብኩም ቀልጢፍኩም ኣይትናወጹ፡ ወይ እውን ኣይትሰምብዱ። |
|
3 ቅድም ክሕደት ከይኰነ፡+ እቲ ጠሓስ ሕጊ ዝዀነ ሰብ፡+ እቲ ወዲ ጥፍኣት+ ድማ ከይተገልጸ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ስለ ዘይትመጽእ፡ ብዝዀነ ይኹን ሓደ እኳ ኣየስሕትኩም። |
|
4 ንሱ ባዕሉ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ገይሩ እናኣርኣየ፡ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ምእንቲ ኪቕመጥ፡ ኣምላኽ ኣብ ዚብሃል ወይ ኣብ ዚምለኽ ዘበለ ዅሉ ርእሱ ልዕል ዜብል ተጻራሪ እዩ። |
|
5 ኣነ ገና ምሳኻትኩም ከለኹ፡ እዚ እነግረኩም ከም ዝነበርኩ ኣይትዝክርዎን ዲኹም፧ |
|
6 ብግዜኡ ምእንቲ ኺግለጽሲ፡ እቲ ሕጂ ዚኽልክሎ ዘሎ ትፈልጥዎ ኢኹም። |
|
7 ምስጢር እዚ ጥሕሰት ሕጊ እዝስ ይዓዪ ኣሎ፣+ እዚ ግና፡ እቲ ዚኽልክሎ ዘሎ ኻብ መገዱ ኽሳዕ ዜልግስ ጥራይ እዩ። |
|
8 ሽዑ ኸኣ፡ እቲ ጠሓስ ሕጊ ኺግለጽ እዩ፣ ንዕኡ እውን ጐይታና የሱስ ብመንፈስ ኣፉ ኼጥፍኦን+ ብምግሃድ እቲ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን ከንቱ ኺገብሮን እዩ።+ |
|
9 እቲ ጠሓስ ሕጊ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን ግና፡ ብዅሉ ግብሪ ሓይልን ብናይ ሓሶት ትእምርትታትን ተኣምራትን+ ብተግባር ሰይጣን+ እዩ ዚኸውን፣ |
|
10 እቶም ዚጠፍኡ፡ ንድሕነቶም ዚኸውን ፍቕሪ ሓቂ ስለ ዘይተቐበሉ ድማ፡ ሽዑ ንዓታቶም ከም ፍዳ ብዅሉ ጥበራ ዓመጻ+ የታልሎም እዩ። |
|
11 ስለዚ ኸኣ እዩ ኣምላኽ፡ ንሓሶት ምእንቲ ኺኣምኑ፡ ብዜታልል ጽልዋ ኺስሕቱ ዝሓደጎም፣+ |
|
12 ከምኡ ዝገበረ ድማ፡ ንሓቂ ስለ ዘይኣመኑ፡ የግዳስ ብዓመጻ ባህ ስለ ዝበሎም፡ ኵሎም ምእንቲ ኺፍረዱ እዩ። |
|
13 ግናኸ፡ ኣቱም ብየሆዋ* እተፈቐርኩም ኣሕዋትና፡ ኣምላኽ ካብ መጀመርታ ብመንፈሱ ብምቕዳስን+ በታ ኣብ ሓቂ ዘላትኩም እምነትን ንድሕነት ስለ ዝሓረየኩም፡+ ብዛዕባኹም ኵሉ ሳዕ ንኣምላኽ ከነመስግኖ ይግብኣና እዩ። |
|
14 ክብሪ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ በቲ ዘበሰርናኩም ብስራት ገይሩ ናብዚ ጸዊዑኩም እዩ።+ |
|
15 እምበኣር፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ጽንዑ፡+ ነቲ ብቓልና ወይስ ብደብዳበታትና እተመሃርኩምዎ ስርዓታት ሓዝዎ።+ |
|
16 ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ባዕሉን እቲ ዘፍቀረና፡+ ብጸጋ እውን ናይ ዘለኣለም ምጽንናዕን ጽቡቕ ተስፋን+ ዝሃበና ኣቦና ኣምላኽን |
|
17 ብዅሉ ሰናይ ግብርን ብቓልን ንልብኹም የጸናንዕዎን የጽንዕዎን።* |
|
3 እዚ ቓል እዚ እሙን እዩ፦ ሓደ እኳ ሓላዊ ኪኸውን እንተ ተመጣጢሩ፡+ ሰናይ ግብሪ ይምነ ኣሎ። |
|
2 እምበኣር፡ እቲ ሓላዊ ዘይውቀስ፡ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ወረጃ፡* ለባም፡*+ ስርዓት ዚሕሉ፡ ተቐባል ጋሻ፡+ ንምስትምሃር ብቑዕ፡+ |
|
3 ዘይሰክር፡+ ዘይዋቓዕ፡* ልዙብ፡*+ ዘይብኣስ፡+ ፈታው ገንዘብ ዘይኰነ፡+ |
|
4 ንቤተ ሰቡ ጽቡቕ ገይሩ ዜስተናብር፡* ብዅሉ ርዝነት ዚግዝኡ ውሉዳት ዘለውዎ ይኹን።+ |
|
5 (ሓደ ሰብ ንቤተ ሰቡ ኼስተናብር* ካብ ዘይክእልሲ፡ ንጉባኤ ኣምላኽ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኺከናኸና ይኽእል፧) |
|
6 ብትዕቢት ተነፊሑ፡ ናብቲ ንድያብሎስ እተፈርዶ ፍርዲ ምእንቲ ኸይወድቕ፡ ሓድሽ ወደ መዝሙር ኣይኹን።+ |
|
7 ኣብ ጸርፍን* ኣብ መፈንጠራ ድያብሎስን ምእንቲ ኸይወድቕ ከኣ፡ ካብቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ብጽቡቕ እተመስከረሉ* ኪኸውን ይግባእ።+ |
|
8 ኣገልገልቲ ጉባኤ እውን ከምኡ፡ ረዘንቲ፡ ሰብ ክልተ ልሳን ዘይኰኑ፡ ብዙሕ ወይኒ ንምስታይ ዘየድህቡ፡ ዘይግቡእ ረብሓ ንምርካብ ዘይሃርፉ፡+ |
|
9 ቅዱስ ምስጢር እታ እምነት ብንጹህ ሕልና ዚሕዙ ኪዀኑ ይግባእ።+ |
|
10 እዚኣቶም እውን ቅድም ብቕዓቶም ይመርመር፣ ሽዑ፡ ዚንቀፉሉ ዘይብሎም ክሳዕ ዝዀኑ፡ የገልግሉ።+ |
|
11 ኣንስቲ እውን ከምኡ፡ ረዘንቲ፡ ዘይሓመይቲ፡+ ወራዙት፡* ብዅሉ እውን እሙናት ኪዀና ይግባእ።+ |
|
12 ኣገልገልቲ ጉባኤ፡ ሰብ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ደቆምን ቤተ ሰቦምን ጽቡቕ ገይሮም ዜስተናብሩ ይኹኑ። |
|
13 ከመይሲ፡ እቶም ጽቡቕ ገይሮም ዜገልግሉ፡ ጽቡቕ ስምን ብእምነት ክርስቶስ የሱስ ንምዝራብ ዜኽእል ብዙሕ ትብዓትን ይረኽቡ እዮም። |
|
14 ናባኻ ቐልጢፈ ኽመጽእ ተስፋ እናገበርኩ፡ እዚ እጽሕፈልካ ኣለኹ። |
|
15 እንተ ደንጕየ ግና፡ ኣብ ቤተ ሰብ ኣምላኽ፡+ ማለት ኣብታ ናይታ ሓቂ ዓንድን ደገፍን ዝዀነት ጉባኤ ህያው ኣምላኽ፡ ብኸመይ ክትመላለስ ከም ዚግብኣካ ምእንቲ ኽትፈልጥ እየ እዚ ዝጸሓፍኩልካ። |
|
16 እወ፡ እቲ ቕዱስ ምስጢር እዚ ንኣምላኽ ዘሎና ተወፋይነት ኣማን ብኣማን ዓብዪ እዩ፦ ‘ንሱ ብስጋ ተጋሂዱ፡+ ብመንፈስ ጸዲቑ፡+ ንመላእኽቲ ተራእዩ፡+ ኣብ ኣህዛብ ተሰቢኹ፡+ ኣብ ዓለም ተኣሚኑ፡+ ብኽብሪ ዓሪጉ እዩ።’ |
|
1 ካብቲ ብትእዛዝ ኣምላኽ መድሓኒናን ክርስቶስ የሱስ ተስፋናን+ ሃዋርያ ክርስቶስ የሱስ ዝዀነ ጳውሎስ፡ |
|
2 ናብቲ ብእምነት ናይ ሓቂ ወደይ+ ዝዀነ ጢሞቴዎስ፦*+ ካብ ኣቦና ኣምላኽን ካብ ጐይታና ክርስቶስ የሱስን ጸጋን ምሕረትን ሰላምን ይኹነልካ። |
|
3 ከምቲ ናብ መቄዶንያ ክኸይድ ምስ በልኩ ኣብ ኤፌሶን ክትጸንሕ ዘተባባዕኩኻ፡ ገሊኦም እተፈልየ ትምህርቲ ኸይምህሩ ምእንቲ ኽትእዝዝ፡ ሕጂ እውን ከምኡ እብለካ ኣለኹ። |
|
4 ናብ ጽውጽዋያትን+ ናብ ቍጽሪ ወለዶታትን ከየቕልቡ እውን ኣዝዝ። እዚ ነገራት እዚ ኣብ መወዳእታኡ ዚረብሕ ነገር የብሉን፣+ ንእምነት ብዚምልከት ካብ ኣምላኽ ገለ እኳ ኣብ ክንዲ ዜምጽእ፡ ግምታት ጥራይ እዩ ዜላዕል። |
|
5 ዕላማ እዚ ትእዛዝ እዚ፡ ካብ ንጹህ ልብን ካብ ሰናይ ሕልናን ግብዝና ኻብ ዘይብላ እምነትን+ እትርከብ ፍቕሪ+ እዩ። |
|
6 ገሊኦም ካብዚ ዘምቢሎም ናብ ዘረባ ሃተውተው ኣላጊሶም ኣለዉ።+ |
|
7 ነቲ ዚብልዎ ወይስ ነቲ ብምትእምማን ኣትሪሮም ዚዛረቡሉ ነገር ዘይርድእዎ ኽነሶምሲ፡ መምህራን ሕጊ ኪዀኑ እዮም ዚደልዩ።+ |
|
8 እቲ ሕጊ ብግቡእ* ኣብ ተግባር እንተ ውዒሉ፡ ሰናይ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። |
|
9 ሕጊ ንጻድቕ ከም ዘይተሰርዐ ንፈልጥ ኢና፣ የግዳስ፡ ንጠሓስቲ ሕግን+ ንዓለወኛታትን፡ ንኣምላኽ ንዘይፈርሁን ንሓጥኣንን፡ ንዘይእሙናት፡* ንርኹሳት፡ ንቐተልቲ ኣቦታቶምን ንቐተልቲ ኣዴታቶምን፡ ንቐተልቲ ነፍሲ፡ |
|
10 ንኣመንዝራታት፡* ግብረ ሶዶም ንዚገብሩ፡* ንጨወይቲ፡ ንሓሰውቲ፡ ብሓሶት ንዚምሕሉ፡ ምስቲ ጥዑይ* ትምህርቲ+ ንዚጻረር ካልእ እውን እዩ ተሰሪዑ። |
|
11 እዚ ድማ ከምቲ ንዓይ ሕድሪ እተዋህበኒ ኽቡር ብስራት እቲ ሕጉስ ኣምላኽ እዩ።+ |
|
12 ኣነ ነቲ ሓይሊ ዝሃበኒ ጐይታና ክርስቶስ የሱስ አመስግኖ እየ። ከመይሲ፡ ንኣገልግሎት ብምምዳብ፡ ከም እሙን ቈጺሩኒ እዩ።+ |
|
13 ቀደም ተጻራፍን ሰጓጕን ነቓጽን ዝነበርኩ ኽነሰይ፡+ ብዘይ ፍልጠትን ብዘይ እምነትን ስለ ዝገበርክዎ፡ ተማሒረ እየ። |
|
14 ጸጋ ጐይታና ድማ ምስቲ ብክርስቶስ የሱስ ዝዀነ እምነትን ፍቕርን ብዘይ ልክዕ ዓዚዙ እዩ። |
|
15 እዚ ቓል እዚ እሙንን ምሉእ ተቐባልነት ዚግብኦን እዩ፦ ክርስቶስ የሱስ ንሓጥኣን ኬድሕን እዩ መጺኡ።+ ካባታቶም እውን ኣነ ኣውራ እየ።+ |
|
16 ግናኸ፡ ክርስቶስ የሱስ ብኣይ ብኣውራ ገይሩ ነቶም ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምርካብ ብእኡ ዚኣምኑ ዘበሉ፡+ ኵሉ ዓቕሉ ኸም ኣብነት ምእንቲ ኼርኢ፡ በዚ ምኽንያት እዚ እየ እተመሓርኩ። |
|
17 ነቲ ናይ ዘለኣለም ንጉስ፡+ ዘይሓልፍ፡+ ዘይርአ+ ሓደ ኣምላኽ፡+ ንዘለኣለመ ኣለም ክብርን ግርማን ይኹኖ። ኣሜን። |
|
18 ኣታ ጢሞቴዎስ ወደይ፡ ከምቲ ብዛዕባኻ እተነግረ ትንቢታት፡ በዚ ጽቡቕ ውግእ ምእንቲ ኽትዋጋእ፡+ እዚ ትእዛዝ እዚ አማዕቍበካ ኣለኹ። |
|
19 እምነትን ሰናይ ሕልናን ሓዝ፣+ ገሊኦም ንሕልናኦም ስለ ዝደርበይዎ፡ እምነቶም ከም እተሰብረት መርከብ ኰይና ጠፊኣ ኣላ። |
|
20 ሄሜኔዎስን+ እስክንድሮስን ካባታቶም እዮም፣ ንዓታቶም ድማ ብተግሳጽ ምእንቲ ኺምሃሩ እምበር፡ ከይጻረፉ ንሰይጣን ኣሕሊፈ ሂበዮም ኣለኹ።+ |
|
2 ቅድሚ ዅሉ እምበኣር፡ ምህለላን ጸሎትን ማልዶትን ምስጋናን ምእንቲ ዅሉ ዓይነት ሰብ፡ |
|
2 ምእንቲ ነገስታትን ምእንቲ ዅሎም ሰበ ስልጣንን እውን ኪቐርብ እምዕድ ኣለኹ።+ ንኣምላኽ ብዘሎና ምሉእ ተወፋይነትን ብምሉእ ርዝነትን፡ ብህድኣትን ብርግኣትን ምእንቲ ኽንነብር ኢና ኸምኡ እንገብር።+ |
|
3 እዚ ኣብ ቅድሚ እቲ መድሓኒና ኣምላኽ+ ሰናይን ቅቡልን እዩ፣ |
|
4 ንሱ፡ ኵሉ ዓይነት ሰብ ኪድሕንን+ ናብ ልክዕ ፍልጠት ሓቂ ኺመጽእን እዩ ዚደሊ። |
|
5 ኣምላኽሲ ሓደ እዩ፣+ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰባትን ከኣ፡+ ሓደ መንጎኛ እዩ ዘሎ፣+ ንሱ ድማ እቲ ሰብ ዝዀነ ክርስቶስ የሱስ እዩ።+ |
|
6 ኣብ ክንዲ ዅሉ* እውን ገዛእ ርእሱ ተመዓራራዪ በጃ ገይሩ ሂቡ እዩ፣+ ብዛዕባ እዚ ኸኣ እዩ ብግዜኡ ዚምስከር። |
|
7 ምእንቲ እዚ ምስክር እዚ ድማ፡+—ሓቂ እብል ኣለኹ፡ ኣይሕሱን እየ፡—ሰባኽን ሃዋርያን፡+ ማለት ብዛዕባ እምነትን ሓቅን መምህር ኣህዛብ+ ኰይነ ተሸይመ እየ። |
|
8 እምበኣር፡ ሰብኡት ብዘይ ቍጥዓን+ ክትዕን+ እሙናት ኣእዳው ኣልዒሎም፡+ ኣብ ኵሉ ቦታ ብቐጻሊ ኺጽልዩ እደሊ ኣለኹ። |
|
9 ኣንስቲ እውን ከምኡ ብቝኖ፡ ብወርቂ፡ ብሉል፡ ወይስ ብኣዝዩ ኽቡር ክዳውንቲ ዘይኰነስ፡ ትሕትናን ልብምናን* ብዜርኢ ግቡእ* ክዳውንቲ፡+ |
|
10 ንኣምላኽ ተወፋይነት ንዘለወን ኣንስቲ ኸም ዚግባእ፡+ ማለት ብሰናይ ግብሪ ይሰለማ። |
|
11 ሰበይቲ ብዅሉ እናተገዝአት ብጸጥታ* ትመሃር።+ |
|
12 ሰበይቲ ብጸጥታ* ኽትነብር እምበር፡ ክትምህር ወይስ ኣብ ሰብኣይ ስልጣን ኪህልዋ ኣይፈቅድን እየ።+ |
|
13 ከመይሲ፡ ቅድም ኣዳም እዩ ተገይሩ፣ ደሓር ከኣ ሄዋን።+ |
|
14 ኣዳም ኣይተታለለን፣ እታ ሰበይቲ ግና ኣጸቢቓ ተታሊላስ+ ኣቢሳ እያ። |
|
15 ሰበይቲ ብእምነትን ብፍቕርን ብቕድስናን ምስ ልብምና*+ እንተ ጸኒዓ ግና፡ ብምውላድ ውሉድ ደሓን ክትከውን እያ።*+ |
|
4 በቲ ዳሕራይ እዋናት ግና፡ ገሊኦም ብድራኸ መንፈስ ናብ ዚዝረብ ዜስሕት ዘረባታትን*+ ናብ ትምህርትታት ኣጋንንትን እናኣቕለቡ፡ ካብ እምነት ከም ዚወድቁ፡ እቲ ብድራኸ መንፈስ እተዘርበ ቓል* ብንጹር ይብል እዩ። |
|
2 እዚ ድማ ብግብዝና እቶም ሕልናኦም ከም ብመዓለም ዝሓረረ ሓሰውቲ እዩ ዚኸውን።+ |
|
3 ንሳቶም መውስቦ ይኽልክሉ፡+ እቲ ኣምላኽ በቶም ዚኣምኑን+ ንሓቂ ብልክዕ ዚፈልጡን ብምስጋና ኺብላዕ ዝፈጠሮ+ ብልዒ ሕሩም ኪኸውን ከኣ ይእዝዙ እዮም።+ |
|
4 ኵሉ ፍጥረት ኣምላኽሲ ጽቡቕ እዩ፣+ ብምስጋና እንተ ተቐቢልካዮ ኸኣ፡ ገለ እኳ ዚድርበ የብሉን፣+ |
|
5 ከመይሲ፡ ብቓል ኣምላኽን ብጸሎትን ተቐዲሱ እዩ። |
|
6 ነቶም ኣሕዋት እዚ ምኽሪ እዚ ብምሃብ፡ ቃላት እምነትን ነቲ ጠቢቕካ ዝሰዓብካዮ ጽቡቕ ትምህርትን እተመገበ ሕያዋይ ኣገልጋሊ ክርስቶስ የሱስ ክትከውን ኢኻ።+ |
|
7 ግናኸ፡ ነቲ ኸም ናይ ኣረገውቲ ኣንስቲ ዝኣመሰለ ኣኽብሮት ዝጐደሎ ጽውጽዋያት ኣርሕቆ።+ ብዘይካዚ፡ ንኣምላኽ ዘሎካ ተወፋይነት ከም ሸቶኻ ጌርካ ርእስኻ ኣሰልጥን። |
|
8 ከመይሲ፡ ኣካላዊ ስልጠና ንቝሩብ እዩ ዚጠቅም፣ ንኣምላኽ ዘሎካ ተወፋይነት ግና ነዛ ሕጂ ዘላ ህይወትን ነታ እትመጽእ ህይወትን ተስፋ ስለ ዘለዎ፡ ንዅሉ እዩ ዚጠቅም።+ |
|
9 እዚ ቓል እዚ እሙንን ምሉእ ተቐባልነት ዚግብኦን እዩ። |
|
10 ተስፋና ኣብቲ ንዅሉ ዓይነት ሰብ፡+ ምናዳ ንእሙናት፡ ዜድሕን+ ህያው ኣምላኽ ስለ ዝገበርና ኸኣ ኢና እንጽዕርን እንጋደልን ዘለና።+ |
|
11 እዚ ኣዝዝን ምሃርን። |
|
12 ሓደ እኳ ንንእስነትካ ኣይንዓቃ። የግዳስ፡ ነቶም እሙናት፡ ብቓል፡ ብኣካይዳ፡ ብፍቕሪ፡ ብእምነት፡ ብንጽህና ኣርኣያ ኹኖም። |
|
13 ኣነ ኽሳዕ ዝመጽእ፡ ንህዝቢ ኣብ ምንባብን+ ኣብ ምምዓድን* ኣብ ምምሃርን ትጋህ። |
|
14 ነቲ ብትንቢትን ብምንባር ኣእዳው ሽማግለታትን+ እተዋህበካ ኣባኻ ዘሎ ውህበት ዕሽሽ ኣይትበሎ። |
|
15 ብዛዕባ እዚ ኣጸቢቕካ ሕሰብ፣* ዕቤትካ ንዅሉ ርኡይ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ነዚ ነገር እዚ ዅለንትናኻ ወፊ። |
|
16 ኣብ ርእስኻን ኣብቲ እትምህሮ ትምህርትን ኣተኵር።+ ኣብዚ ነገር እዚ ጽናዕ፣ እዚ እንተ ጌርካስ፡ ንርእስኻን ነቶም ዚሰምዑኻን ከተድሕን ኢኻ።+ |
|
6 እቶም ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ባርነት ዘለዉ፡ ስም ኣምላኽን እቲ ትምህርትን ምእንቲ ኸይጽረፍሲ፡+ ነቶም ዋናታቶም ምሉእ ክብሪ ኸም ዚግብኦም ገይሮም ይቝጸርዎም።+ |
|
2 እቶም ዚኣምኑ ዋናታት ዘለውዎም፡ ኣሕዋቶም ስለ ዝዀኑ፡ ኣይንዓቕዎም። እኳ ደኣስ፡ እቶም በቲ ጽቡቕ ኣገልግሎቶም ዚጥቀሙ ኣመንትን ፍቑራትን ስለ ዝዀኑ፡ ብዝበለጸ ይገዝእዎም። እዚ ነገር እዚ ምሃርን ምዓድን። |
|
3 ሓደ እኳ ኻልእ ትምህርቲ እንተ ምሂሩ፡ ምስቲ ኻብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ዝዀነ ጥዑይ* ትእዛዝን+ ምስቲ ንኣምላኽ ምስ ዘሎካ ተወፋይነት ዚሰማማዕ ትምህርትን ከኣ እንተ ዘይተሰማሚዑ፡+ |
|
4 ንሱ ብትዕቢት እተነፍሐ ሓንቲ እኳ ዘይርዳእ እዩ።+ ብኽትዕን ብዛዕባ ቓላት ብምክርኻርን እውን ዝሓመመ እዩ።+ ካብዚ እዩ ቕንኢ፡ ባእሲ፡ ሕሜት፡* ክፉእ ጥርጣረ፡ |
|
5 እቶም ኣእምሮኦም እተበላሸወን+ ሓቂ ዝሓረሞምን ዚብልዎ መኘኽኘኽ ዚመጽእ። እዚኣቶም፡ ንኣምላኽ ዘሎካ ተወፋይነት መርብሒ ኸም ዝዀነ እዩ ዚመስሎም።+ |
|
6 ንኣምላኽ ዘሎካ ተወፋይነት ምስ ዕግበትሲ* ብርግጽ ዓብዪ ረብሓ ኣለዎ።+ |
|
7 ከመይሲ፡ ናብ ዓለም ሓንቲ እኳ ኣየምጻእናን፡ ሓንቲ እውን ክንወስድ ኣይንኽእልን ኢና።+ |
|
8 ምግብን* ክዳንን* እንተ ኣሎናስ፡ በዚ ዕጉባት ንኸውን ኢና።+ |
|
9 እቶም ኪህብትሙ ዝቘረጹ ግና ኣብ ፈተናን መፈንጠራን፡+ ንሰብ ናብ ጥፍኣትን ዕንወትን ኣብ ዜስጥም ብዙሕ ናይ ዕሽነትን ጕድኣትን ትምኒት እውን እዮም ዚወድቁ።+ |
|
10 ከመይሲ፡ ፍቕሪ ገንዘብ፡ ሱር ኵሉ ዓይነት ክፍኣት* እዩ፣ ገሊኦም ነዚ ፍቕሪ እዚ እናተመጣጠሩ ኻብ እምነት ዘምቢሎም፡ ንርእሶም እውን ብብዙሕ ስቓይ ወጋጊኦም እዮም።+ |
|
11 ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንስኻ ግና ካብዚ ህደም። ግናኸ፡ ጽድቂ፡ ንኣምላኽ ዘሎካ ተወፋይነት፡ እምነት፡ ፍቕሪ፡ ተጻዋርነት፡ ልእመት+ ስዓብ። |
|
12 ጽቡቕ ገድሊ እምነት ተጋደል፣ ነታ እተጸዋዕካላን ኣብ ቅድሚ ብዙሓት መሰኻኽር ብጽቡቕ እተኣመንካላን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣጽኒዕካ ሓዛ። |
|
13 ኣብ ቅድሚ እቲ ንዅሉ ብህይወት ዜንብር ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ከም ምስክር ብጽቡቕ እተኣመነ ክርስቶስ የሱስን+ እዚ እእዝዘካ ኣለኹ፦ |
|
14 ክሳዕ ግህደት ጐይታና የሱስ ክርስቶስ+ ነቲ ትእዛዝ ብዘይ ርስሓትን ብዘይ ወቐሳን ሓልዎ። |
|
15 ነዚ ኸኣ እቲ ሕጉስን በይኑ ስልጣን ዘለዎን ኣብቲ ምዱብ ግዜያት ኪገልጾ እዩ። ንሱ ንጉስ ነገስታትን ጐይታ ጐይተትን፡+ |
|
16 በይኑ ዘይመውት፡+ ሓደ ሰብ እኳ ዘይረኣዮ ወይ ኪርእዮ ዘይክእል+ ኣብ ዘይቅረብ ብርሃን ዚነብር እዩ።+ ንዕኡ ኽብርን ናይ ዘለኣለም ሓይልን ይኹን። ኣሜን። |
|
17 ነቶም ኣብዚ ስርዓት* እዚ ዘለዉ ሃብታማት ከይዕበዩ፡ በቲ ኽንሕጐስ ኢሉ ዅሉ ኣብዚሑ ዚህበና ኣምላኽ እምበር፡+ በቲ ዘየተኣማምን ሃብቲ ተስፋ ኸይገብሩ ኣዝዞም።+ |
|
18 ሰናይ ኪገብሩ፡ ብሰናይ ግብሪ ኺህብትሙ፡ ለጋሳትን መማቐልትን ኪዀኑ፡+ |
|
19 በዚ ኸምዚ ኸኣ ነታ ናይ ሓቂ ህይወት ኣጽኒዖም ምእንቲ ኺሕዝዋስ፡+ ንመጻኢ ጽቡቕ መሰረት ንርእሶም ኪእክቡ ኣዝዞም።+ |
|
20 ኦ ጢሞቴዎስ፡ ካብ ዜርክስ ሃተውተውን ካብቲ ብሓሶት “ፍልጠት” ዚብሃል ግርጭታትን ተኣሊኻ፡+ ነቲ እተዋህበካ ሕድሪ ሓልዎ።+ |
|
21 ገሊኦም እዚ ፍልጠት እዚ ኺርኣየሎም ኢሎም፡ ካብ እምነት ዘምቢሎም ኣለዉ። ጸጋ ምሳኻትኩም ይኹን። |
|
5 ንዓብዪ ኸም ኣቦኻ ጌርካ ምዓዶ እምበር፡ ኣይትዘልፎ።+ ንኣጕባዝ ከም ኣሕዋትካ ተማሕጸኖም፣ |
|
2 ንዓበይቲ ኣንስቲ ኸም ኣዴታትካ፡ ንንኣሽቱ ኣንስቲ ኸም ኣሓትካ ጌርካ ብዅሉ ንጽህና ተማሕጸነን። |
|
3 ነተን ብሓቂ መበለታት ዝዀና መበለታት* ተኸናኸነን።*+ |
|
4 ገለ መበለት ግና ደቂ ወይስ ደቂ ደቂ እንተ ኣልዮምዋ፡ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል እዩ እሞ፡+ ንሳቶም ቅድም ኣብ ቤተ ሰቦም ንኣምላኽ ዘለዎም ተወፋይነት ኬርእዩ፡+ ንወለዶምን ንወለዲ ወለዶምን ውሬታ ኺመልሱ ይምሃሩ።+ |
|
5 እታ ብሓቂ መበለት ዝዀነትን ሓንቲ እውን ዘይብላን ሰበይቲ፡ ተስፋኣ ኣብ ኣምላኽ እያ እትገብር፣+ ለይትን መዓልትን ከኣ ብምህለላን ብጸሎትን እያ እትጸንዕ።+ |
|
6 እታ ንተድላ እትነብር ግና፡ ብህይወታ ኸላስ ምውትቲ እያ። |
|
7 እምበኣር፡ ዚውቀሱሉ ዘይብሎም ምእንቲ ኪዀኑ፡ እዚ ኣዝዝ። |
|
8 ሓደ እኳ ነቶም ናቱ፡ ምናዳ ኸኣ ንቤተ ሰቡ ዘይናቢ እንተ ዀይኑ፡ እምነት ዝኸሓደ፡ ካብቲ ዘይኣምን እውን ዝገደደ እዩ።+ |
|
9 ኣብ መዝገብ እትምዝገብ መበለት፡ ካብ 60 ዓመት ዘይነኣሰት፡ ሰበይቲ ሓደ ሰብኣይ ዝነበረት፡ |
|
10 ውሉዳት ብምዕባይ፡+ ኣጋይሽ ብምቕባል፡+ እግሪ ቕዱሳት ብምሕጻብ፡+ ንዝጸበቦም ብምርዳእ፡+ ጽቡቕ ግብሪ ዘበለ ብትግሃት ብምስዓብ፡ ብሰናይ ግብሪ እተመስከረላ ትኹን።+ |
|
11 ንኣሽቱ መበለታት ግና ፍትወተ ስጋ ኣብ መንጎአንን ኣብ መንጎ ክርስቶስን ዕንቅፋት ኪኸውን ከሎ፡ ኪምርዓዋ ይደልያ እየን እሞ፡ ንዓታተን ኣይትመዝግበን። |
|
12 ንሳተን ነታ ቐዳመይቲ መግለጺ እምነተን* ስለ ዝጠለማ፡ ፍርዲ ኣለወን። |
|
13 ምስናይዚ እውን፡ ቤተ ቤት እናዞራ ትህኪት እየን ዚምሃራ፣ ትህኪት ጥራይ ዘይኰነ እውን፡ ዘይግባእ እናተዛረባ ወረኛታትን ወልፋሳትን ይዀና።+ |
|
14 እምበኣር፡ እተን ንኣሽቱ መበለታት ኪምርዓዋ፡+ ውሉዳት ኪወልዳ፡+ ቤተን ኪኣልያ፡ ተጻራሪ ዚነቕፈሉ ሓደ ምኽንያት እኳ ኸይህባ እደሊ ኣለኹ። |
|
15 ገሊኣተንሲ ንሰይጣን ኪስዕባ ድሮ ዘምቢለን ኣለዋ። |
|
16 ንሓንቲ እትኣምን ሰበይቲ፡ መበለታት ቤተ ሰብ እንተ ኣልየናኣ፡ ነታ ጉባኤ ጾር ምእንቲ ኸይኰናስ፡ ንሳ ትደግፈን። እታ ጉባኤ ኸኣ ነተን ብሓቂ መበለታት* ትድግፈን።+ |
|
17 ነቶም ብጽቡቕ ዚመርሑ ሽማግለታት፡+ ምናዳ ነቶም ብቓልን ብትምህርትን ዚጽዕሩ፡+ ዕጽፊ ኽብሪ ይግብኦም እዩ።+ |
|
18 ከመይሲ፡ እቲ ቕዱስ ጽሑፍ፡ “ኣፍ እቲ ዜኽይድ ብዕራይ ኣይትእሰር፡”+ ከምኡ ድማ፡ “ንዓያዪ ዓስቡ ይግብኦ እዩ”+ ይብል እዩ። |
|
19 ብመርትዖ ኽልተ ወይ ሰለስተ መሰኻኽር እንተ ዘይኰይኑ፡+ ብዛዕባ ሽማግለ ዚቐርብ ክሲ ኣይትቀበል። |
|
20 ነቶም ብሓጢኣት ዚመላለሱ፡+ ንኻልኦት ከም መጠንቀቕታ ምእንቲ ኪዀኑ፡* ኣብ ቅድሚ ዅሉ ግንሓዮም።+ |
|
21 ኣቐዲምካ ኸይፈረድካ ወይ ብዘይ ኣድልዎ ነዚ ኽትሕሉ፡+ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ ክርስቶስ የሱስን ኣብ ቅድሚ እቶም ሕሩያት መላእኽትን ብጥብቂ እእዝዘካ ኣለኹ። |
|
22 ብታህዋኽ ኣብ ልዕሊ ሓደ እኳ ኣእዳውካ ኣይተንብር፣*+ ኣብ ሓጢኣት ካልኦት እውን ኣይትካፈል፣ ንርእስኻ ብንጽህና ሓሉ። |
|
23 ስለ ኸብድኻን ስለቲ ዚመላለሰካ ሕማምን፡ ሒደት ወይኒ ደኣ እምበር፡ ደጊም ማይ ኣይትስተ።* |
|
24 ሓጢኣት ገሊኦም ሰባት ግሁድ እዩ፡ ብቐጥታ ድማ ናብ ፍርዲ ይመርሖም፣ ናይ ገሊኦም ግና ጸኒሑ እዩ ዚግሃድ።+ |
|
25 ከምኡ ኸኣ ሰናይ ግብሪ ግሁድ እዩ፣+ እቲ ዘይግሁድ እውን ኪስወር ኣይከኣልን እዩ።+ |
|
3 ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት+ ጽንኩር ግዜ ኸም ዚመጽእ ግና፡ እዚ ፍለጥ። |
|
2 ሰባትሲ ፈተውቲ ርእሶም፡ ፈተውቲ ገንዘብ፡ ምኩሓት፡ ዕቡያት፡ ተጻረፍቲ፡ ንወለዶም ዘይእዘዙ፡ ዘየመስግኑ፡ ዘይእሙናት፡ |
|
3 ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም ዘይብሎም፡ ንስምምዕ ፍቓደኛታት ዘይኰኑ፡ ሓመይቲ፡ ርእሶም ዘይገትኡ፡ ጨካናት፡ ሰናይ ዘይፈትዉ፡ |
|
4 ጠላማት፡* ነቓጻት፡ ብትዕቢት እተነፍሑ፡ ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ተድላ ዚፈትዉ፡ |
|
5 ንኣምላኽ ተወፋይነት ዘለዎም ዚመስሉ፡ ንሓይሉ ግና ዚኽሕድዎ ኪዀኑ እዮም፣+ ካብዚኣቶም ከኣ ርሓቕ። |
|
6 ሰላሕ ኢሎም ናብ ቤተ ሰብ ዚኣትዉ፡ ብእተፈላለየ ትምኒታት ዚምርሓ ሓጢኣት ዝመልአን ድኹማት ኣንስቲ ኸኣ ዚማርኹ፡ ካብዚኣቶም ይትንስኡ እዮም። |
|
7 ንሳተን ድማ ኵሉ ሳዕ ዚምሃራ፡ ግናኸ ናብቲ ልክዕ ፍልጠት ሓቂ ኺበጽሓ ኸቶ ዘይክእላ እየን። |
|
8 ከምቲ ያኔስን ያምብሬስን ንሙሴ እተቓወምዎ፡ እዚኣቶም እውን ነታ ሓቂ ይቃወምዋ ኣለዉ። እዚኣቶምሲ ኣእምሮኦም እተበላሸወን ብዛዕባ እምነት ዘይብቑዓትን እዮም። |
|
9 ግናኸ፡ ከምቲ ናይቶም ክልተ ዕሽነት እተገልጸ፡+ ናይ እዚኣቶም ዕሽነት እውን ንዅሉ ኺግለጽ እዩ እሞ፡ ዕቤት ኣይኪገብሩን እዮም። |
|
10 ንስኻ ግና ንትምህርተይ፡ ንኣነባብራይ፡+ ንዕላማይ፡ ንእምነተይ፡ ንዓቕለይ፡ ንፍቕረይ፡ ንተጻዋርነተይ ጠቢቕካ ስዒብካ ኢኻ። |
|
11 ነቲ ኣብ ከም ኣንጾክያን+ ኢቆንዩምን+ ልስጥራን+ ዝበጽሓኒ መስጐጕትን መከራን እውን ትፈልጦ ኢኻ። እዚ መስጐጕቲ እዚ ተጻዊረ እየ፣ ጐይታ ድማ ካብዚ ዅሉ ኣናጊፉኒ እዩ።+ |
|
12 እኳ ደኣስ፡ ኵሎም እቶም ምስ ክርስቶስ ብእተተሓሓዘ ንኣምላኽ ብዘለዎም ተወፋይነት ኪነብሩ ዚደልዩ እውን፡ ኪስጐጉ እዮም።+ |
|
13 እኩያትን ኣምሰሉታትን ግና እናኣስሓቱን እናሰሓቱን ናብ ዝገደደ ኺበጽሑ እዮም።+ |
|
14 ንስኻ ግና ካብ እንመን ከም እተመሃርካ ፈሊጥካ፡ በቲ እተመሃርካዮን ዝኣመንካሉን ጽናዕ።+ |
|
15 ካብ ሕጻንነትካ+ ኣትሒዝካ እውን፡ ነቲ ብእምነት ክርስቶስ የሱስ ንድሕነት ዜለብመካ+ ቕዱሳት ጽሑፋት ትፈልጦ ኢኻ።+ |
|
16 ኵሉ ቕዱስ ጽሑፍ ብድራኸ* መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ፡+ ንምምሃርን+ ንምግናሕን ንምቕናዕን* ብጽድቂ ንምግሳጽን+ ከኣ ዚጠቅም እዩ፣ |
|
17 እዚ ድማ፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ኣጸቢቑ እተዳለወ፡ ምሉእ ብምሉእ ብቑዕ ምእንቲ ኪኸውን እዩ። |
|
1 ካብቲ ምስታ ብክርስቶስ የሱስ ዝዀነት ተስፋ ህይወት ብእተተሓሓዘ፡+ ብፍቓድ ኣምላኽ ሃዋርያ ክርስቶስ የሱስ ዝዀነ ጳውሎስ፡ |
|
2 ናብቲ ፍቑር ወደይ ዝዀነ ጢሞቴዎስ፦+ ካብ ኣቦና ኣምላኽን ካብ ጐይታና ክርስቶስ የሱስን ጸጋን ምሕረትን ሰላምን ይኹነልካ። |
|
3 ለይትን መዓልትን ከየቋረጽኩ ኣብ ምህለላይ ንዓኻ ብምዝካረይ፡ ነቲ ኸምቲ ኣቦታተይ ዝገበርዎ ገይረ ብንጹህ ሕልና ዘገልግሎ* ኣምላኽ አመስግኖ ኣለኹ። |
|
4 ንብዓትካ ኽዝክር ከለኹ፡ ብሓጐስ ምእንቲ ኽምላእ፡ ክርእየካ እናፍቕ ኣለኹ። |
|
5 ነታ ቕድም ኣብ ሎኢስ ዓባይካን ኤውንቄ ኣዴኻን ዝሓደረት፡ ኣባኻ ኸም ዘላ እውን ዝተኣማመነላ ግብዝና ዘይብላ እምነትካ እዝክራ ኣለኹ።+ |
|
6 በዚ ምኽንያት እዚ፡ ነቲ ብምንባር ኣእዳወይ ኣባኻ ዘሎ ውህበት+ ኣምላኽ ከተጐሃህሮ አዘክረካ ኣለኹ። |
|
7 ኣምላኽሲ መንፈስ ሓይልን+ ፍቕርን ልብምናን እምበር፡ መንፈስ ፍርሂ ኣይሃበናን።+ |
|
8 እምበኣር፡ ኣብቲ ሓይሊ ኣምላኽ ብምትእምማን፡+ ምእንቲ እቲ ብስራት ብእጃምካ መከራ ጽገብ ደኣ እምበር፡+ ብዛዕባ ጐይታና ብዚውሃብ ምስክርነት+ ወይስ ስሊኡ ብእተኣሰርኩ ብኣይ ኣይትሕፈር። |
|
9 ኣምላኽ ሳላ ግብርና ዘይኰነስ፡ ሳላ ፍቓዱን ሳላ ጸጋኡን ኣድሒኑና፡+ ብቕዱስ ጽውዓ እውን ጸዊዑና እዩ።+ እዚ ጸጋ እዚ፡ ቅድሚ ነዊሕ ግዜያት ብክርስቶስ የሱስ እኳ እንተ ተዋህበና፡ |
|
10 ሕጂ ግና ብግህደት መድሓኒና ክርስቶስ የሱስ ተገሊጹ ኣሎ፣+ ንሱ ንሞት ስዒሩ፡+ በቲ ብስራት+ ንህይወትን+ ንዘይምሕላፍን+ ኣብሪህዎ እዩ። |
|
11 ነዚ ድማ፡ ኣነ ሰባኽን ሃዋርያን መምህርን ክኸውን ተሸይመ እየ።+ |
|
12 ስለዚ ኸኣ እየ እዚ መከራ እዚ ዝጸግብ ዘለኹ፣+ ግናኸ፡ ኣይሓፍርን እየ።+ ከመይሲ፡ ነቲ ዝኣምኖ እፈልጦ እየ፣ ንሱ ነቲ ብሕድሪ ዝሃብክዎ ኽሳዕ እታ መዓልቲ እቲኣ ኺሕልዎ ኸም ዚኽእል ድማ እተኣማመን እየ።+ |
|
13 እቲ ኻባይ ዝሰማዕካዮ መለክዒ* እቲ ጥዑይ* ቃል፡+ በቲ ምስ ክርስቶስ የሱስ ብዘሎካ ሓድነት ዚርከብ እምነትን ፍቕርን ሓዞ። |
|
14 ነዚ ጽቡቕ ሕድሪ እዚ፡ በቲ ኣባና ሓዲሩ ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ሓልዎ።+ |
|
15 ኵሎም እቶም ኣብ ኣውራጃ እስያ ዘለዉ፡+ ከም ዝጠንጠኑኒ ትፈልጥ ኢኻ። ፍጌሎስን ሄርሞጌኔስን ከኣ ካባታቶም እዮም። |
|
16 ጐይታ ንቤተ ሰብ ኦኔሲፎሮስ+ ምሕረት ይሃብ፣ ንሱስ ብዙሕ ሳዕ ንመንፈሰይ ኣሐዲሱለይ እዩ፣ ብሰንሰለት ማእሰርተይ እውን ኣይሓፈረን። |
|
17 እኳ ደኣስ፡ ኣብ ሮሜ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ሃለው ኢሉ ደልዩ ረኺቡኒ እዩ። |
|
18 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ካብ የሆዋ* ምሕረት ኪረክብሲ፡ ጐይታ ይሃቦ። ንዅሉ እቲ ኣብ ኤፌሶን ዘገልገሎ ኣገልግሎት እውን ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ኢኻ። |
|
2 ኣታ ወደየ፡+ እምበኣርሲ በቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘሎ ጸጋ ብቐጻሊ በርትዕ፣ |
|
2 እቲ ብብዙሓት መሰኻኽር እተደገፈ ኻባይ ዝሰማዕካዮ ነገራት፡+ ንኻልኦት ኪምህሩ ንዚበቕዑ እሙናት ሰባት ሕድሪ ሃቦም። |
|
3 ከም ንፉዕ ወተሃደር+ ክርስቶስ የሱስ ብእጃምካ መከራ ጽገብ።+ |
|
4 ወተሃደር ኰይኑ ዜገልግል ዘበለ፡ ነቲ ወተሃደር ኪኸውን ዝኸተቦ ምእንቲ ኼሐጕስ ኢሉ፡ ብንግዳዊ ዕዮ* ዚጠላለፍ የልቦን። |
|
5 ኣብ ጸወታ ዚወዳደር እውን፡ ከምቲ ስርዓት ገይሩ እንተ ዘይተወዳዲሩ፡ ኣኽሊል ኣይሽለምን እዩ።+ |
|
6 እቲ ዚጽዕር ሓረስታይ ካብቲ ፍረ ቕድም ኪካፈል ይግብኦ እዩ። |
|
7 ነዚ ዝብሎ ዘለኹ ሕሰበሉ፣ ጐይታ ኣብ ኵሉ ምስትውዓል ኪህበካ እዩ። |
|
8 ከምቲ ኣነ ዝሰብኮ ብስራት፡+ የሱስ ክርስቶስ ካብ ምዉታት ከም ዝተንስአን+ ካብ ዘርኢ ዳዊት ከም ዝዀነን ዘክር፣+ |
|
9 ብዛዕባኡ ኸም ገበነኛ ተቘጺረ ኽሳዕ ማእሰርቲ መከራ እጸግብ ኣለኹ።+ ግናኸ፡ ቃል ኣምላኽሲ ኣይእሰርን እዩ።+ |
|
10 ስለዚ፡ ምእንቲ እቶም ሕሩያት፡ ንሳቶም እውን ነቲ ብክርስቶስ የሱስ ዝዀነ ድሕነት ምስ ናይ ዘለኣለም ክብሪ ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ንዅሉ እጻወር ኣለኹ።+ |
|
11 እዚ ቓል እዚ እሙን እዩ፦ ምስኡ እንተ ሞይትናስ፡ ምስኡ እውን ብህይወት ክንነብር ኢና፣+ |
|
12 እንተ ተጻዊርና፡ ምስኡ እውን ክንነግስ ኢና፣+ እንተ ኽሒድናዮ፡ ንሱ እውን ኪኽሕደና እዩ፣+ |
|
13 ዘይእሙናት እንተ ዄንና፡ ንሱ ንርእሱ ኪኽሕድ ኣይክእልን እዩ እሞ፡ እሙን ኰይኑ እዩ ዚነብር። |
|
14 በቲ ንዚሰምዕዎ ዚጐድእ* ዘይረብሕ ቃላት ከይብኣሱ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እናኣዘዝካ፡* እዚ ኣዘኻኽሮም። |
|
15 ንቓል ሓቂ ብቕኑዕ ዚጥቀም፡ ዜሕፍር ዘይብሉ ብቕዓቱ ዘመስከረ ዓያዪ ጌርካ፡ ገዛእ ርእስኻ ንኣምላኽ ከተቕርብ ጽዓር።+ |
|
16 ካብቲ ዜርክስ ሃተውተው ግና ርሓቕ፣+ ከመይሲ፡ ናብ ዝገደደ ረሲእነት እዩ ዚመርሕ፣* |
|
17 ቃሎም ከኣ ከም ብዚ* ኺልሕም እዩ። ሄሜኔዎስን ፊሌጦስን ካባታቶም እዮም።+ |
|
18 ንሳቶም፡ ትንሳኤ ድሮ ዀይኑ እናበሉ ኻብ ሓቂ ዘምቢሎም ኣለዉ፣+ እምነት ገሊኦም እውን ይገላብጡ ኣለዉ። |
|
19 እዚ ዀይኑ ግና፡ እቲ፡ “የሆዋ* ነቶም ናቱ ዘበሉ ይፈልጦም እዩ፡”+ ከምኡ ድማ “ስም የሆዋ* ዚጽውዕ ዘበለ ዅሉ፡+ ካብ ዓመጻ ይርሓቕ” ዚብል ማሕተም ዘለዎ ጽኑዕ መሰረት ኣምላኽ ቈይሙ ኣሎ። |
|
20 ኣብ ዓብዪ ቤት ድማ ኣቕሑ ዕንጨይትን መሬትን እውን እምበር፡ ኣቕሑ ወርቅን ብሩርን ጥራይ ኣይኰነን ዚርከብ፣ ገሊኡ ንኽብረት፡ ገሊኡ እውን ንውርደት እዩ ዚኸውን። |
|
21 እምበኣር፡ ሓደ እኳ ኻብዚ ዳሕረዋይ እንተ ርሒቑ፡ ንኽብሪ ዚኸውን ኣቕሓ፡ እተቐደሰ፡ ንዋናኡ ዚጠቅም፡ ንዅሉ ሰናይ ግብሪ እተዳለወ ኪኸውን እዩ። |
|
22 ስለዚ፡ ካብ ትምኒት ንእስነት ህደም፣ ምስቶም ብንጹህ ልቢ ንጐይታ ዚጽውዕዎ ኸኣ ጽድቅን እምነትን ፍቕርን ሰላምን ስዓብ። |
|
23 ባእሲ ኸም ዜምጽእ ፈሊጥካ፡ ካብ ናይ ዕሽነትን ድንቍርናን ክርክር ርሓቕ።+ |
|
24 ባርያ ጐይታስ ንዅሉ ልኡም፡*+ ንምስትምሃር ብቑዕ፡ ኪብደል ከሎ ርእሱ ዚገትእ+ ኪኸውን ይግብኦ እምበር፡ ኪብኣስ ኣይግብኦን እዩ፣ |
|
25 ነቶም ተጻረርቲ እውን ብልእመት ኪምህሮም ይግባእ።+ ምናልባት ኣምላኽ ናብ ልክዕ ፍልጠት ሓቂ ዚመርሕ ንስሓ ይህቦም+ |
|
26 እሞ ኻብ መፈንጠራ እቲ ፍቓዱ ኺገብሩ ኢሉ ብህይወቶም ከለዉ ዝሓዞም ድያብሎስ+ ኣምሊጦም፡ ናብ ልቦም ይምለሱ ይዀኑ። |
|
4 ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ እቲ ንህያዋንን ንምዉታትን+ ኪፈርድ ዘለዎ+ ክርስቶስ የሱስን ብግህደቱን+ ብመንግስቱን+ እእዝዘካ ኣለኹ፦ |
|
2 ነቲ ቓል ስበኽ፣+ ብእዋን ራህዋን ብእዋን ጸበባን ብህጹጽ ግበሮ፣ ብዅሉ ዓቕልን ጥበብ ኣመሃህራን+ ከኣ ግናሕ፡+ ውቐስ፡ ምዓድ። |
|
3 ከመይሲ፡ ከም ትምኒቶም፡ ኣእዛኖም ዚዅርኵዑሎም* መምህራን ኪእክቡ እምበር፡+ ነቲ ጥዑይ* ትምህርቲ ዘይዕገሱሉ እዋን ኪመጽእ እዩ።+ |
|
4 ንሓቂ ኻብ ምስማዕ ኣእዛኖም ኪመልሱ፡ ናብ ጽውጽዋያት ከኣ ኬቕልቡ እዮም። |
|
5 ንስኻ ግና ብዅሉ ቐልብኻ ሓሉ፡ መከራ ተጻወር፡+ ግብሪ ወንጌላዊ ግበር፡* ኣገልግሎትካ ምሉእ ብምሉእ ፈጽም።+ |
|
6 ኣነስ ድሮ ኸም መስዋእቲ መስተ እፈስስ ኣለኹ፣+ እታ ናጻ ዝዀነላ ግዜ+ እውን ቀሪባ እያ። |
|
7 ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ፡+ እቲ ጕያ ወዲአ፡+ ነታ እምነት እውን ሓልየያ እየ። |
|
8 ካብ ሕጂ ንደሓር፡ እቲ ጻድቕ ፈራዲ+ ዝዀነ ጐይታ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸም ዓስቢ ዚህበኒ+ ኣኽሊል ጽድቂ ተነቢሩለይ ኣሎ፣+ እዚ ግና ነቶም ግህደቱ ዝፈተዉ እውን እምበር፡ ንዓይ ጥራይ ኣይኰነን። |
|
9 ቀልጢፍካ ናባይ ክትመጽእ ጽዓር። |
|
10 ዴማስ+ ነዚ ስርዓት* እዚ ስለ ዝፈተወ፡ ሓዲጉኒ ናብ ተሰሎንቄ ኸይዱ እዩ፣ ክሬስኬስ ናብ ገላትያ፡ ቲቶስ ከኣ ናብ ደልማጥያ ኸይዶም እዮም። |
|
11 ሉቃስ ጥራይ እዩ ምሳይ ዘሎ። ማርቆስ ንኣገልግሎት ይጠቕመኒ እዩ እሞ፡ ተማሊእካዮ ምጻእ። |
|
12 ንትኪቆስ+ ግና ናብ ኤፌሶን ሰዲደዮ ኣለኹ። |
|
13 ክትመጽእ ከለኻ፡ እቲ ኣብ ጥሮኣስ ምስ ቃርጶስ ዝሓደግክዎ ባርኖስን እቲ ጥቕላላት መጻሕፍትን፡ ምናዳ እቲ ብራናታት ተማልኣለይ። |
|
14 እስክንድሮስ እቲ ኣንጠረኛ ነሓሲ ብዙሕ ክፉእ ገይሩኒ እዩ። የሆዋ* ኸም ግብሩ ኺፈድዮ እዩ።+ |
|
15 ንሱ ንመልእኽትና ብዙሕ ተጻሪርዎ እዩ እሞ፡ ንስኻ እውን ካብኡ ተሓሎ። |
|
16 ኣብቲ ቐዳማይ ምጕተይ፡—ኣይተሓዘሎም ደኣ እምበር፡—ሓደ እኳ ኣብ ጐድነይ ኣይነበረን፣ የግዳስ፡ ኵላቶም ሓዲጎምኒ እዮም። |
|
17 እቲ ስብከት ብኣይ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኺፍጸምን ኵሎም ኣህዛብ ምእንቲ ኺሰምዕዎን ግና፡+ ጐይታ ኣብ ጐድነይ ቈይሙ ኣበርቲዑኒ እዩ፣ ካብ ኣፍ ኣንበሳ እውን ተናጊፈ እየ።+ |
|
18 ጐይታ ኻብ እኩይ ግብሪ ዘበለ ኼናግፈኒ፡ ናብታ ሰማያዊት መንግስቱ ኽኣቱ እውን ኬድሕነኒ እዩ።+ ንዕኡ ንዘለኣለመ ኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን። |
|
19 ንጵርስካን ንኣኪላስን+ ንቤተ ሰብ ኦኔሲፎሮስን+ ሰላም በለለይ። |
|
20 ኤራስጦስ+ ኣብ ቈረንቶስ ተሪፉ ኣሎ፣ ንጥሮፊሞስ+ ግና ሓሚሙ ኣብ ሚሊጦስ ሓዲገዮ ኣለኹ። |
|
21 ቅድሚ ኽረምቲ ኽትመጽእ ጽዓር። ኤውቡሎስን ጱደንስን ሊኖስን ቅላውድያን ኵሎም ኣሕዋትን ሰላም ይብሉኻ ኣለዉ። |
|
22 ጐይታ ምስ መንፈስካ ይኹን። ጸጋኡ ምሳኻትኩም ይኹን። |
|
3 ንመንግስትታትን ንሰበ ስልጣንን ኪግዝኡን ኪእዘዙን፡+ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ እተዳለዉ ኪዀኑ ኣዘኻኽሮም። |
|
2 ንሓደ እኳ ኸይጸርፉ፡ ተባኣስቲ ኸይኰኑ፡ ልዙባት* ኪዀኑ፡+ ልእመት ዘበለ ንዅሉ ሰብ ኬርእዩ+ እውን ኣዘኻኽሮም። |
|
3 ከመይሲ፡ ንሕና እውን ሓደ እዋን ዓያሹ፡ ዘይእዙዛት፡ ዝሰሓትና፡ ብእተፈላለየ ትምኒታትን ተድላን እንግዛእ፡ ብኽፍኣትን ብቕንእን እንነብር፡ ፍንፉናት፡ ንሓድሕድና እንጻላእ ኢና ኔርና። |
|
4 እቲ መድሓኒና ዝዀነ ኣምላኽ+ ዘለዎ ለውሃትን ንሰብ ዘለዎ ፍቕርን ምስ ተገልጸ ግና፡ |
|
5 (እዚ ድማ ንሕና ብዝገበርናዮ ግብሪ ጽድቂ ዘይኰነስ፡+ ብምሕረቱ እዩ ዝዀነ፡)+ በቲ ናብ ህይወት ዘምጽኣና ሕጽበትን ብመንፈስ ቅዱስ ብምሕዳስን+ ኣድሒኑና እዩ።+ |
|
6 ነዚ መንፈስ እዚ ብመድሓኒና የሱስ ክርስቶስ ኣብ ልዕሌና ኣብዚሑ ኣፍሲስዎ እዩ።+ |
|
7 ከምኡ ዝገበረ ኸኣ፡ ብጸጋኡ ምስ ጸደቕና፡+ ከም ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት፡+ ወረስቲ ምእንቲ ኽንከውን እዩ።+ |
|
8 እዚ ቓል እዚ እሙን እዩ፣ እቶም ብኣምላኽ ዝኣመኑ፡ ሰናይ ግብሪ ኣብ ምግባር ምእንቲ ኼተኵሩ፡ ብዛዕባ እዚ ብምትእምማን ኣትሪርካ ኽትዛረቦም እደሊ እየ። እዚ ጽቡቕን ንሰብ ዚጠቅምን እዩ። |
|
9 ናይ ዕሽነት ክርክርን ቍጽሪ ወለዶታትን ክትዕን ብዛዕባ ሕጊ ዚልዓል ባእስን ግና ዘይጠቅምን ከንቱን እዩ እሞ፡ ካብኡ ርሓቕ።+ |
|
10 ንመናፍቕ ከኣ፡+ ሓደ ሳዕን ካልኣይ ሳዕን ምስ መዓድካዮ፡*+ ኣርሕቆ፣+ |
|
11 ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ዘንቢሉ ይሓጥእ ከም ዘሎን ባዕሉ ንርእሱ ኸም ዝዀነነን ድማ ፍለጥ። |
|
12 ንኣርጤማስ ወይስ ንትኪቆስ+ ምስ ለኣኽኩልካ፡ ኣብ ኒቆጶሊስ ክኸርም መዲበ ኣለኹ እሞ፡ ናባይ ክትመጽእ ጽዓር። |
|
13 ንዜናስ እቲ ፈላጥ ሕግን ንኣጵሎስን ገለ እኳ ኸይጐድሎም ዚከኣለካ ዘበለ ኣማልኣሎም።+ |
|
14 እቶም ናትና እውን ብዘይ ፍረ ምእንቲ ኸይኰኑ፡+ ነቲ ብህጹጽ ዜድልዮም ንምምላእ፡+ ሰናይ ግብሪ ምግባር ይምሃሩ። |
|
15 ኵሎም እቶም ምሳይ ዘለዉ ሰላም ይብሉኻ ኣለዉ። ነቶም ብእምነት ዚፈትዉና ሰላም በለለይ። ጸጋ ምስ ኵላትኩም ይኹን። |
|
1 ካብቲ ባርያ ኣምላኽን ሃዋርያ የሱስ ክርስቶስን ዝዀነ ጳውሎስ፡—ከምኡ ዝዀነ ድማ ከም እምነት እቶም ሕሩያት ኣምላኽን ከም ልክዕ ፍልጠት ሓቅን እዩ፣ እዛ ሓቂ እዚኣ ኸኣ ንኣምላኽ ምስ ዘሎና ተወፋይነት እትሰማማዕን |
|
2 ኣብቲ ኺሕሱ ዘይክእል ኣምላኽ፡+ ጥንቲ ዘተስፈወና ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት እተመስረተትን እያ፣+ |
|
3 ግናኸ፡ ብትእዛዝ እቲ መድሓኒና ዝዀነ ኣምላኽ በቲ ንዓይ ሕድሪ ዝሃበኒ ስብከት+ ገይሩ ብግዜኡ ንቓሉ ገሊጽዎ እዩ፡— |
|
4 ናብቲ በታ ናይ ሓባር እምነት ናይ ሓቂ ወደይ ዝዀነ ቲቶስ፦ ካብ ኣቦና ኣምላኽን ካብ መድሓኒና ክርስቶስ የሱስን ጸጋን ሰላምን ይኹነልካ። |
|
5 ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ ጌርካ፡ ጕድለት ክትእርምን ኣብ ከከተማኡ ሽማግለታት ክትሸይምን እየ ኣብ ቅሬጥስ ዝሓደግኩኻ፣ |
|
6 ማለት ዚንቀፈሉ ዘይብሉ፡ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ብዝርጋን* ወይ ብዕልወት ዘይተኸስሱ ኣመንቲ ውሉዳት ዘለውዎ እንተሎ።+ |
|
7 ከመይሲ፡ ሓላዊ ብኣምላኽ እተሸመ ኣመሓዳሪ ኸም ምዃኑ መጠን፡ ዚንቀፈሉ ዘይብሉ፡ ብርእሱ ዘይምካሕ፡+ ዘይቍጡዕ፡+ ዘይሰክር፡ ዘይዋቓዕ፡* ዘይግቡእ ረብሓ ንምርካብ ዘይሃርፍ፡ |
|
8 የግዳስ፡ ተቐባል ጋሻ፡+ ሰናይ ዚፈቱ፡ ለባም፡*+ ጻድቕ፡ እሙን፡+ ርእሱ ዚገትእ፡+ |
|
9 በቲ ጥዑይ* ትምህርቲ ምእንቲ ኼተባብዕን*+ ነቶም ዚቃወሙ ምእንቲ ኺገንሕን፡+ ብጥበብ ኣመሃህራ ገይሩ ነቲ እሙን ቃል* ኣጽኒዑ ዚሕዝ ኪኸውን ኣለዎ።+ |
|
10 ከመይሲ፡ ብዙሓት ዓለወኛታትን ሃተውተው በሃልትን መታለልትን ኣለዉ፣ እዚኣቶም ከኣ ምናዳ ኻብ ሰብ ግዝረት እዮም።+ |
|
11 ንሳቶም ዘይግቡእ ረብሓ ኺረኽቡ ኢሎም ዘይግባእ እናመሃሩ ንብዘሎ ቤተ ሰብ ዚገላብጡ ብምዃኖም፡ ኣፎም ኪዕበሱ ኣለዎም። |
|
12 ሓደ ኻባታቶም፡ ናታቶም ነብዪ እኳ፡ “ቅሬጥሳውያን ኵሉ ሳዕ ሓሰውቲ፡ ሕሱማት ኣራዊት፡ ሃካያት በላዕቲ እዮም” ኢሉ እዩ። |
|
13 እዚ ምስክር እዚ ሓቂ እዩ። ስለዚ፡ ብእምነት ምእንቲ ኺጥዕዩ፡ ኣሕሚምካ ግንሓዮም፣ |
|
14 ናብ ጽውጽዋያት ኣይሁድን ናብ ትእዛዛት እቶም ካብ ሓቂ ዝረሓቑ ሰባትን ከየቕልቡ እውን ኣሕሚምካ ግንሓዮም። |
|
15 ንንጹሃት ኵሉ ንጹህ እዩ።+ ንርኹሳትን ንዘይኣምኑን ግና፡ ኣእምሮኦምን ሕልናኦምን ርኹስ እዩ እምበር፡ ከቶ ንጹህ የልቦን።+ |
|
16 ንኣምላኽ ከም ዚፈልጥዎ ባዕሎም ይብሉ፣ ፍንፉናትን ዘይእዙዛትን ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ዘይበቕዑን ብምዃኖም ግና፡ ብግብሮም ይኽሕድዎ እዮም።+ |
|
2 ንስኻ ግና ምስቲ ጥዑይ* ትምህርቲ ዚሰማማዕ ተዛረብ።+ |
|
2 ኣረገውቲ ሰብኡት ወራዙት፡* ረዘንቲ፡ ለባማት፡ ብእምነትን ብፍቕርን ብተጻዋርነትን ጥዑያት ይኹኑ። |
|
3 ኣረገውቲ ኣንስቲ እውን ከምኡ ብቕድስና ዚነብራ፡ ዘይሓመይቲ፡ ንብዙሕ ወይኒ ባሮት ዘይኰና፡ መሃርቲ ሰናይ ይኹና፣ |
|
4 በዚ ኸምዚ ነተን ንኣሽቱ ኣንስቲ ንሰብኡተን ኬፍቅራ፡ ንውሉዳተን ኬፍቅራ ይምከራአን፣* |
|
5 ለባማት፡ ንጹሃት፡ ኣብ ቤተን ዚዓይያ፡* ሕያዎት፡ ንሰብኡተን ዚግዝኣ+ ኪዀና እውን ይምከራአን።* እዚ ዚግበር ድማ፡ ቃል ኣምላኽ ምእንቲ ኸይጽረፍ እዩ። |
|
6 ንኣጕባዝ እውን ከምኡ ለባማት ኪዀኑ ብቐጻሊ ተማሕጸኖም።+ |
|
7 ብዅሉ ነገር ኣርኣያ ሰናይ ግብሪ ኹን። ብዅሉ ርዝነት ንጹህ ዘበለ* ምሃር፣+ |
|
8 ኪንቀፍ ዘይከኣል ጥዑይ* ዘረባ ተዛረብ፣+ እዚ ድማ እቶም ተጻረርቲ ብዛዕባና ዚብልዎ ኣሉታዊ* ነገር ስኢኖም ምእንቲ ኺሓፍሩ እዩ።+ |
|
9 ባሮት ንዋናታቶም ብዅሉ ይገዝእዎም፡+ ባህ የብልዎም፡ ኣይታረኽዎም፡ |
|
10 ኣይስረቕዎም፣+ የግዳስ፡ ብዅሉ ንትምህርቲ እቲ መድሓኒና ዝዀነ ኣምላኽ ምእንቲ ኺስልሙ፡+ ምሉእ ብምሉእ እሙናት ይኹኑ። |
|
11 ከመይሲ፡ እቲ ንዅሉ ዓይነት ሰብ ድሕነት ዜምጽእ ጸጋ ኣምላኽ ተገሊጹ ኣሎ።+ |
|
12 እዚ ኸኣ፡ ረሲእነትን ዓለማዊ ትምኒትን ሓዲግና፡+ ኣብዚ ስርዓት* እዚ ብልብምናን ብጽድቅን ንኣምላኽ ብዘሎና ተወፋይነትን ክንነብር የሰልጥነና።+ |
|
13 ነቲ ዜሐጕስ ተስፋን+ ነቲ ኽቡር ግህደት እቲ ዓብዪ ኣምላኽን እቲ መድሓኒና ዝዀነ የሱስ ክርስቶስን እናተጸበና ድማ ኢና ነዚ እንገብር። |
|
14 ክርስቶስ ካብ ኵሉ ጥሕሰት ሕጊ ናጻ ምእንቲ ኼውጽኣና፡*+ ንርእሱ እውን ንሰናይ ግብሪ ዚቐንእ ፍሉይ ጥሪቱ ዝዀነ ህዝቢ ምእንቲ ኼንጽህ፡+ ምእንታና ገዛእ ርእሱ ሂቡ እዩ።+ |
|
15 እዚ ብምሉእ ስልጣን ተዛረብን ምዓድን* ግናሕን።+ ሓደ እኳ ኣይንዓቕካ። |
|
1 ካብቲ ምእንቲ ክርስቶስ የሱስ እሱር+ ዝዀነ ጳውሎስን ጢሞቴዎስ+ ሓውናን፡ ናብቲ ፍቑር መዓይይትና ዝዀነ ፊልሞንን |
|
2 ናብ ኣጵያ ሓብትናን ናብቲ ብጻይና ወተሃደር ዝዀነ ኣርኪጶስን+ ናብታ ኣብ ቤትካ ዘላ ጉባኤን፦+ |
|
4 ኣብ ጸሎተይ ክጠቕሰካ ኸለኹ፡ ኵሉ ሳዕ ንኣምላኸይ አመስግኖ እየ።+ |
|
5 ብዛዕባ እምነትካን ብዛዕባ እታ ንጐይታና የሱስን ንዅሎም ቅዱሳትን ዘላትካ ፍቕርን እሰምዕ እየ። |
|
6 ኣብታ እምነት ምክፋልካ፡ ነቲ ብክርስቶስ ዘሎና ዅሉ ሰናይ ንምፍላጥ ኬለዓዕለካ እጽሊ እየ። |
|
7 ከመይሲ፡ ልቢ እቶም ቅዱሳት ብኣኻ ብሓወይ ስለ ዝቐሰነ፡ ብፍቕርኻ ብዙሕ ሓጐስን መጸናንዕን ረኺበ እየ። |
|
8 ስለዚ፡ እቲ ግቡእ ክእዝዘካ፡ ብክርስቶስ ብዙሕ ትብዓት ዘሎኒ ኽነሰይሲ፡ |
|
9 ኣነ ጳውሎስ፡ ኣረጊት፡ ሕጂ እውን ምእንቲ ክርስቶስ የሱስ እሱር ኰይነ፡ ስለ ፍቕሪ እልምነካ ኣለኹ። |
|
10 ብዛዕባ እቲ ኣብ ማእሰርቲ* ዀይነ ዝወለድክዎ+ ወደይ ኦኔሲሞስ+ እልምነካ ኣለኹ። |
|
11 ንሱ ኣቐዲሙ ኣይጠቕመካን እዩ ነይሩ፣ ሕጂ ግና ንዓኻን ንዓይን ይጠቕመና እዩ። |
|
12 ንዕኡ፡ እወ፡ ልበይ* እሰድደልካ ኣለኹ። |
|
13 ኣነ እኳ ኣብቲ ምእንቲ እቲ ብስራት እተኣሰርክዎ ማእሰርቲ+ ኣብ ክንዳኻ ዀይኑ ምእንቲ ኼገልግለኒ፡ ኣብዚ ምሳይ ከትርፎ ምደለኹ ነይረ። |
|
14 ግናኸ፡ እቲ ሰናይ ግብርኻ ብፍታው እምበር፡ ብግዲ ምእንቲ ኸይከውን፡ ብዘይ ፍቓድካ ሓንቲ እኳ ኽገብር ኣይደለኹን።+ |
|
15 ምናልባት ንሓዋሩ ምእንቲ ኽትረኽቦ ይኸውን፡ ንሓጺር ግዜ* እተፈልየካ። |
|
16 ንዓኻ ደጊም ከም ባርያ ዘይኰነስ፡+ ካብ ባርያ ዝበለጸ፡ ፍቑር ሓው እዩ፣+ ምናዳ ንዓይ ከምኡ ኻብ ኰነ፡ ንዓኻ ግዳ ብስጋን ብጐይታን ክንደይ ከምኡ ዘይከውን! |
|
17 እምበኣር፡ ፈታዊኻ* ኸም ዝዀንኩ ጌርካ እትርእየኒ እንተ ዄንካ፡ ንዓይ ከም እትቕበለኒ ጌርካ ብጽቡቕ ተቐበሎ። |
|
18 ገለ በዲሉካ ወይስ ተዓድዩካ እንተ ዀይኑ፡ ኣባይ ቍጸሮ። |
|
19 ኣነ ጳውሎስ ብኢደይ እጽሕፍ ኣለኹ፦ ኣነ ክኸፍለካ እየ፣ ንስኻ ገዛእ ርእስኻ ብዓል ዕዳይ ምዃንካ እውን ክነግረካ ኣየድልየንን እዩ። |
|
20 እወ፡ ኣታ ሓወየ፡ ኣነ ኻባኻ ብጐይታ ኽጥቀም እደሊ ኣለኹ፦ ብክርስቶስ ንልበይ* ኣቕስነለይ። |
|
21 ሓለፋ እዚ ዝብለካ ዘለኹ ኸም እትገብር ፈሊጠ፡ ከም እትሰምዓኒ እውን ተኣማሚነ እየ ዝጽሕፈልካ ዘለኹ። |
|
22 ምስናይዚ እውን ብጸሎትኩም ኣነ ኽውሃበኩም*+ ተስፋ እገብር ኣለኹ እሞ፡ ቦታ ኣዳልወለይ። |
|
23 እቲ ስለ ክርስቶስ የሱስ መተኣስርተይ ዝዀነ ኤጳፍራስ+ ሰላም ይብለካ ኣሎ። |
|
24 እቶም መዓይይተይ ዝዀኑ ማርቆስን ኣርስጣርኮስን+ ዴማስን+ ሉቃስን+ እውን ሰላም ይብሉኻ ኣለዉ። |
|
25 ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ መንፈስኩም ይኹን። |
|
3 ስለዚ፡ ኣቱም ኣብቲ ሰማያዊ ጽውዓ* ግደ ዘሎኩም ቅዱሳት ኣሕዋት፡+ ናብቲ እንእመነሉ ሃዋርያን ሊቀ ኻህናትን ዝዀነ የሱስ ኣስተብህሉ።+ |
|
2 ከምቲ ሙሴ ኣብ ቤት ኣምላኽ እሙን ዝነበረ፡+ ንሱ እውን ነቲ ዝሸሞ እሙን እዩ።+ |
|
3 ከምቲ ሰራሕ ቤት ካብታ ቤት ዚበልጽ ክብሪ ዘለዎ፡ ንሱ* እውን ካብ ሙሴ ዚበልጽ ክብሪ ዚግብኦ ዀይኑ ተቘጺሩ እዩ።+ |
|
4 ቤት ዘበለትሲ ሰራሒኣ ኣለዋ፣ እቲ ንዅሉ ዝሰርሐ ግና ኣምላኽ እዩ። |
|
5 ሙሴ ብዛዕባ እቲ ደሓር ዚንገር ከም ምስክር ምእንቲ ኪኸውን፡ ከም ጊልያ ዀይኑ ኣብ ኵላ ቤት ኣምላኽ እሙን እዩ ነይሩ፣ |
|
6 ክርስቶስ ግና ከም ወዲ+ ኣብ ልዕሊ ቤት ኣምላኽ እሙን እዩ። ነቲ ንምዝራብ ዘሎና ትብዓትን ነታ ኽሳዕ መወዳእታ እንምክሓላ ተስፋን ኣጽኒዕና እንተ ሒዝናያስ፡ ንሕና ቤት ኣምላኽ ኢና።+ |
|
7 ስለዚ፡ መንፈስ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦+ “ሎሚ ድምጹ እንተ ሰሚዕኩም፡ |
|
8 ከምቲ ብመዓልቲ ፈተና ኣብ በረኻ ዝነደረሉ እዋን ልብኹም ኣይተትርሩ።+ |
|
9 ኣብኡ ኣቦታትኩም ን40 ዓመት ግብርታተይ ርእዮም ክነሶምሲ፡ ተሃላሊኾምንን ፈቲኖምንን።+ |
|
10 ስለዚ፡ ነዚ ወለዶ እዚ ፈንፊነዮስ፡ ‘ወትሩ ብልቦም ዜላግሱ እዮም፣ ንመገድታተይ እውን ኣይፈለጥዎን’ ኢለ። |
|
11 ስለዚ፡ ብቝጥዓይ፡ ‘ናብ ዕረፍተይ ኣይኪኣትዉን እዮም’ ኢለ ምሒለ።”+ |
|
12 ኣሕዋተየ፡ ካባኻትኩም ሓደ እኳ ኻብቲ ህያው ኣምላኽ ብምርሓቕ፡ ዘይኣምን እኩይ ልቢ ኸይህልዎ፡ ተጠንቀቑ፣+ |
|
13 ግናኸ፡ ካባኻትኩም ሓደ እኳ ብሓጢኣት ተታሊሉ ኸይተርር፡ “ሎሚ” ኽሳዕ እተባህለ፡+ መዓልቲ መዓልቲ ንሓድሕድኩም ተተባብዑ። |
|
14 ነቲ ኣብ መጀመርታ ዝነበረና እምንቶ ኽሳዕ መወዳእታ ኣጽኒዕና እንተ ሒዝናዮስ፡ መማቕልቲ ክርስቶስ ኴንና ኣለና።+ |
|
15 እዚ ድማ፡ “ሎሚ ድምጹ እንተ ሰሚዕኩም፡ ከምቲ ዝነደረሉ እዋን ልብኹም ኣይተትርሩ” ኸም እተባህለ እዩ።+ |
|
16 ሰሚዖም ዘነደርዎኸ መን እዮም፧ ኵሎም እቶም ሙሴ መሪሕዎም ካብ ግብጺ ዝወጹ ደይኰኑን፧+ |
|
17 ንመንከ እዩ ኣምላኽ ን40 ዓመት ዝፈንፈኖም፧+ ነቶም ዝሓጥኡ እሞ ሬሳኦም ኣብ በረኻ ዝወደቐ ደይኰነን፧+ |
|
18 ንመንከ እዩ ናብ ዕረፍቱ ኸይኣትዉ ዝመሓለሎም፧ ነቶም ዘይተኣዘዙ ደይኰነን፧ |
|
19 ብሰሪ ዘይምእማን ኪኣትዉ ኸም ዘይከኣሉ ኸኣ ንርኢ ኣለና።+ |
|
7 እዚ ንጉስ ሳሌምን ካህን እቲ ልዑል ኣምላኽን ዝነበረ መልከጼዴቅ እዝስ ንኣብርሃም፡ ነቶም ነገስታት ስዒሩ ኺምለስ ከሎ ረኺቡ ዝባረኾ፡+ |
|
2 ኣብርሃም ድማ ካብ ኵሉ፡ ዕሽር ዝሃቦ፡* ቀዳማይ ትርጉም ስሙ፡ “ንጉስ ጽድቂ” እዩ፣ ደሓር ከኣ፡ ንጉስ ሳሌም፡ ማለት፡ “ንጉስ ሰላም” እዩ። |
|
3 ብዘይ ኣቦ፡ ብዘይ ኣደ፡ ብዘይ ቍጽሪ ወለዶ፡ መጀመርታ መዓልትታት ወይስ መወዳእታ ህይወት ዘይብሉ ብምዃኑ፡ ግናኸ ኸም ወዲ ኣምላኽ ብምዃኑ፡ ንሓዋሩ ኻህን ኰይኑ ይነብር።+ |
|
4 እዚ በቲ ርእሲ ዓሌት* ዝዀነ ኣብርሃም ካብቲ ብሉጽ ምርኮ ዕሽር እተዋህቦ ሰብ እዚ ኸመይ ዓብዪ ኸም ዝዀነ እሞ ርኣዩ።+ |
|
5 ብመሰረት ሕጊ፡ እቶም ክህነት ዚቕበሉ ኻብ ደቂ ሌዊ ዘበሉ፡+ ካብቲ ህዝቢ፡ ማለት ካብቶም ዘርኢ ኣብርሃም* እኳ ዝዀኑ ኣሕዋቶም ዕሽር ኪእክቡ ትእዛዝ ኣለዎም።+ |
|
6 እዚ ወለዶኡ ኻብኦም ዘይኰነ ሰብ እዚ ግና፡ ካብ ኣብርሃም ዕሽር ወሲዱ፡ ነቲ ተስፋታት ዝረኸበ እውን ባሪኽዎ እዩ።+ |
|
7 እቲ ዝነኣሰ በቲ ዝዓበየ ኸም ዚባረኽ ኣይከሓድን እዩ። |
|
8 በዚ ሓደ ወገን መወትቲ ሰባት ዕሽር ኪቕበሉ ኸለዉ፡ በቲ ሓደ ወገን ግና እቲ ህያው ምዃኑ እተመስከረሉ እዩ ዕሽር ዚቕበል።+ |
|
9 እቲ ዕሽር እተቐበለ ሌዊ እኳ ብኣብርሃም ገይሩ ዕሽር ሂቡ ኺብሃል ይከኣል እዩ፣ |
|
10 ከመይሲ፡ መልከጼዴቅ ንኣብርሃም ኪረኽቦ ኸሎ፡ ሌዊ ገና ኻብ ኣቦኡ ዘይተወልደ ዘርኢ* እዩ ነይሩ።+ |
|
11 እምበኣር፡ ብኽህነት ሌዋውያን ፍጽምና ዚርከብ ነይሩ እንተ ዚኸውንሲ፡+ (እዝስ ሓደ መዳይ እቲ ነቲ ህዝቢ እተዋህቦ ሕጊ እዩ ነይሩ እሞ፡) ከም ስርዓት ኣሮን ዘይኰነስ፡ ከም ስርዓት መልከጼዴቅ+ ዚብሃል ካልእ ካህን ኪትንስእ ንምንታይ መድለየ፧ |
|
12 ከመይሲ፡ ክህነት ኪልወጥ ከሎ፡ እቲ ሕጊ እውን ኪልወጥ ኣለዎ።+ |
|
13 እቲ ብዛዕባኡ እዚ እተባህለሉስ፡ ካብ ካልእ ነገድ እዩ፣ ካብቲ ነገድ እቲ ድማ ሓደ እኳ ኣብ መሰውኢ ዘገልገለ የልቦን።+ |
|
14 ጐይታናስ ካብ ይሁዳ ኸም እተወልደ ንጹር እዩ፣+ ሙሴ ኸኣ ካህናት ካብቲ ነገድ እቲ ኸም ዝመጹ ሓንቲ እኳ ኣይተዛረበን። |
|
15 እዚ ዝበለጸ ንጹር ዚኸውን፡ ከም መልከጼዴቅ ዝኣመሰለ+ ኻልእ ካህን ምስ ዚትንስእ እዩ፣+ |
|
16 ንሱ ኸምኡ ዝዀነ ድማ፡ በቲ ኣብ ስጋዊ ትውልዲ ዚምርኰስ ሕጋዊ ትእዛዝ ዘይኰነስ፡ ብሓይሊ ዘይትጠፍእ ህይወት እዩ።+ |
|
17 ከመይሲ፡ “ንስኻ ኸም ስርዓት መልከጼዴቅ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ”+ ተባሂሉ ተመስኪሩሉ እዩ። |
|
18 እምበኣርሲ፡ እቲ ዝቐደመ ትእዛዝ ድኹምን ዘይጠቅምን ስለ ዝዀነ፡ ተሳዒሩ እዩ።+ |
|
19 ከመይሲ፡ ሕጊ ንሓደ እኳ ፍጹም ኣይገበረን፣+ እቲ ናብ ኣምላኽ እንቐርበሉ+ ዚሓይሽ ተስፋ ብምትእትታዉ ግና፡+ ከምኡ ገይሩ እዩ። |
|
20 ከምቲ እዚ ብዘይ ማሕላ ዘይተገብረ፡ |
|
21 (ከመይሲ፡ ብዘይ ማሕላ ኻህናት ዝዀኑ እኳ እንተ ኣለዉ፡ እዚ ግና በቲ ብዛዕባኡ፡ “የሆዋ፡* ‘ንስኻ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ’ ኢሉ ምሒሉ እዩ፣ ሓሳቡ ኸኣ ኣይኪልውጥን እዩ”* ኢሉ ዝመሓሎ ማሕላ እዩ ኸምኡ ዀይኑ፡)+ |
|
22 ከምኡ ድማ የሱስ ዋሕስ እቲ ዝሓሸ ኺዳን ኰይኑ እዩ።+ |
|
23 ከምኡ ኢሎም ከይቅጽሉ ሞት ይዓግቶም ብምንባሩ ኸኣ፡ ብዙሓት እናተተኻኽኡ ኻህናት ይዀኑ ነይሮም እዮም፣+ |
|
24 ንሱ ግና ንዘለኣለም ስለ ዚነብር፡+ ዘይትካእ ክህነት ኣለዎ። |
|
25 ስለዚ፡ ነቶም ብእኡ ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ዚቐርቡ፡ ኵሉ ሳዕ ምእንታኦም ኪልምን ብህይወት ዚነብር ስለ ዝዀነ፡ ምሉእ ብምሉእ ኬድሕኖም ይኽእል እዩ።+ |
|
26 ከምዚ ዝኣመሰለ እሙንን ገርህን ዘይረኸሰን+ ካብ ሓጥኣን እተፈልየን ካብ ሰማያት ልዕል ዝበለን+ ሊቀ ኻህናት ኪህልወና ይግባእ እዩ። |
|
27 ንሱ ኸምቶም ካልኦት ሊቃውንቲ ኻህናት፡ ቅድም ምእንቲ ሓጢኣት ርእሱ፡ ደሓር ድማ ምእንቲ ሓጢኣት ህዝቢ+ መዓልቲ መዓልቲ መስዋእቲ ኬቕርብ ኣየድልዮን እዩ፣+ ከመይሲ፡ ገዛእ ርእሱ ምስ ኣቕረበ፡ ነዚ ሓንሳእ ንሓዋሩ ገይርዎ እዩ።+ |
|
28 ሕግስ ድኻም ንዘለዎም ሰባት እዩ ሊቃውንቲ ኻህናት ኪዀኑ ዚሸሞም፣+ እቲ ድሕሪ ሕጊ እተማሕለ ቓል ማሕላ+ ግና ንዘለኣለም ፍጹም ዝዀነ+ ወዲ እዩ ዚሸይም። |
|
12 ስለዚ፡ ብኽንድዚ ዚኣኽሉ ደበና መሰኻኽር ተኸቢብና ስለ ዘለና፡ ንዅሉ ኽብደትን ነቲ ብቐሊሉ ዚሓላልኸና ሓጢኣትን ንቐንጥጥ፣+ ኣብቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ቕድድም ከኣ ብተጻዋርነት ንጕየ፣+ |
|
2 ናብቲ ናይ እምነትና ቐንዲ ወኪልን ፍጹም ገባርን ዝዀነ የሱስ ድማ ኣተኲርና ንጠምት።+ ንሱ ሕፍረት ንዒቑ፡ ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ ጕንዲ ስቅያት* ተጻዊሩ፡ ኣብ የማን ዝፋን ኣምላኽ ከኣ ተቐሚጡ እዩ።+ |
|
3 ምእንቲ ኸይትደኽሙን ከይትሕለሉንሲ፡*+ ነቲ ኻብ ሓጥኣን ክንድዚ ዚኣክል ንጥቕሚ ርእሶም ዚጐድእ ተጻራሪ ዘረባ እተጻወረ ኣስተብህሉሉ።+ |
|
4 ምስቲ ሓጢኣት እቲ ኽትቃለሱ ኸለኹም፡ ደምኩም ክሳዕ ዚፈስስ ገና ኣይተቓወምኩምን። |
|
5 ነቲ ኸም ውሉዳት ገይሩ ኸምዚ ዚብለኩም ምዕዶ ፈጺምኩም ረሲዕኩምዎ ኢኹም፦ “ወደየ፡ ተግሳጽ የሆዋ* ኣይትንዓቕ፡ እንተ ገኒሑካ እውን ኣይትተሓለል፣ |
|
6 የሆዋስ* ንዜፍቅሮ እዩ ዚግስጾ፣ ነቲ ኸም ውሉዱ ዚቕበሎ ዘበለ እውን ይገርፎ* እዩ።”+ |
|
7 ከም ክፍሊ ተግሳጽኩም፡* ክትጻወሩ ኣሎኩም። ኣምላኽ ከም ውሉዳቱ ገይሩ ይርእየኩም ኣሎ።+ ኣቦኡ ዘይግስጾኸ እንታዋይ ውሉድ እዩ፧+ |
|
8 ካብቲ ዅሉ ዚቕበሎ ተግሳጽ እንተ ዘይተኻፊልኩም ግና፡ ደቓሉ እምበር፡ ውሉዳት ኣይኰንኩምን። |
|
9 ኣብ ርእሲ እዚ፡ ሰብኣውያን ኣቦታትና* ይግስጹና ነይሮም፡ ነኽብሮም እውን ኔርና። ነቲ ኣቦ መንፈሳዊ ህይወትና ግዳ ኣዚና እናተገዛእናዮዶ ኽንነብር ኣይግብኣናን እዩ፧+ |
|
10 እቲኣቶምሲ ንሓጺር ግዜ ኸም ዝመሰሎም ገይሮም እዮም ገሲጾምና፣ ንሱ ግና ካብ ቅድስናኡ ኽንማቐል ኢሉ ንጥቕምና እዩ ዚገብሮ።+ |
|
11 ተግሳጽ ዘበለስ ዜጕሂ እምበር፡ ንግዜኡ ዜሐጕስ ኣይመስልን እዩ፣ ንዳሕራዩ ግና ነቶም ብእኡ ዝሰልጠኑ ናይ ሰላም ፍረ፡ ማለት ጽድቂ የፍርየሎም እዩ። |
|
12 ስለዚ፡ ዘርጋሕጋሕ ንዝበላ ኣእዳውን ረሸሽ ንዝበላ ኣብራኽን ኣደልድሉ፣+ |
|
13 እቲ ዚሕንክስ ኪሓዊ እምበር፡ ወለም ምእንቲ ኸይብሎስ፡ ንኣእጋርኩም ትኽ ዝበለ መገዲ ግበሩ።+ |
|
14 ምስ ኵሉ ሰብ፡ ሰላምን ቅድስናን ስዓቡ፣+ ብዘይ ቅድስናስ ሓደ እኳ ንጐይታ ኣይርእዮን እዩ። |
|
15 ሓደ እኳ ጸጋ ኣምላኽ ከይስእን፡ መርዛም ሱር በቚሉ ድማ ከየሸግረኩም እሞ ብዙሓት ብእኡ ኸይረኽሱ ተጠንቀቑ።+ |
|
16 ካባኻትኩም ሓደ እኳ ኣመንዝራ* ወይስ ከምቲ ንሓደ ብልዒ ብዅርናኡ ዝሸጠ ኤሳው ንቕዱስ ነገራት ዚንዕቕ ከይከውን ድማ ተጠንቀቑ።+ |
|
17 ንሱ ጸኒሑ ነቲ በረኸት ኪወርስ ምስ ደለየ ኸም እተኣብየስ ትፈልጡ ኢኹም፣ ብንብዓት ሓሳብ* ኬለውጥ እኳ ኣጸቢቑ እንተ ደለየ፡+ ኣይጠቐሞን።* |
|
18 ንስኻትኩምሲ ናብቲ ዚድህሰስን+ ብሓዊ ዚነድድን+ ናብ ጸሊም ደበናን ድቕድቕ ጸልማትን ህቦብላን+ |
|
19 ናብ ደሃይ መለኸትን+ ናብቲ ምስ ሰምዕዎ ወሲኹ ኸይዛረቦም ዝለመኑሉ+ ቓላት ዚዛረብ ድምጽን+ ኣይቀረብኩምን። |
|
20 ንሳቶምሲ ነቲ፡ “እንስሳ እኳ ነቲ ኸረን እንተ ተንክይዎ፡ ብዳርባ እምኒ ይሙት”+ ዚብል ትእዛዝ ኪጾርዎ ኣይከኣሉን። |
|
21 እቲ ትርኢት ኣዝዩ ዜፍርህ ስለ ዝነበረ እውን፡ ሙሴ፡ “እፈርህን ራዕራዕ እብልን ኣለኹ” ኢሉ እዩ።+ |
|
22 ንስኻትኩም ግና ናብ ከረን ጽዮንን+ ናብ ከተማ እቲ ህያው ኣምላኽ ዝዀነት ሰማያዊት የሩሳሌምን+ ናብ ኣእላፋት* መላእኽቲ |
|
23 ኣብ ሓፈሻዊ ኣኼባን+ ናብ ጉባኤ እቶም ኣብ ሰማያት ተመዝጊቦም ዘለዉ በዅራትን ናብቲ ፈራድ ኵሉ ዝዀነ ኣምላኽን+ ናብ መንፈሳዊ ህይወት+ እቶም ፍጹማት ዝዀኑ ጻድቃንን+ |
|
24 ናብ የሱስ እቲ መንጎኛ+ ሓድሽ ኪዳንን+ ናብቲ ኻብ ደም ኣቤል+ ብዝሓሸ ዚዛረብ ምንጻግ ደምን ኢኹም ቀሪብኩም። |
|
25 ነቲ ዚዛረበኩም ዘሎ ምስማዕ ከይትኣብይዎ* ተጠንቀቑ። እቶም ነቲ ኣብ ምድሪ መለኮታዊ መጠንቀቕታ ዝሃቦም ምስማዕ ዝኣበዩ ኻብ ዘየምለጡስ፡ ነቲ ኻብ ሰማያት ዚዛረበና ዝባንና እንተ መሊስናሉ ግዳ ኸመይ ኢልና ኸነምልጥ!+ |
|
26 ሽዑ፡ ድምጹ ንምድሪ ኣናዊጽዋ እዩ፣+ ሕጂ ግና፡ “ገና ሓንሳእ ንምድሪ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንሰማይ እውን ከናውጾ እየ” ኢሉ ኣተስፍዩ ኣሎ።+ |
|
27 እዚ “ገና ሓንሳእ” ዚብል ቃል፡ ዘይተናወጸ ነገራት ጸኒዑ ምእንቲ ኺነብር፡ እተናወጸ ነገራት፡ ማለት እተገብረ ነገራት፡ ከም ዜልግስ እዩ ዜመልክት። |
|
28 ስለዚ፡ ዘይትናወጽ መንግስቲ እንቕበል ካብ ኰንናስ፡ እቲ ንኣምላኽ ብፍርሃት ኣምላኽን ብኣኽብሮትን ብቕቡል መገዲ እነገልግለሉ* ጸጋ ኣምላኽ ንቀበል። |
|
29 ከመይሲ፡ ኣምላኽና ዚባላዕ ሓዊ እዩ።+ |
|
1 ኣምላኽ ብዙሕ ሳዕን ብብዙሕ መገድን ቀደም ንኣቦታትና ብነብያት ተዛሪብዎም እዩ።+ |
|
2 ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ከኣ በቲ ወራስ ኵሉ ገይሩ ዝሸሞ፡+ ብእኡ እውን ስርዓታት* ዝገበረ+ ወዱ ገይሩ ተዛሪቡና እዩ።+ |
|
3 ንሱ ነጸብራቕ ክብሪ ኣምላኽን+ ልክዕ ምስሊ ባህርዩን እዩ፣+ ንዅሉ እውን ብሓይሊ ቓሉ ጾይሩ ኣሎ። ካብ ሓጢኣትና ምስ ኣንጽሃና ድማ፡+ ኣብ ላዕሊ ኣብ የማን ግርማ ተቐሚጡ እዩ።+ |
|
4 ስለዚ፡ ካብ ናይ መላእኽቲ ኣዝዩ ዚበልጽ ስም ብምውራስ፡+ ክሳዕ ክንድኡ ኻባታቶም በሊጹ እዩ።+ |
|
5 ንኣብነት፡ ኣምላኽ ካብ መላእኽቲ ንመኖም እዩ፡ “ንስኻ ወደይ ኢኻ፣ ኣነ ሎሚ ወሊደካ፡”+ ከም ብሓድሽ ከኣ፡ “ኣነ ኣቦኡ ክኸውን እየ፡ ንሱ ኸኣ ወደይ ኪኸውን እዩ”+ ዝበሎ፧ |
|
6 ከም ብሓድሽ ነቲ በዅሩ+ ናብ ዓለም ኪልእኾ ኸሎ ድማ፡ “ኵሎም መላእኽቲ ኣምላኽ ይስገዱሉ”* ይብል። |
|
7 ብዛዕባ መላእኽቲ ኸኣ፡ “መላእኽቱ መናፍስቲ፡ ኣገልገልቱ*+ እውን ሃልሃልታ ሓዊ ይገብር” ይብል።+ |
|
8 ብዛዕባ ወዱ ግና ከምዚ ይብል፦ “ኣምላኽ ንዘለኣለመ ኣለም ዝፋንካ እዩ፣+ ዘንጊ መንግስትኻ እውን ዘንጊ ቕንዕና* እያ። |
|
9 ጽድቂ ፈቲኻ፡ ጥሕሰት ሕጊ ኸኣ ጸሊእካ። ስለዚ፡ ኣምላኽ፡ ኣምላኽካ፡ ሓለፋ ብጾትካ ብዘይቲ ፍስሃ ቐቢኡካ።”+ |
|
10 ከምኡ ድማ፡ “ጐይታይ፡ ንስኻ ኣብ መጀመርታ መሰረታት ምድሪ ኣንቢርካ፣ ሰማያት ድማ ግብሪ ኣእዳውካ እዮም። |
|
11 ንሳቶም ኪጠፍኡ እዮም፡ ንስኻ ግና ክትነብር ኢኻ፣ ኵላቶም ከም ክዳን ኪበልዩ እዮም፣ |
|
12 ከም ባርኖስ፡ ከም ክዳን ድማ ክትጥቕልሎም ኢኻ፣ ኪልወጡ እውን እዮም። ንስኻ ግና ከም ቀደምካ ኢኻ፣ ዓመታትካ እውን ከቶ ኣይውዳእን እዩ” ይብል።+ |
|
13 ካብ መላእኽቲኸ ንመኖም እዩ፡ “ንጸላእትኻ ድኳ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፡ ኣብ የማነይ ተቐመጥ” ዝበሎ፧+ |
|
14 ኵላቶምዶ ነቶም ድሕነት ዚወርሱ ኼገልግሉ ዚለኣኹ መናፍስቲ ቕዱስ ኣገልግሎት* ኣይኰኑን፧+ |
|
8 ቀንዲ ነጥቢ እቲ እንብሎ ዘሎና ኸኣ እዚ እዩ፦ ከምዚ ዝኣመሰለ ሊቀ ኻህናት ኣሎና፣+ ንሱ ድማ ኣብ ሰማያት ኣብ የማን ዝፋን ግርማ ተቐሚጡ ኣሎ፣+ |
|
2 ናይታ ሰብ ዘይኰነስ፡ የሆዋ* ዝተኸላ መቕደስን+ ድንኳን ሓቅን ኣገልጋሊ* እውን እዩ። |
|
3 ሊቀ ኻህናት ዘበለስ መባእን መስዋእትን ኬቕርብ እዩ ዚሽየም፣ ስለዚ፡ እዚ እውን ገለ ዜቕርቦ ኺህልዎ ይግባእ እዩ።+ |
|
4 ኣብ ምድሪ እንተ ዚኸውን፡ ከም ሕጊ ገይሮም መባእ ዜቕርቡ ስለ ዘለዉ፡ ካህን ኣይምዀነን ነይሩ።+ |
|
5 እዚኣቶም ኣብ ምስልን ጽላሎትን+ እቲ ሰማያዊ ነገራት+ እዮም ዜገልግሉ፣* ከምቲ ሙሴ ነታ ድንኳን ኪገብር ምስ በለ እተዋህቦ መለኮታዊ ትእዛዝ እዩ፣ ከመይሲ፡ “ኵሉ ኸምቲ ኣብቲ ኸረን እተራእየካ ምስልታቱ ጌርካ ተጠንቂቕካ ግበሮ” ኢልዎ እዩ።+ |
|
6 ሕጂ ግና የሱስ ዝበለጸ ኣገልግሎት* ረኺቡ ኣሎ፣ ከምኡ ድማ መንጎኛ+ እቲ ኣብ ዝሓሸ ተስፋታት ብሕጊ እተሰረተ+ ዝሓሸ ኺዳን እዩ።+ |
|
7 እቲ ቐዳማይ ኪዳን ኣበር እንተ ዘይህልዎ፡ እቲ ኻልኣይ ኣይመድለየን ነይሩ።+ |
|
8 ከመይሲ፡ ከምዚ ኺብል ከሎ ይነቕፎም እዩ፦ “‘እንሆ፡ ምስ ቤት እስራኤልን ምስ ቤት ይሁዳን ሓድሽ ኪዳን ዝኣትወለን መዓልትታት ይመጻ ኣለዋ’ ይብል የሆዋ።* |
|
9 ‘ከምቲ ኣብታ ኻብ ምድሪ ግብጺ ብኢዶም ሒዘ ዘውጻእክዎም+ መዓልቲ ምስ ኣቦታቶም ዝኣቶኽዎ ኺዳን ኣይኰነን፣ ብኺዳነይ ስለ ዘይጸንዑ፡ ኣነ እውን ብዛዕባኦም ምግዳስ ገዲፈዮ’ ይብል የሆዋ።* |
|
10 “‘ድሕሪ እተን መዓልትታት እቲአን ምስ ቤት እስራኤል ዝኣትዎ ኺዳንሲ እዚ እዩ፡’ ይብል የሆዋ።* ‘ንሕግታተይ ኣብ ኣእምሮኦም ከእትዎ፡ ኣብ ልቦም እውን ክጽሕፎ እየ።+ ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ፣ ንሳቶም እውን ህዝበይ ኪዀኑ እዮም።+ |
|
11 “‘ካብ ንእሽቶኦም ክሳዕ ዓብዪኦም ኵላቶም ኪፈልጡኒ እዮም እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ንወዲ ዓዱን ነፍሲ ወከፍ ንሓዉን፡ “ንየሆዋ* ፍለጦ” ኢሉ ኣይኪምህሮን እዩ። |
|
12 ከመይሲ፡ ዓመጻኦም ክምሕር፡ ሓጢኣቶም እውን ደጊም ኣይክዝክርን እየ።’”+ |
|
13 “ሓድሽ ኪዳን” ብምባሉ፡ ነቲ ቐዳማይ ኣእሪግዎ እዩ።+ እቲ ዝኣረገን ዝበለየን ከኣ ኪጠፍእ ቀሪቡ እዩ።+ |
|
11 እምነት ናይቲ ተስፋ ዚግበሮ ርግጽ ትጽቢት፡+ ናይቲ ዘይርአ ነገር ግሁድ መርኣያ* እያ። |
|
2 ጥንቲ ዝነበሩስ* ብእኣ እዩ እተመስከረሎም። |
|
3 እቲ ስርዓታት* ብቓል ኣምላኽ ከም እተሰርዐ፡ በዚ ኸምዚ እቲ ዚርአ ኻብቲ ዘይርአ ኸም ዝዀነ፡ ብእምነት ነስተውዕል ኣለና። |
|
4 ኣቤል ካብ ናይ ቃየል ዚበልጽ መስዋእቲ ንኣምላኽ ብእምነት ኣቕሪቡ እዩ፣+ ኣምላኽ ንመባኡ ብምቕባሉ፡* ጻድቕ ምዃኑ በታ እምነት እቲኣ ተመስኪሩሉ እዩ፣+ ምዉት ክነሱ ኸኣ፡ ብእምነቱ ይዛረብ ኣሎ።+ |
|
5 ሄኖክ፡+ ሞት ምእንቲ ኸይርኢ፡ ብእምነት ግዒዙ እዩ፣ ኣምላኽ ስለ ዘግዓዞ ኸኣ፡ ኣይተረኽበን፣+ ቅድሚ ምግዓዙስ ንኣምላኽ ባህ ከም ዘበሎ ተመስኪሩሉ እዩ። |
|
6 ብዘይ እምነት ከኣ ንኣምላኽ ባህ ከተብሎ ኣይከኣልን እዩ፣ እቲ ናብ ኣምላኽ ዚቐርብሲ፡ ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ኣጸቢቖም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን ኪኣምን ይግብኦ እዩ።+ |
|
7 ኖህ+ ብዛዕባ እቲ ገና ዘይተራእየ ነገራት መለኮታዊ መጠንቀቕታ ምስ ተቐበለ፡+ ብፍርሃት ኣምላኽ ተደሪኹ ንምድሓን ቤተ ሰቡ እትኸውን መርከብ ብእምነት ሰሪሑ እዩ፣+ በታ እምነት እቲኣ ገይሩ ድማ ንዓለም ኰኒንዋ እዩ፣+ ነቲ ብእምነት ዚርከብ ጽድቂ ኸኣ ወራሲ ዀይኑ እዩ። |
|
8 ኣብርሃም+ ምስ ተጸውዐ፡ ናብቲ ኸም ርስቲ ኪቕበሎ ዘለዎ ቦታ ብምውጻእ፡ ብእምነት ተኣዚዙ እዩ፣ ናበይ ከም ዚኸይድ እኳ እንተ ዘይፈለጠ፡ ወጺኡ እዩ።+ |
|
9 ኣብታ ምድሪ ተስፋ ጓና ዀይኑ ኸም ኣብ ምድሪ ጓና ብእምነት ይነብር ነይሩ እዩ፣+ ምስቶም ነታ ተስፋ እቲኣ መዋርስቱ ዝዀኑ ይስሃቅን ያእቆብን+ ከኣ ኣብ ድንኳን ተቐሚጡ እዩ።+ |
|
10 ከመይሲ፡ ነታ ኣምላኽ ዝነዳፊኣን ዝሃናጺኣን ናይ ሓቂ መሰረት ዘለዋ ኸተማ እዩ ዚጽበ ነይሩ።+ |
|
11 ሳራ እውን ዕድሚኣ እኳ ምስ ሓለፈ፡+ ነቲ ተስፋ ዝሃባ እሙን ገይራ ስለ ዝረኣየቶ፡ ዘርኢ ንምጥናስ ብእምነት ሓይሊ ረኺባ እያ። |
|
12 ስለዚ ድማ፡ ካብ ሓደ፡ ንሱ እውን ከም ምዉት ክነሱስ፡+ ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ዝምብዛሖምን ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑጻ ዘይቍጸሩን+ ተወሊዶም እዮም።+ |
|
13 ኵሎም እዚኣቶም ነቲ ተስፋታት እኳ እንተ ዘይረኸብዎ፡+ ካብ ርሑቕ ርእዮም ግና ተቐቢሎምዎ እዮም፣+ ኣብታ ምድሪ እቲኣ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ምዃኖም እናተኣመኑ ኸኣ ብእምነት ጸኒዖም ሞይቶም እዮም። |
|
14 እቶም ከምዚ ኢሎም ዚዛረቡስ፡ መንበሪ ዚዀኖም ናታቶም ቦታ ኣጸቢቖም ከም ዚደልዩ፡ የርእዩ እዮም። |
|
15 ነቲ ሓዲጎምዎ ዝወጹ ይዝክሩ ነይሮም እንተ ዚዀኑስ፡+ ኪምለሱ ኣጋጣሚ ነይርዎም እዩ። |
|
16 ሕጂ ግና እትሓይሽ፡ ማለት ናይ ሰማይ ዝዀነት ንምርካብ ይመጣጠሩ ኣለዉ። ስለዚ፡ ኣምላኽ፡ ከተማ ኣዳልዩሎም ኣሎ እሞ፡+ ከም ኣምላኾም ብኣታቶም ኪጽዋዕ ኣይሓፍርን እዩ።+ |
|
17 ኣብርሃም ምስ ተፈተነ፡+ ብእምነት ንይስሃቅ ሰዊእዎ ኺብሃል ይከኣል እዩ፣—እቲ ተሓጒሱ ተስፋታት እተቐበለስ፡ ነቲ ሓደ ወዱ ኺስውኦ ፈቲኑ እዩ፣+— |
|
18 እዚ ዝገበረ ኸኣ፡ “ብይስሃቅ እዩ ዘርእኻ ዚጽዋዕ” ተባሂሉሉ ኽነሱ እዩ።+ |
|
19 ኣምላኽ ካብ ምዉታት ኬተንስኦ ኸም ዚኽእል ግና ሓሲቡ እዩ፣ ካብኡ እውን ብምሳሌያዊ መገዲ ረኺብዎ እዩ።+ |
|
20 ይስሃቅ እውን ብዛዕባ እቲ ዚመጽእ ነገራት ንያእቆብን+ ንኤሳውን+ ብእምነት መሪቕዎም እዩ። |
|
21 ያእቆብ ኪመውት ምስ በለ፡+ ንደቂ ዮሴፍ ንነፍሲ ወከፎም ብእምነት መሪቕዎም እዩ፣+ ኣብ ጫፍ በትሩ ተመርኲሱ ኸኣ ሰጊዱ እዩ።+ |
|
22 ዮሴፍ ኣብ ኣጋ ሞቱ፡ ብዛዕባ ምውጻእ ደቂ እስራኤል ብእምነት ተዛሪቡ እዩ፣ ብዛዕባ ኣዕጽምቱ* እውን ትእዛዝ ሂቡ እዩ።+ |
|
23 ሙሴ ምስ ተወልደ፡ ወለዱ ጽቡቕ ሕጻን ምዃኑ ርእዮም፡+ ኣዋጅ እቲ ንጉስ ከይፈርሁ፡+ ብእምነት ሰለስተ ወርሒ ሓቢኦምዎ እዮም።+ |
|
24 ሙሴ ምስ ዓበየ፡+ ወዲ ጓል ፈርኦን ከይብሃል ብእምነት ኣብዩ እዩ፣+ |
|
25 ንግዜኡ ብሓጢኣት ባህ ካብ ዚብሎስ፡ ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ደኣ እዩ መከራ ኺጸግብ ዝሓረየ፣ |
|
26 ናብቲ ዚረኽቦ ዓስቢ ኣተኲሩ ስለ ዝጠመተ፡ ካብ መዛግብቲ ግብጽስ ነቲ ቕቡእ* ብምዃን ዚጽረፎ ጸርፊ ዝበዝሐ ሃብቲ ገይሩ እዩ ቘጺርዎ። |
|
27 ነቲ ዘይርአስ ከም ዚርእዮ ዀይኑ ስለ ዝጸንዐ፡+ ንቝጥዓ እቲ ንጉስ ከይፈርሀ፡+ ብእምነት ንግብጺ ሓዲግዋ እዩ።+ |
|
28 እቲ መጥፍኢ ንበዅራቶም ምእንቲ ኸይጐድእ፡* ብእምነት ፋስጋን ምንጻግ ደምን ኣብዒሉ እዩ።+ |
|
29 ንቐይሕ ባሕሪ ኸም ንቑጽ ምድሪ ገይሮም ብእምነት ተሳጊሮምዎ እዮም፣+ ግብጻውያን ከምኡ ኺገብሩ ምስ ፈተኑ ግና፡ ተዋሒጦም እዮም።+ |
|
30 መካበብያ ያሪኮ ሸውዓተ መዓልቲ ምስ ዞርዎ፡ ብእምነት ወዲቑ እዩ።+ |
|
31 ረሃብ እታ ኣመንዝራ ነቶም ሰለይቲ ብሰላም ስለ እተቐበለቶም፡ ብእምነት ምስቶም ዘይተኣዘዙ ኣይጠፍአትን።+ |
|
32 ደጊም እንታይ እሞ ኽብል እየ፧ ብዛዕባ እኒ ጊዴዎን፡+ እኒ ባራቅ፡+ እኒ ሲምሶን፡+ እኒ ይፍታሕ፡+ እኒ ዳዊትን+ ሳሙኤልን+ ካልኦት ነብያትን ከየዘንትወልኩም ግዜ ይሓጽረኒ እዩ። |
|
33 ንሳቶም ብእምነት ንመንግስትታት ስዒሮም፡+ ጽድቂ ኣምጺኦም፡ ተስፋታት ረኺቦም፡+ ኣፍ ኣናብስ ዓጽዮም፡+ |
|
34 ንሓይሊ ሓዊ ኣጥፊኦም፡+ ካብ ስሕለት ሰይፊ ኣምሊጦም፡+ ካብ ድኻም በርቲዖም፡+ ኣብ ውግእ ሓይሎም፡+ ንወራሪ ሰራዊት ሰጒጎም እዮም።+ |
|
35 ኣንስቲ ንምዉታተን ብትንሳኤ ተቐቢለናኦም እየን፣+ ካልኦት ግና ዚሓይሽ ትንሳኤ ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሎም፡ ሓራ ምውጻእ* ስለ ዝኣበዩ፡ ተሰቅዮም እዮም። |
|
|